ናይጀርያ፡ ተጨውየን ዝነበራ 279 ተማሃሮ ነጻ ወጺአን

እተን ዝተፈትሓ ኣዋልድ ኣብ መንግስታዊ ኣደራሽ ዞባ ዛምፋራ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, እተን ዝተፈትሓ ኣዋልድ ኣብ መንግስታዊ ኣደራሽ ዞባ ዛምፋራ

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ናይጀርያ ዞባ ዛምፋራ ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨውያ ተማሃሮ ነጻ ከምዝወጽኣ ተገሊጹ።

ላዕለዋይ ኮምሽነር ጸጥታን ውሽጣዊ ጉዳይን ናይጀርያ ኣቡበከር ሙሓመድ ዳኡራን ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ 279 ተማሃሮ ካብቶም ጨወይቲ ከምዝተፈነዋን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኸኣ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ዞባ ዝኾነት ጋሱዋ ከምዝርከባን ኣብሪሁ።

ኣብ መጀመርታ ቁጽሪ ናይተን ካብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወያ ካብ 12 ክሳብ 16 ዕድሚኤን ተማሃሮ 317 እየን ተባሂሉ እኳ እንተተገለጸ፡ ላዕለዋይ ኮምሽነር ጸጥታን ውሽጣዊ ጉዳይን ናይጀርያ ኣቡበከር ሙሓመድ ዳኡራን ግን ኣብ ኢድ እቶም ጨወይቲ ዝተረፋ ተማሃሮ ከምዘየለዋ ብምሕባር እቲ ኣቀዲሙ ዝተገለጸ ቁጽር ትኽክል ዘይምንባሩ ተኣሚኑ።

እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ነተን ተማሃሮ ብኸመይ ኣገባብ ካብ ኢድ ጨወይተን ከምዘምለስወን ግን ኣይሓበረን።

ኣብ ናይጀርያ ብሓፈሻ ብፍላይ ኸኣ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ዝርከቡ ዕጡቃት ጉጅለታት፡ ተማሃሮ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ብምጭዋይ ነጻ ንኽሰድወን ገንዘብ ከምዝሓቱ እዩ ዝግለጽ።

እተን ተማሃሮ ዝተጨወያሉ ቤት ትምህርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እተን ነጻ ወጺአን ዝብሃላ ዘለዋ ተማሃሮ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብረት ዝዓጠቑ ጉጀለ ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ዘሊሎም ብምእታው ጨውዮም’ዮም ናብ ጫካ ሒዞመን ከይዶም።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ ነቲ ጭውያ ተማሃሮ ኣትሪሩ ብምኵናን ነቲ ተግባር ‘ዘይሰብኣውን ዘይቅብሉን’ዩ” ድሕሪ ምባል ብቅልጡፍ ክፍነዋ ኣትሪሩ ተማሕጺኑ።

ፖሊስ ናይጀርያ ብወገኑ ነተን ተማሃሮ ነጻ ንምውጻእ ብኽልተ ሄሊኮፕተራት ተሓጊዙ ምድራውን ኣየራውን ስርሒት ከምዝጀመረ ብሰንበት ገሊጹ ነይሩ።

እንተኾነ እዘን ተማሃሮ በቲ ስርሒት ድየን ነጻ ወጺአን፡ ዋላስ ገንዘብ ተኸፊልወን ወይ’ውን ብኻልእ መንገዲ ዝተሓበረ የለን።

ኣማሓዳሪ ዞባ ዛምፋራ ቤለ፥ኦ ማታዋለ ነተን ተመሃሮ ኣመልኪቱ ሎሚ መግለጺ ክህብ ትጽቢት ይግበር።

መግለጺ ቪድዮ, ብነዳዲ ዘዕለቕለቕ ግራውቲ ናይጀርያ