ኣምሓራ፡ "ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ኣብ ባህርዳር ከምዝርከብ ተሓቢሩኒ" በዓልቲ ቤቱ

ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ

ምንጪ ስእሊ, AMHARA REGION

መግለጺ ስእሊ, ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ

ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ካብ ገዝኡ ምስ ወፅአ ዘይተመለሰ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ፡ ኣብ ባህርዳር ከምዘሎን ደሓን ምዃኑ ዝገልፅ መልእኽቲ ከምዝበፅሓን በዓልቲ ቤቱ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ወፅአ ከምዘይተመልሰ፡ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ መነን ሃይለ ንቢቢሲ ገሊፃ ነይራ።

ንሳ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣማስያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ሓላዊ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራን ዝፈልጥዎ ሰባትን፡ በዓል ገዝኣ ኣብ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ታሽዓይ ፖሊስ ጣብያ ከምዘሎ ገሊፆምለይ ኢላ።

ንሱ ናብ በዓል ቤቱ መነን ኣብ ዝለኣኸ መልእኽቲ፡ ደሓን ከምዝኾነ ብምሕባር ሕዚ ዝርከበሉ ቦታ ገሊፁ ስድርኡ ክረጋግዑ መልእኽቲ ልኢኹ ኢላ።

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ቢሮ ፀጥታን ድሕንትን ክልል ኣምሓራ ከምኡ እውን ካብ ፖሊስ እቲ ክልል ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።

ወ/ሮ መነን፡ ንምጥፋእ በዓል ቤታ ኣመልኪታ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ናብ ቤት ፅሕፈት ምርመራ ገበን ፈደራል፡ ከምኡ'ውን ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ብምኻድ ዘመልከተት ኮይና፣ "እዚ ውልቀሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅርና የለን፡" ዝብል ምላሽ ከም ዝረኸበት ሓቢራ ነይራ።

ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቆልዑን'ዩ።

ብሕማም ሽኮር ከም ዝሳቐን ስሩዕ መድሓኒት ከም ዝወስድን ዝጠቐሰት ወይዘሮ መነን፡ ብዘይመድሓኒት ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ስለዝኽእል ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘላ ንቢቢሲ ገሊፃ እያ።

ምስዚ ኣተሓሒዛ፡ ካብቲ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ከተማ ባህርዳር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝመጽኡሉ ምኽንያት'ውን፡ ኣብ እግሩ ዘሎ ስክጆታት ሕክምናዊ ምክትታል ንኽግበረሉ ምዃኑ ተረድእ።

"እቲ ማእሰርቲ'ኳ ለሚድዎ እዩ፣ ጥዕንኡ ጥራይ እዩ ዘሻቕል" ክትብል'ውን ተዛሪባ።

ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምዃን ብደረጃ ሓላፍነት ንዓመታት ዝሰርሐ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ፡ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት፡ ዕልዋ መንግስቲ ኣሊሞም ብዝብል፡ ምስ ካልኦት ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስደየበ፡ ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ ማሞ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፀፍሕታት ተመዲቡ ክሰርሕ ፀኒሑ።

ብርጋዴር ጀነራል ተፈራ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዘ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝኣተውሉ ግዘ፡ ንፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ክመርሕ ዝፀንሐ ኰይኑ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድማ ካብዚ ሓላፍነት'ዚ ከም ዝተኣልየ ይዝከር።