ካብ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ዘምለጡ 4 ፍልስጤማውያን ተታሒዞም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እስራኤል፡ ካብ ፅኑዕ ቤት ማእሰርቲ ካብ ሞንጎ ዘምለጡ ሽድሽተ ፍልስጤማውያን እቶም ኣርባዕተ መሊሳ ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለቶም ኣፍሊጣ።
ካብ ሞንጎ እቶም መሊሳ ኣብ ቀይዲ ዘውዓለቶም ፍልስጤማውያን እቶም ክልተ ኣብ ከባቢ መቖሚ መኪና እዮም ተታሒዞም። እቶም ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ጥቓ ከተማ ናዝሬት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።
ሽድሽቲኦም ፍልስጤማውያን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ካብ ፅኑዕ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ምስ ኣምለጡ ብፖሊስ እታ ሃገር ክድለዩ'ዮም ፀኒሖም።
እቶም እሱራት ኣብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ቤት ማእሰርቲ ጊልቦዋ ካብ ዝርከብ ክፍሊ፡ ምድሪ ቤት ብምኹዓትን ብውሽጢ መሬት ገለርያ ብምውፃእን ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክሃድሙ ከምዝኸኣሉ እዩ ዝእመን።
ሰበመዚ እቶም እሱራት ክሃድሙ ካብ ዝረኣዩ ሓረስቶት ብዝበጸሖም ጥቆማ እዮም ፈሊጦም፡፡
እቶም ዘምለጡ እሱራት ሓደ ናይ ኣል-ኣቅሳ ማርቲርስ ብርጌድ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ መራሒ ዝነበረን ሓሙሽተ ኣባላት ጂሃዳዊ ጉጅለን እዮም፡፡
ሰብመዚ እስራኤል ነቲ ተግባር ''ከቢድ ውድቀት ድሕነትን ጸጥታን'' ክብሉ ዝገለጽዎ ኮይኖም ዕጡቓት ፍልስጤም ግና ''ቅያዊ'' ክብሉ የሞግስዎ ኣለዉ፡፡
ፍልስጤማውያን ካብ ቤት ማእሰርቲ እስራኤል ብኸምዚ ዓይነት መገዲ ካብ ዘምልጡ 20 ዓመታት ተቖፂሮም።
ገለ ሓረስቶት ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝርከቡ ግራውቲ ፀጉረ ለወጥ ዝኾኑ ሰባት ምስረኣዩ ንሰበስልጣን ሓበሬታ ብምሃቦም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ብህጹጽ ቆጸራ ተገይሩ፤ ሽዱሽተ እሱራት ድማ ጎዲሎም ተረኺቦም፡፡
እቶም እሱራት በቲ ኣብ ዝጥቀሙሉ ሽቓቕ ዝፈሓርዎ ጉድጓድ ኣቢሎም ከምዘምለጡ እዩ ዝእመን፡፡ ጋዜጣ ጀሩሳሌም ፖስት ድማ ነቲ ጉድጓድ ንምፍሓር ሓቢኦምዎ ዝነበሩ ዝመረተ ማንካ ከምዝተጠቐሙ ፀብፂቡ።
እቲ ዝፈሓርዎ ጉድጓድ እቲ ቤት ማእሰርቲ እንትህነጽ ኣብ ውሽጢ ናብ ዝተገደፈን ክሳብ ደጋዊ ክፍሊ እቲ ህንጻ ዝበጽሕ ካልእ ገፊሕ ጉድጓድ ዝወሰዶም ኮይኑ፡ ካብኡ ድማ ፍሒሮም ናብ ደገ ወፂኦም፡፡
ኣገልግሎት ድሕነት እቲ ቤት ማእሰርቲ ብወገኑ እቶም እሱራት ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ብዘእተውዎ ዘይሕጋዊ ተንቀሳቓሲ ስልኪ ኣብ ደገ ምስዘለዉ ሰባት ይራኸቡን ካልእ ሰብ መፂኡ ብመኪና ተቐቢልዎም ክኸውን ከምዝኽእልን ኣፍሊጡ፡፡
መራሒ ኣል-ኣቅሳ ማርቲርስ ብርጌድ ዝነበረ ዛካርያ ዙበይዲ ኣብ እስራኤል ብዝተፈጸሙ ብዙሓት መጥቃዕቲታት ተጠርጢሩ ኣብ 2019 ዝተኣሰረ ኮይኑ ክሱ እናተርኣየ ነይሩ፡፡
እቶም ኣርባዕተ ኣባላት ጂሃዳዊ ጉጅለ ድማ እስራኤላውያን ዝሞቱሎም መጥቃዕቲታት ብምትላምን ምፍጻምን ተኸሲሶም ዕድመ ልክዕ መእሰርቲ ተበይኑሎም ነይሩ፡፡
እቲ ሓምሻይ ከኣ ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረበ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝፀንሐ ማዕከናት ዜና እስራኤል ሓቢረን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







