ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ንዝውሰድ ዘሎ ተሪር ስጉምቲ ኮኒኑ

እሱር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ንዝውሰድ ዘሎን ዛጊት 19 ጋዜጠኛታትን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታትን ኣብ ቀይዲ ዘእተወን ተሪር ስጉምቲ ኮኒኑ።

እቲ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ኮምሽን ነቲ ማእሰርትታት “ዘይሕጋዊ” ብምባል ክገልጾ እንከሎ፡ እቲ ተግባር ነታ ብተደጋጋሚ ንነጻ ሚድያ ተጻባኢ ኩነታት ብምፍጣር እትኽሰስ ሃገር ናብ ዝተሓተ ደረጃ ዘውርድ ምዃኑ ሓላፊ እቲ ኮምሽን ዶ/ር ዳንኤል በቀለ ገሊጹ።

እቲ ማእሰርቲ ሎሚ ቀዳም'ውን ዝቐጸለ ኮይኑ፡ ኤዲተር ናይ ሓደ ንመንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ኣባይ ሚድያ ዝተባህለ ዩትዩብ ቻነል ጋዜጠኛ መኣዛ መሓመድ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ኣሎ።

ንሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኢትዮጵያ ምስቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝቕጽል ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ብዝተኣሳሰር ሕጹጽ ኣዋጅ ምስ ኣወጀት ንሓደ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ምጽንሓ ይዝከር።

በዚ ከኣ ብዘይካ’ቶም ኣብ ዝሓለፉ መዓልትታት ካብ መንበሪኦምን ካብ ስርሖምን ከምእተትሓዙ እተነግረሎም ጋዜጠኛታት፡ ትማሊ ዓርቢ 27 ግንቦት ጋዜጠኛ ቴለቪዥን ፊንፊኔ ኢንተግሬትድ ኔትዎርኪንግ (ኤፍቢኣይ) ሰቦንቱ ኣሕመድን ጋዜጠኛ ኣልፋ ዩትዩብ ቲቪ በቃሉ ኣላምረውን ከምእተኣሰሩ ጸብጻባት ሓቢሮም።

በቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንኽልተ ሰሙን ቀጺሉ ዘሎ ‘ስርሒት ምኽባር ሕጊ’ ዝተሰመየ ስጉምቲ ልዕሊ 6,000 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ኣለው።

እዚ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ኮይኑ ምስቲ ሰብ መዚ ኣብ ክልል ኣምሓራ ‘ምኽባር ሕጊ’ ዝበልዎን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ዘእተውሉን ስጉምቲ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን እዩ ዘጋጥም ዘሎ፡፡