ኢትዮጵያ፡ ምስ ቅትለት ኣባላት ኣባገዳ ከረዩ - ኦሮሚያ ብዝተሓሓዝ ክልተ ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, Oromia Comm Bureau
ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ምስ ቅትለት ኣባላት ኣባገዳ ብዝተሓሓዝ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተወ ኣፍሊጡ።
ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ምኽትል ኮሚሽነር ግርማ ገላን ትማሊ ሓሙስ [02/03/2022] ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣባገዳን ካልኦትን ብዝተሓሓዝ ክልተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀይዲ ምውዓሎም ሓቢሩ።
ኣብ መዛዘሚ ወርሒ ሕዳር ኣባ ገዳ ከረዩ ዝርከብዎም 14 ኣባላት ገዳ ብኣካላት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ተዛሪቦም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብቲ ጉዳይ ምጽራይ ከካይድ ዝጸንሐ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ሰሙን ንውጽኢት ምርመርኡ ወግዓዊ ክገብር ከሎ፡ እቶም ኣባላት ኣባገዳ ከረዩ ብኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ኣቃሊዑ’ሎ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረቦ ምኽረ-ሓሳብ፡ ኣብቲ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመ ቅትለት ዝተሳተፉ ኣካላት ብሕጊ ክሕተቱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።
ምክትል ኮሚሽነር ግራማ ገላን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም በቲ ቕትለት ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ሰባት ኣባላት ፖሊስ እቲ ክልል ድዮም ወይስ ካልኦት ኣካላት ኣብ ዝብል ዘነጸሮ ነገር የለን።
ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ንጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ተቐቢልዎ’ዶ ኣይተቐበሎን? ኣብ ዝብል ከምኡ’ውን እቶም ኣብ ቀይዲ ዝወዓሉ ጠርጠርቲ ነቲ ጸብጻብ ስዒቡ ድዩ? ኣብ ዝብሉ ዝገለጾ ነገር ኣይነበረን።
ኣብቲ ገበን ቅትለት ተሳትፎ ዝገበረ “ዝኾነ ይኹን ኣካል ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ” ብምባል፡ መስርሕ ምጽራይ ገበን ምስተዛዘመ ድማ ውጽኢቱ ናብ ህዝቢ ወግዓዊ ከምዝግበር ገሊጹ።
ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ?
ኣባላት ኣባ ገዳ ከረዩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ድሕሪ ዘካየዶ ምርመራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
እቲ ኮምሽን ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ቅድሚ ቅትለት እቶም ባህላዊ መራሕቲ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት አባላት ፍሉይ ሓይልን መደበኛ ፖሊስን ብዕጡቓት ከምዝቐተሉ ኣመልኪቱ፡፡
እቶም ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታን ዝረኸቦ መረዳእታን ተመርኲሱ፡ እቶም 14 ኣባላት ገዳ ከረዩ ሚችሌ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ምስወዓሉ ብሓይሊ ናብ ጫካ ተወሲዶም ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብጭካነ ተቐቲሎም ኢሉ፡፡
በዚ መሰረት እቲ ቅትለት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመን ዘይምኽንያታውን ምዃኑ እቲ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ፡፡
ቅትለትኣባላትሓይልታትጸጥታ
እቶም ኣባላት ገዳ ቅድሚ ምሟቶም ሓደ መዓልቲ፡ ማለት እውን ብኣቆጻጽራ ግእዝ 21 ሕዳር 2014 ዓ/ም ካብ ክልል፣ ዞባን ወረዳ ፈንታሌን ዝተዋጽኡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝፈላለየ ቀበሌታት ወረዳ ፈንታሌ ምብጻሕን ዘተን ገይሮም ነይሮም፡፡
ድሕሪ እቲ ዋዕላ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ናብ ዝመጽዎ እንትምለሱ፡ ኣብ መንገዲ መንነቶም ካብ ዘይተፈለጠ ዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ክቅተሉ እንከለዉ ኣብ ካልኦት 9 ኣባላት ጉድኣት ከምዝበጸሐ ጸብጻብ እቲ ኮምሽን የመልክት፡፡
ድሕሪኡእንታይተፈጢሩ?
እቶም 11 ኣባላት ፖሊስ ኦሮምያ ምስተቐተሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ 22 ሕዳር 2014 ዓ/ም ቀትሪ፡ ካብ 100 ዘይውሕዱ ናይ ፍሉይ ሓይልን መደበኛ ፖሊስን ክዳን ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ ኣባላት ኣባገዳ ዝሰፈሩሉ ከባቢ ከምዝመጽኡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ነቲ ኮምሽን ገሊጾም፡፡
እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ምስበጽሑ ገዛ ገዛ እናዘሩ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ 39 ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ገዳ ዕጥቆም ኣፍቲሖም ናብ ሓደ ቦታ ከምዝኣከቡዎም እቶም ነበርቲ ነቲ መርማሪ ጉጅለ ተዛሪቦም፡፡
ድሕሪ እዚ ኣባ ገዳ ከድር ሓዊሱ ብስም ዝተጠቐሱ 14 ሰባት ብከብዶም ምስደቀሱ ከምዝተቐተሉን ክልተ ሰባት ግና ተሲኦም ናብቲ ጫካ ብምእታው ሃዲሞም ከምዘምለጡን ምግላጾም ኢሰመኮ ይሕብር፡፡
እቶም ኣባ ገዳታት ከምዝተቐተሉ ዝሰምዑ ኣባላት ስድረኦም ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ 23 ሕዳር፡ ወጋሕታ ኣስከሬን ከልዕሉ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ኮይኖም ‘ሬሳ ኣይተልዕሉን’ ተባሂሎም ከምዝተኸልከሉን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ 24 ሕዳር ክቕበሩ ከምዝተገበረን ስድራ እቶም ግዳያት ንኢሰመኮ ገሊጾም፡፡
እቶም ኣብ ካልእ ጉጅለ ዝነበሩ 23 ሰባት ንኽልተ ሰሙን ሃለዋቶም ተሳኢኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብኣቶም ሓደ ዝነበረ ጅሎ ቦሬ ዝተባህለ ኣባል ጅላ ህይወቱ ሓሊፉ፡ ኣስከሬኑ ኣብ ከተማ ሞጆ ካብ ዝርከብ ቀጽሪ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ንቤተሰቡ ከምዝተውሃበን ኣብ ርእሱ መድመይትን ኣብ ሰብነቱ ናይ መውቃዕቲ በሰላታትን ከምዝተረኸቦ ኢሰመኮ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ፡፡
ምላሽመንግስቲ
መንግስቲ እቲ ክልልን ነቲ ክልል ዝመርሕ ውድብ ብልጽግናን ብቕትለት እቶም ኣባላት ገዳ ዝሕተት ኦነግ ሸነ ከምዝኾነ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም፡፡
ኢሰመኮ እቲ ቕትለት ተፈጺሙሉ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ቦሰት ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡
ብተወሳኺ ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልልን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልልን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ምላሽ ክህቡ ካብ ኢሰመኮ ንዝቐረበሎም ደብዳበ መልሲ ኣይሃቡን፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







