ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 130 እሱራት ሃዲሞም

ንፋስ መውጫ

ምንጪ ስእሊ, Nefas mewcha

ዕጡቓት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርትን ትካላት ጸጥታን ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ 139 እሱራት ከም ዝሃደሙን ኣጽዋራት ከም ዝተዘምቱን ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ተዛሪቦም።

ፖሊስ እቲ ክልል እውን እቶም ዕጡቓት ብሰኑይ 30 ጥሪ 2014 ዓ.ም ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ከተማ ነፋስ መውጫ ኣብ ዝርከብ ቤት ህንጸት ወረዳ፣ መደብር ፖሊስን ቤት ጽሕፈት ሚሊሻን መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ።

በዚ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዝነበሩ 139 እሱራት ከም ዝሃደሙን ኣብቶም ትካላት ዝነበረ ንብረት ከም ዝተዘምተን ምኽትል ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ጎንደር ኣቶ ጥላሁን ደጀኔ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ልዕሊ 15 ብረትን ናይ ኢድ ቦንባን ከም ዝዘመቱ ገሊጹ።

ለይቲ ሰዓት ሸሞንተ [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ድማ ብሰለስተ ተሽከርከርቲ ተጻዒኖም ናብታ ከተማ ብምእታው መጥቃዕቲ ካብ ሞንጎ ዝፈጸሙ 16 ብሓይልታት ጸጥታ ከም ዝተቐትሉ ብምግላጽ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከም ዝቖሰሉ ኣመልኪቱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን እቶም ዝሃደሙ እሱራት ንምሓዝን ብዝተገብረ ጻዕሪ እቶም 65 ዳግም ብሓይልታት ጸጥታ ክትሓዙ ክኢሎም ኣለው።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ድማ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ይስራሕ ምህላው ፖሊስ ተዛሪቡ።

ኮሚሽነር ፖሊስ እቲ ክልል ተኮላ ኣይፎክሩ "እቲ መጥቃዕቲ ፋኖ ዘይኮኑ ግን ፋኖ ኢና ብዝብሉን ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱን ዕጡቓት'ዩ ተፈጺሙ" ኢሉ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ካብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ደቡብ ጎንደር፣ ሰሜንን ደቡብ ወሎን ዝተወጻጽአ ምዃኑ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ካብ ዘእተዎም ሰባት ንምርዳእ ተኻኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ቅድም ኢሉ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ዝተሰናበቱን ብዝተፈላለዩ ገበናት ክድለዩ ዝጸንሑን ምዃኖም ኣመሓደርቲ እቲ ዞባ ገሊጾም።

ኮሚሽነር ተኮላ ኣይፎክሩ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ነፋስ መውጫ ዝተፈጸመ መጥቃዕትን እሱራት ናይ ምምላጥ ተግባርን ምስቲ ቅድሚ ሰሙናት ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ዘጋጠመ ጸገም ዝተሓሓዝ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ምዕራብ ጎጃም ኣብ እትርከብ ከተማ ፍኖተ ሰላም ናብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ቴሌፎን ብምእታው ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ዋርድያታት ብእምኒ መጥቃዕቲ ብምፍጻም እሱራት ንምውጻእ ጻዕሪ ገይሮም ከም ዝነበሩ ገሊጹ።እንተኾነ ሓይልታት ጸጥታ ክቆጻጽሩዎ ከም ዝኽኣሉን ኣብቲ ግዜ ዓመጽ ኣልዒሎም ዝተባህሉ ተሃነጽቲ ብምፍላይ ናብ ዞባ ደቡብ ጎንደር ቤት ህንጸት ጋይንት ተወሲዶም።

"ናብ ጋይንት ምስ ኸዱ ካብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ዝተኣከቡ 'ፋኖ ኢና' ዝብሉ ኣካላት መጥቃዕቲ ኣብጺሖም። ቀንዲ ዕላምኦም ዝተኣሰሩ መሓዙቶም ምፍታሕን ንብረት ምዝማትን እዩ" ብምባል "እቶም ቀንዲ ፋኖታት ግን ምስኦም ተታኲሶም ሰላም እቲ ከባቢ መሊሶም" ኢሉ።