ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4,500 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ

ዋና ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህር ዳር
መግለጺ ስእሊ, ዋና ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህር ዳር

ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ 4,500 ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ሎሚ 15 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ ኣፍሊጡ።

እቶም ተጠርጠርቲ: ምስቲ ኣብዚ ቕነ ዝካየድ ዘሎ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ እቲ ትካል ገሊፁ።

ዛጊድ 4 ሽሕን 552 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ዘመልከተ መግለፂ እቲ ቢሮ፡ ካብቶም ተጠርጠርቲ እቶም 210 ቅድሚ ሎሚ ብገበን ቅትለት ምፅራይ ተኻይዱ ዝተኸሰሱ ግን ከኣ ከይተትሓዙ ዝፀንሑ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ድማ ልዕሊ 40 ብዝፈጸምዎ ገበን ተፈሪድዎም ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝሃደሙ፤ 39 ገበነኛታት ምዃኖም ተረጋጊፁ ግን ኣብ ዘየለዉሉ ዝተፈረዶም ከምዝኾኑ ኣነፂሩ'ሎ።

ካልኦት 917 "ብጥሩፋትን ጸላእቲ እቲ ክልልን ልኡኽቶ ዝተወሃቦም" ክብል ገሊፅዎም።

"ፀጉረ ልውጥ ከምኡ'ውን ኣብ ትሕቲ መሓውር ፀጥታን ሓላፍነት ስራሕ መንግስትን እናሰርሑ ኣብ ገበን ዝተሓባበሩ" ዝበሎም ከኣ ልዕሊ 1 ሽሕን 780 ከምዝርከብዎም ሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ሰላምን እቲ ክልል ኣቶ ደሳለኝ ጣሰው፡ መንግስቲ እቲ ክልል ሰላም ብቐጻሊ ንምውሓስ ከምዝሰርሕ ምግላፁ ማዕኸናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ፀብፂበን።

ተጠርጠርቲ ንምሓዝ ካብ ዝሰርሓ ዘሎ ስራሕ ብዝሰገረ "እቲ ክልል ኣብ ዘተኣማምን ሰላም ኣሎ" ምባሉ'ውን ኣቃሊሔን።

"ወፍሪ ምኽባር ሕጊ"

ኣቶ ደሳለኝ "ነቲ ትኽክለኛ ፋኖ ዘይውክሉ ብስም ፋኖ ተወዲቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘይሕጋዊ ተግባራት ዝፍፅሙ ጉጅለታት መንግስቲ ኣይክዕገሶምን" ኢሉ።

ብሰንኪ እቶም "ንዓቕሚ መንግስትን ሕገ-መንግስትን ብምፍትታን ስርዓት ኣልቦነት ክነገስ ጌሮም" ዝተብሃሉ ውልቀሰባት፡ መንግስቲ ንዜጋታት ናይ ምንባር መሰሎም ከምኡ ድማ ሰላምን ልምዓትን ከረጋግጽ ከምዝተፀገመ'ውን ተዛሪቡ'ሎ።

መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢድ ውልቀሰባት ዝርከቡ ዓይነታት ኣፅዋር ምዝገባ ከካይድ ምዃኑ ብምሕባር "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።

ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ከባብታት ብስም እቲ "ፋኖ" ብዝብል ዝተወደበ ዘይስሩዕ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ዝገብሩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

እቲ "ወፍሪ ምኽባር ሕጊ" ዝተብሃለ ስጉምቲ ምጅማሩ ስዒቡ ድማ ኣብ መዛዘሚ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተወልዑ ጎንፅታት ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዝበጽሐ ነበርትን ምንጪታት ሆስፒታልን ንቢቢሲ ተዛሪቦም'ዮም።

ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ጎጃም ከምኡ ድማ ኣብ ገለ ከባብታት ሰሜን ወሎ ብዝተወልዑ ጎንፅታት ብዝሖም ብዕሊ ዘይተፈለጠ ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን ኣካላዊ መጉዳእቲ ከምዝበጽሐን እቶም ምንጪታት ሓቢሮም።

ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ነጠፍቲን

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ብ14 ጉንበት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ዘውጽኦ መግለፂ፡ መንግስቲ ኣብ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምትታት ስክፍትኡ ኣቐሚጡ'ሎ።

መንግስቲ ፌደራልን ኣካላት ፀጥታን "ዝተዋደደ ወፍሪ ሕጊ ምኽባር" ብዝብል ኣብ ዝጀመርዎ ስጉምቲ "ጋዜጠኛታት፣ ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን ካልኦት ብዙሓት ሰባትን ተኣሲሮም" ኢሉ።

ቅድሚ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተታሒዙ ናብ ባህርዳር ዝተወሰደ ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ነበር ብ/ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ "ሕገ-መንግስቲ ብሓይሊ ንምፍራስ ፈቲኑ" ብዝብል ከምዝተጠርጠረ ይዝከር።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብምቕራብ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምንቃፍ እትፍለጥ መስከረም ኣበራ ድማ ብ13 ግንቦት 2013 ኣቆፃፅራ ግእዝ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀይዲ ምውዓላ በዓልገዝኣ ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ'ሎ።

ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተላብዐን ኲናት ብምቅዋም፤ ሰላምን ድርድርን ዝሓሹ ኣማራፅታት ከምዝኾኑ ብተደጋጋሚ ብምሕባር ዝፍለጥ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሽሙዬ'ውን ከምዝተኣሰረ ይግለፅ።

ናይቲ ኣብን (ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ) ብዝብል ዝፍለጥ ፖለቲካዊ ውድብ 9 ኣባላት ድማ ብ10 ግንቦት 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ከምዝተኣሰሩ ሮይተርስ ነቲ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከብ ማሕበር ኣምሓራ ፀሪሑ ፀብፂቡ'ሎ።