ሲፒጄ፡ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ኣብ ማእሰርቲ ንዘለዉ ጋዜጠኛታት ክፍትሑ ፃውዒት ኣቕሪቡ

መስከረም ኣበራ (ጸጋም) ሰለሞን ሹምዬ (የማን)

ምንጪ ስእሊ, Social Media

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ነቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ጋዜጠኛታትን ኣካላት ሚድያን ክፈትሕዎም 'ሲፒጄ' ዝተብሃለ ዓለምለኻዊ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ሓቲቱ።

ኣብ ክልል ኣምሓራን ኣዲስ ኣበባን ካብ 11 ግንቦት 2014 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ጀሚሩ ብውሑድ 11 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሚድያን ከምኡ ድማ ልዕሊ 4500 ውልቀሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይግለፅ።

እዞም ኣካላት ነቲ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ብዝብል ንዝተጀመረ ስጉምቲ ስዒቡ ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ እቲ ትካል ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ጠቒሱ።

ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ናይቲ 'ኣሻራ' ብዝብል ዝፍለጥ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ሚድያ፤ 4 ካብ ቻነል ንስር ኢንተርናሽናል ብሮድካስቲን፣ መስራቲትን ዋና ኣሰናዳኢትን ናይቲ 'ኢትዮ ንቃት' ዝተብሃለ ሚድያ መስከረም ኣበራ ከምኡ ድማ መስራትን ወናንን ገበያኑ ሚድያ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹምዩ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኣሰሩ ይርከብዎም።

"ማእሰርቲ እቶም ጋዜጠኛታት ንኢትዮጵያ ሓደ ስጉሚ ንቕድሚት ሰለስተ ስጉሚ ናብ ድሕሪት ዝመልስ'ዩ" ይብል ሲፒጄ።

ኣብቲ ትካል ኣተሓባባሪት ፕሮግራም ኣፍሪቃ ኣንጀላ ኪውንታል "መንግስቲ እታ ሃገር ንናፅነት ፕረስን: ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መሰል ከምዘለዎን ዘይግደስ ምዃኑ ዘመልክት'ዩ" ክትብል ነቲ ማእሰርቲ ነቒፋ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ነቶም ጋዜጠኛታት ክፍትሕዎም ድማ ኣተሓሳሲባ።

"ሰበስልጣን ነቶም ጋዜጠኛታት ብዘይክሲ ቀልጢፎም ክፈትሕዎም ኣለዎም" ዝበለት ኣንጀላ፡ መንግስቲ ዘይምኽንያታዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት ደው ከብሎን ወጽዓ ዘይብሉ ብዘይምምያ ክሰርሑ ክገብርን ፃውዒት ኣቕሪባ።

ማሕበር ሰብሞያ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያ ትማሊ [16 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ] ናብ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ኣካላት ሚድያ ካብ መንበሪ ገዝኦምን ናይ ስራሕ ቦትኦምን ብሓይልታት ፀጥታ እናተዓፈኑ ይውሰዱ ምህላዎም ከምዘሻቐሎ ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚንስትር "ነዚ ከቢድ ጥሕሰት ሕጊ ሰሚዑ ከምዘይሰምዐ ምሕላፉ ከምዘሕዘኖ፣ ጋዜጠኛታት ብመስርሕ ሕጊ ጥራሕ ክሕተቱ ከምዘለዎምን ንጋዜጠኛታት ዝዓፈኑ ኣካላት ናብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ክሕተቱን" ኣብ ደብዳበ እቲ ማሕበር ሰፊሩ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ጋዜጠኛታት ብዘይሕጋዊ መስርሕ ተዓፊኖም ከምዝተወሰዱ፤ ኣብ ዘይፍለጥ ቦታ ከምዝዓገቱ፤ ተዓፊኖም ካብ ዝጸንሑሉ ስውር ቦታ ዝተለቐቑን ክሳብ ሎሚ ዘይተለቐቑን ብዙሓት ጋዜጠኛታት ከምዘለዉ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኣመሪካ'ውን ብኹነታት እቲ ሎሚ ቕነ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝፍፀም ዘሎ ዝግለፅ ጃምላዊ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ተጣበቕቲ መሰላትን ከምዝተሻቐለ ትማሊ ምግላፁ ይዝከር።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ብፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓፂር ሓበሬታ "በቶም ዝወጽኡ ዘለዉ ፀብፃባት ጃምላዊ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ተሻቒላ" ኢሉ።

"ፌደራል መንግስቲን ሓይልታት ፀጥታ ክልላትን ግቡእ መስርሕ ክኽተሉን ልዕልና ሕጊ ክኽበርን ብዝብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ፃውዒት ንድግፍ" ይብል ሓፂር መግለፂ ኤምባሲ አመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ።

ትእምርቲ ሲፒጄ

ምንጪ ስእሊ, cpj

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን: ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብዙሓት ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ብዘይትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከምዝተኣሰሩ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

እቶም ተታሒዞም ዝበሎም ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ምስ ቤተሰቦም ክራኸቡ ዘይተፈቐደሎም ከምዘለዉን ኣብቲ ብቕድሚ ትማሊ [14 ጉንበት 2014 ዓ.ም] ዘውፅኦ መግለፂ ኣመልኪቱ።

በቲ ሓይልታት ፌደራልን ናይ ክልል ፀጥታን "ዝተዋደደ ወፍሪ ምኽባር ልዕልና ሕጊ" ዝበልዎ ስጉምቲ፡ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን ዝርከብዎም ብዙሓት ሰባት ከምዝተኣሰሩ ድማ ሓቢሩ።

እቶም ጋዜጠኛታት ኣበይ ይርከቡ?

ኣሻራ ሚድያ ዝተብሃለ ናይ ዩ ቱዩብ ቻል፡ መንግስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ዕጡቓት ፋኖ ዝወሰዶ ስጉምቲ፣ ናይቶም ንመንግስቲ ዝነቕፉ ኣካላትን ንጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ዝጥምቱን ጸብጻባት ሰሪሑ ምንባሩ መግለፂ ሲፒኤ የዘኻኽር።

ብ11 ግንቦት 2014 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ሰለስተ ጋዜጠኛታትን ክልተ ሰብሞያ ካሜራን ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ቀይዲ እንተኣተዉ'ኳ፡ ደሓር ግን ካብታ ከተማ ኣስታት 185 ኪሎሜትር ርሕቐት ናብ እትርከብ ንፋስ ማውጫ ዝተብሃለት ከተማ ስለዝተወሰዱ ምስ ስድርኦም ኮነ ጠበቓታቶም ክራኸቡ ኣይከኣሉን ኢሉ።

ኣርባዕተ ጋዜጠኛታት ንስር ሚድያ ድማ ብ12 ግንቦት 2014 ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ብተመሳሳሊ ናብ ንፋስ ማውጫ ከምዝተወሰዱ ኣመልኪቱ።

ንስር ነቲ ኣብ ልዕሊ ፋኖ ዝውሰድ ዘሎ ዝበሎ ስጉምቲ ከምኡ ድማ ምስራዝ ፍቓድ ጋዜጠኛ ዘ-ኢኮኖሚስት ቶም ጋርድነር ዝምልከቱ ፀብጻባት ሰሪሑ ምንባሩ ሲፒጄ ኣዘኻኺሩ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላብዐ ኲናት ብምቅዋም ናብ ሰላምን ድርድር ዘእትዉ ዝበሎም ኣማራፅታት እናሓበረ ብምንቃፍ ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹምዬ ብኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝተኣሰረ ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ኣይቀረበን።

ሰሎሞን፡ "ህዝቢ ናብ ዓመፅ ክለዓዓል ብምፅዋዕን፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ኣምሓራን ዘይምስናይ ክፍጠርን ሰሪሑ" ዝብል ክሲ ቀሪቡሉ'ሎ።

ካብ ባህርዳር ተበጊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተወትሉ መዓልቲ ኣብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ዝተትሓዘት መስከረም ኣበራ'ውን ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ከምእትርከብን ምስ ናይ ሰሎሞን ዝመሳሰል ክሲ ከምዝቐረበላን ሲፒጄ ገሊፁ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳ መምህር ዝነበረት መስከረም ህዝባዊ ዓመፅ ክነዓዓብ ኣለዓዒላ ብዝብል ገበን ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐረበት ኮይና፡ ን29 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ቆፀራ ከምዝተወሃበ ተፈሊጡ።

መስከረም ኣብቲ 'ኢትዮ ንቃት' ዝተብሃለ ሚድያኣ ሓደ ጀነራል ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ዕጡቓት ፋኖን ህዝብን ክስለፍ ፃውዒት ካብ ምቕራብ ብተወሳኺ ንፋኖ ዝድግፍ መደብ ከምዝሰርሐት መግለፂ ሲፒጄ የዘኻኽር።

ኣገልግሎት ኮሚዩኒኬሽን መንግስቲ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ካልኦት ክፋላት እታ ሃገርን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ ብዝምልከት ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ "ምኽባር ልዕልና ሕጊ ሰላምን ድሕነትን ዜጋታት ንምውሓስ ኮነ ቀጻልነት ሃገር ንምርግጋጽ እንኮ መፍትሒ እዩ" ኢሉ ነይሩ።

መንግስቲ ነቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝረኧ ጥሕሰታት ሕጊ ስእነት ሰላምን ንኽቆፃፀር ካብ ህዝቢ ብተደጋጋሚ ሕቶ ክቐርብ ምፅንሑ ዘመልከተ መግለፂ እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ኣድላዪ ስጉምቲ ንኽውሰድ ድማ ብብሄራዊ ቤት ምኽሪ ፀጥታ ውሳነ ከምዝተመሓላለፈ ጠቒሱ።