ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሓላፊ ጸጥታ ዝርከቦም 7 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ናይ ወረዳ ገላና ሓላፊ ጸጥታን ድሕነትን ዝነበረ ጃርሶ በካሎ

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምዕራብ ጉጂ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ሓደ በዓል ስልጣን እቲ ከባቢ ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡

በቲ ኣብቲ ዞባ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ናይ ወረዳ ገላና ሓላፊ ጸጥታን ድሕነትን ዝነበረ ጃርሶ በካሎ ሓዊሱ፡ ሸውዓተ ሰባት ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እታ ወረዳ ኣቶ ገበየሁ ያደቴ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ኣቶ ገበየሁ ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 14 ግንቦት 2013፡ ከባቢ 11 ሰዓት ድሕሪ ቐትሪ እዩ ተፈጺሙ፡፡

ኣብቲ ምስ ክልል ደቡብ ወረዳ ኣማሮ ዝዋሰን ከባቢ፡ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕቲ እንትፍጸም ንፈለማ እዋን ኣይኮነን፡፡ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ቅድሚ ሕዚ እውን ተደጋጋሚ ቅትለት ምፍጻሞም ይዝከር፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት፡ ንኽልቲኡ ወረዳታት ኣብ ዘዋስን ከባቢ፡ ኣብ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ኣመራርሓን ነበርትን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ሰባት እንትቕተሉ ሽዱሽተ ሰባት ቆሲሎም ነይሮም፡፡

ኣብቲ እዋን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ፡ መንግስቲ ‘ሸኔ’ ኢሉ ዝጽወዖን ንባዕሉ ‘ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ ኢሉ ዝሰየመን ጉጅለ ዕጡቕ ከምዝኾነ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ ሐዚ እውን በቲ ሸውዓተ ሰባት ዝተቐተሉሉ ክስተት ይኽሰስ ኣሎ፡፡

ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ምስዝፍጸሙ መጥቃዕቲታትን ዕንወት ንብረትን ብዝተሓሓዝ፡ ነቲ ዕጡቕ ጉጅለ ግብረ ሽበራዊ ኢሉ ከምዝበየኖ ይዝከር፡፡

ቅድሚ ሓደ ሰሙን ሓላፊ ጸጥታ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዝነበረ ውልቀ ሰብ ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ብዕጡቓት ከምዝተቐተሉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም ነይሮም::

ኣብ ምዕራብ ጉጂ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

እቲ መጥቃዕቲ፡ እቲ ሓላፍን ካልኦት ኣካላት ጸጥታን ንስራሕ እናተጉዓዙ እናሃለዉ ከምዝተፈጸመ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ወረዳ ገላና ኣቶ ገበየሁ ያደቴ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ ድማ ብወገን እቲ ምምሕዳር ወረዳ ሸውዓተ ሰባት እንትሞቱ ብወገን እቶም ዕጡቓት ድማ ክልተ ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡

በቲ መጥቃዕቲ ክልተ ኣባላት ሚልሻ፣ ሰለስ ኣባላት ፖሊስ ኦሮምያ፣ ሓላፊ ጸጥታን ድሕነትን እቲ ወረዳን በዓልሞያ ድሕነት እቲ ወረዳን ብሓፈሻ ሸውዓተ ሰባት ተቐቲሎም፡፡ ብተወሳኺ መራሒ ዝጓዓዙላ ዝበረት መኪናን ካልኦት 7 ሰባትን ድማ ብዝተፈላለየ ደረጃ ተጎዲኦም ኣብ ሕክምና ከምዘለዉ ኣቶ ገበየሁ ተዛሪቡ፡፡

ኣብቲ እዋን ብዝነበረ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ክልተ ኣባላት እቶም ዕጡቓት ከምዝሞቱን ነቶም ካልኦት ንምሓዝ ኣብቲ ከባቢ ፍተሻ ይካየድ ከምዘሎን እውን ኣቶ ገበየሁ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡