ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ጃምላዊ መቓብር ከምዝተረኸበ ኣመሓደርቲ ገሊጾም

ካርታ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለ ልዕሊ 160 ሰባት ቀቲሉን 87 ሰባት ብጃምላ ቀቢሩን ክብሉ ሰብመዚ እቲ ክልል ከሲሶም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ውሑዳን ብሄራት ቅትለት ይፍጽም እዩ እናተብሃለ ብተደጋጋሚ ብመንግስቲ ዝኽሰስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ብዛዕባ እዚ ናይ ሎሚ ክሲ ዝበሎ ነገር የለን።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝፍጽም ንዝገልጹ ክሲታት ክነጽጎም ጸኒሑ እዩ።

እቲ ናይዚ ቕነ ቅትለት፡ ሓይልታት መንግስቲ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ተቖጻጺርዋ ካብ ዝነበረ ወረዳ ጊዳሚ ምስደፍእዎ ዝተፈጸመ ከምዝኾነ ኣመሓዳሪ ምዕራብ ወለጋ ኢባሳ ባሻ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣንጻር እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ዝጀመሮ ወፍሪ ድሮናት ይጥቀም ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዞባታት ቅትለት፥ ዕንወት ንብረትን ምፍንቓልን ብቐጻሊ ተራእዮም እዮም።

ካብ ቀረባ እዋናት ድማ ተመሳሰልቲ መጥቃዕቲታት ኣብ ማእከል እታ ሃገር ናብ ዝርከብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ እውን ተጋፊሑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ኣምቦ ኣብ ዝርከባ ወረዳታት ሰላማውያን ተወለድቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ዓሌት መሰረት ብዝገበሩ መጥቃዕቲታት ብግፍዒ ተቐቲሎም፣ ገዝኦም ተቓጺሉን ካብ ቤቶም ተፈናቒሎምን እዮም።

ግዳይ መጥቃዕቲ ዝኾኑ ተወለድቲ ክልቲኦም ብሄራት፥ መሰኻኽር ዓይኒን ሰበስልጣን እቲ ከባብን ከምዝሕብርዎ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ኣዋርሕ መንግስቲ ኦነግ ሸነ ኢሉ ዝጽወዖ ጉጅለ ንተወለድቲ ኣምሓራ ዒላማ ብምግባር ብዝፍጸሞ መጥቃዕቲታት ብዙሓት ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ተቐቲሎም እዮም።

ነዚ ስዒቡ ተወለድቲ ኣምሓራ ብዝወሰድዎ ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ብተመሳሳሊ ብዙሓት ተወለድቲ ኦሮሞ ከምዝተቐተሉ እውን ይገልጹ።