ናይጀርያ፡ ልዕሊ 1800 እሱራት ሃዲሞም

ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናይጀርያ ብዕጡቓት ድሕሪ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 1800 እሱራት ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝሃደሙ ሰብ መዚ እታ ሃገር ሓቢሮም።
እቲ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ እትርከበ ኦወሪ እትብሃል ከተማ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቶም ዕጡቓት ነቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ብተፈንጃሪ ኣፍሪሶም ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።
ካብቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት 35 ኣይንሃድምን ኢና ኢሎም ክኣብዩ እንከለዉ ሽዱሽተ ኸኣ ተጣዒሶም ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተመለሱ ተሓቢሩ።
ፖሊስ ናይጀርያ እቲ እሱራት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምህዳም ዝተገበረ ስርሒት፡ በቶም ካብ ናይጀርያ ክፍለዩ ዝደልዩ ደቀባት ተወለድቲ ብያፍራ’ዩ ተኻይዱ ኢሉ እዩ ዝኸስስ፡፡ እቶም ብመንግስቲ ናይጀርያ እገዳ ተነቢርዎም ዘሎ ዕጡቓት ተወለድቲ ብያፍራ ግን ነቲ ብተደጋጋሚ ብመንግስቲ ዝቐርብ ተመሳሳሊ ክስታት ወትሩ ምስ ነጸግዎ’ዮም።

ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኣብያተ መእሰርቲ ናይጀርያ፡ በቲ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ 1844 እሱራት ከምዝሃደሙ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ብሰኑይ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብንኣሽቱ መካይንን ብኣውቶቡስን ተጻዒኖም ዝመጽኡ ዕጡቓት ከምዝፈጸምዎ እቲ ዝተውሃበ ሓበሬታ የነጽር።
ውሃቢ ቃል ፖሊስ ናይጀርያ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዘጥቅዑ ዕጡቓት ተጸዋሪ ሮኬት፣ ናይ ኢድ ቦንባ፣ ዘመናዊ ብረትን ጠበንጃን ተዓጢቖም ምንባሮም ገሊጹ።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ ነቲ መጥቃዕቲ “ብፋሉላት ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ” ኢሉ ገሊጽዎ።
ንሱ ብምስዓብ ሓይልታት ጸጥታ ናይጀርያ ነቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙን ነቶም ዝሃደሙ እሱራትን ሃዲኖም ክሕዝዎም ጸዊዑ ኣሎ።
ውሃቢ ቃል ደቀባት ብያፍራ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ብተወለድቲ ብያፍራ’ዩ ተፈጸሙ ዝብል መግለጺ መንግስቲ “ሓሶት’ዩ” ኢልዎ ኣሎ።
ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ካብ ወርሒ ጥሪ ንነጆ፡ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ጽሕፈት ፖሊስን መካይንን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ብዙሕ ወተሃገራዊ ንብረት’ውን ከምዝተዘመተ ይግለጽ፡፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ነዚ መጥቃዕትታት ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







