እስራኤል 'ዘይሕጋዊ' ዝበለቶም መንበሪ ገዛውቲ ፍልስጤም ኣፍሪሳ

እቶም ዝዓነዉ ገዛውቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምምሕዳር ፍልስጤም ዝነበሩ እዮም - 22/07/19

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, እቶም ዝዓነዉ ገዛውቲ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምምሕዳር ፍልስጤም ዝነበሩ እዮም

እስራኤል ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፍልስጤም ዝርከቡ 'ዘይሕጋዊ' ምዃኖም ዝገለጸቶም መንበሪ ኣባይቲ ክተፍርስ ጀሚራ።

እቶም ገዛውቲ ኣብ ጥቓ'ቲ ንኽልቲኤን ዝፈሊ ቦታ ዝተሃነጹ እዮም።

እስራኤል ቡልዶዘራት ብምልኣኽ ነቶም ገዛውቲ ኣብ እተዕንወሉ እዋን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፖሊስን ወተሃደራትን ናብቲ ቦታ ተዋፊሮም'ዮም።

ፍልስጤም፡ ንመሬት ምዕራባዊ ገማግም ንምውራር ዝተገበረ ፈተነ ክትብል ነቲ ተግባር ገሊጻቶ።

ቤት ፍርዲ እስራኤል፡ እቶም ገዛውቲ ክፈርሱ የብሎምን ብዝብል ንዝቐረበ ክሲ፡ ንህንጸት ኣብ ዘይተፈቐደ ቦታ ከም ዝተሃነጹ ብምግላጽ ክፈርሱ ኣለዎም ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቶም ገዛውቲ ኣብ ሞንጎ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፍልስጤም ዝርከብ ምዕራባዊ ገማግምን እስራኤል ዝሃነጸቶ መፍለዪ ሓጹርን ዝተሰርሑ እዮም።

እስራኤል ነቲ ምስ ፍልስጤም ዝፈልያ ሓጹር ዝሰርሓትሉ ምኽንያት፡ ብፍልስጤማውያን ክፍነው ንዝኽእል መትቃዕትን ስግኣት ጸጥታን ንምክልኻል ብዝብል ከም ዝኾነ ትገልጽ።