ኣባላት ኣባ ገዳ ከረዩ ኣብ ቅድሚ ኣመሓደርቲ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐተሉ 'ኢሰመኮ' ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Social media
ኣባላት ኣባ ገዳ ከረዩ ካብ ሕጊ ወጻኢ ብሓይልታት ጸጥታ ክልል ኦሮምያ ከምዝተቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ( ኢሰመኮ) ድሕሪ ዘካየዶ ምርመራ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ናይ ከረዩ ኣባ ገዳ ሓዊሱ 14 ኣባላት ገዳ ብሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ከምዝተቐተሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ምግላጾም ዝዝከር እዩ፡፡
መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ነቲ ክልል ዘመሓድር ውድብ ብልጽግናን ግና ነቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣባገዳን ኣባላት ገዳን ዝተፈጸመ ቅትለት ተሓታቲ ‘ኦነግ ሸነ’ ዝተባህለ ዕጡቕ ጉጅለ እዩ ኢሎም ነይሮም፡፡
እቲ ኮምሽን ነቲ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቱ ኣብ ዘካየዶ ምርመራ፡ ቅድሚ ቅትለት እቶም ባህላዊ መራሕቲ ኣብቲ ከባቢ ብዙሓት አባላት ፍሉይ ሓይልን መደበኛ ፖሊስን ብዕጡቓት ከምዝቐተሉ ኣመልኪቱ፡፡
ኢሰመኮ ኣብ ጸብጻቡ እንታይ ኢሉ?
እቲ ኮምሽን ቅትለት እቶም ሰባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታን ዝረኸቦ መረዳእታን ተመርኲሱ፡ እቶም 14 ኣባላት ገዳ ከረዩ ሚችሌ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት መንግስቲ ምስወዓሉ ብሓይሊ ናብ ጫካ ተወሲዶም ኣመሓደርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝተረኸቡሉ ብጭካነ ተቐቲሎም ኢሉ፡፡
በዚ መሰረት እቲ ቅትለት ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝተፈጸመን ዘይምኽንያታውን ምዃኑ እቲ ኮምሽን ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ፡፡
ቅትለት ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ
እቶም ኣባላት ገዳ ቅድሚ ምሟቶም ሓደ መዓልቲ ኣቐዲሙ፡ ማለት እውን ብኣቆጻጽራ ግእዝ 21 ሕዳር 2014 ዓ/ም ካብ ክልል፣ ዞባን ወረዳ ፈንታሌን ዝተዋጽኡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ዝፈላለየ ቀበሌታት ወረዳ ፈንታሌ ምብጻሕን ዘተን ገይሮም ነይሮም፡፡
ድሕሪ እቲ ዋዕላ እቶም ሓይልታት ጸጥታ ናብ ዝመጽዎ እንትምለሱ፡ ኣብ መንገዲ መንነቶም ካብ ዘይተፈለጠ ዕጡቓት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 11 ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ እንትቕተሉ ኣብ ካልኦት 9 ኣባላት ጉድኣት ከምዝበጸሐ ጸብጻብ እቲ ኮምሽን የመልክት፡፡
ሰብመዚ እቲ ከባቢ እቲ መጥቃዕቲ ብኣባላት ኦነግ ሸነ ከምዝተፈጸመ ዝገለጹ ኮይኖም፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ እቶም ዕጡቓት ኣስከሬን እቶም ዝሞቱ ሓይልታተ ጸጥታ ከይለዓል ብምኽልካሎም ክሳብ እቲ ዝቕጽል መዓልቲ ከምዘይተልዓለ የረድኡ፡፡
ካብቲ መጥቃዕቲ ዝተረፈ ሓደ ኣባል ፖሊስ ‘‘ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣባላት ኦነግ ሸነ እንትኾኑ፡ ኣብ ሞንጎኦም ኣነ ዝፈልጦም ተወለድቲ እቲ ከባቢ ነይሮም፤ ፖሊስ ካብቶም ዕጡቓት ብዝተተኮሰ ጥይት እንትወድቕ ይዕልሉ ነይሮም’’ ክብል ንኢሰመኮ ተዛሪቡ፡፡
ድሕሪኡ እንታይ ተፈጢሩ?
እቶም 11 ኣባላት ፖሊስ ኦሮምያ ምስተቐተሉ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ 22 ሕዳር 2014 ዓ/ም ቀትሪ፡ ካብ 100 ዘይውሕዱ ናይ ፍሉይ ሓይልን መደበኛ ፖሊስን ክዳን ዝተኸደኑ ኣባላት ጸጥታ ናብቲ ኣባላት ኣባገዳ ዝሰፈሩሉ ከባቢ ከምዝመጹ መሰኻኽር ዓይኒ ነቲ ኮምሽን ገሊጾም፡፡
እቶም ኣባላት ፖሊስ ኣብቲ ከባቢ ምስበጽሑ ገዛ ገዛ እናዘሩ ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩ 39 ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት ገዳ ዕጥቆም ኣፍቲሖም ናብ ሓደ ቦታ ከምዝኣከቡዎም እቶም ነበርቲ ነቲ መርማሪ ጉጅለ ተዛሪቦም፡፡
ሓደ ምስክር ዓይኒ ብወገኑ እቶም ኣባላት ፖሊስ ‘‘እቶም ኣብ ሃሮ ቀርሳ ዝሞቱ ፖሊስ መን ቀቲሉዎም? እናበሉ ደጋጊሞም እናሓተቱ ይፍክሩሎም ነይሮም፡፡ ንሳቶም ድማ እቲ ተግባር ኣብ ካልእ ቀበሌ ስለዝተፈጸመ ከምዘይፈልጡ ኣረዲኦምዎም፡፡ እቶም ፖሊስ ግን ‘እንድሕር ዘይነጊርኩምና ክንቀትለኩም ኢና’ እናበሉ የፈራርሕዎም ነይሮም’’ ኢሉ፡፡
ቀጺሎም ነቶም 39 ኣባላት ኣባ ገዳ ብመኪና ጽዒኖም ‘ሃምሳ አምስት’ ናብ ዝሃበል ቦታ ኣርሒቖም ከምዝወሰዱዎም ዝገልጹ መሰኻኽር ዓይኒ፡ ኣባ ገዳ ከድር ሃዋስ ሓዊሱ 16 ቀንዲ ኣባላት ኣባገዳ ብሓደ፡ እቶም ዝተረፉ 23 ድማ ናብ ካልእ ቦታ ተወሲዶም ኢሎም፡፡
‘‘ነቶም ናይ 16 ሰባት ጉጅለ ናብ ጫካ ጨቢ ኣኖሌ ምስወሰዱዎም ብመደዳ ክድቅሱ ተገይሩ፤ ኣብ መወዳእታ ዝቕተሉሉ ሰዓት ይኣክል ከምዘሎ ተነጊሩዎም፡፡ ንሓድሕዶም ቀታሊ ተመዲቡሎም፡፡ ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ክቐትሉዎም እውን ተእዛዝ ተዋሂብዎም፡፡’’
ድሕሪ እዚ ኣባ ገዳ ከድር ሓዊሱ ብስም ዝተጠቐሱ 14 ሰባት ብከብዶም ምስደቀሱ ከምዝተቐተሉን ክልተ ሰባት ግና ተሲኦም ናብቲ ጫካ ብምእታው ሃዲሞም ከምዘምለጡን ምግላጾም ኢሰመኮ ይሕብር፡፡
እቶም ኣባ ገዳታት ከምዝተቐተሉ ዝሰምዑ ኣባላት ስድረኦም ኣብቲ ዝቕጽል መዓልቲ 23 ሕዳር፡ ወጋሕታ ኣስከሬን ከልዕሉ ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ኮይኖም ‘ሬሳ ኣይተልዕሉን’ ተባሂሎም ከምዝተኸልከሉን ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ 24 ሕዳር ክቕበሩ ከምዝተገበረን ስድራ እቶም ግዳያት ንኢሰመኮ ገሊጾም፡፡
እቶም ኣብ ካልእ ጉጅለ ዝነበሩ 23 ሰባት ንኽልተ ሰሙን ሃለዋቶም ተሳኢኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ካብኣቶም ሓደ ዝነበረ ጅሎ ቦሬ ዝተባህለ ኣባል ጅላ ህይወቱ ሓሊፉ፡ ኣስከሬኑ ኣብ ከተማ ሞጆ ካብ ዝርከብ ቀጽሪ ፍሉይ ሓይሊ ኦሮምያ ንቤተሰቡ ከምዝተውሃበን ኣብ ርእሱ መድመይትን ኣብ ሰብነቱ ናይ መውቃዕቲ በሰላታትን ከምዝተረኸቦ ኢሰመኮ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ፡፡
ምላሽ መንግስቲ
መንግስቲ እቲ ክልልን ነቲ ክልል ዝመርሕ ውድብ ብልጽግናን ብቕትለት እቶም ኣባላት ገዳ ዝሕተት ኦነግ ሸነ ከምዝኾነ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም፡፡
ኢሰመኮ እቲ ቕትለት ተፈጺሙሉ ኣብ ዝተባህለ ወረዳ ቦሰት ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምላሽ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን፡፡
ብተወሳኺ ኮምሽን ፖሊስ እቲ ክልልን ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልልን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ምላሽ ክህቡ ካብ ኢሰመኮ ንዝቐረበሎም ደብዳበ መልሲ ኣይሃቡን፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







