ፖሊስ ናይጀርያ ንዝተጨወያ ልዕሊ 300 ተምሃሮ ይደልየን ከምዘሎ ገሊጹ

ጥራዩ ዝተረፈ መደቀሶኢ ተማሃሮ

Empty dormitories

ምንጪ ስእሊ, Sanusi Jangebe

መግለጺ ስእሊ, ጥራዩ ዝተረፈ መደቀሶኢ ተማሃሮ

ፖሊስ ናይጀርያ ነተን ካብ ዞባ ዛምፋራ ካብ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወያ 317 ተማሃሮ ንምርካብ ስርሒት ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ናይ ምድላይ ስርሒት፡ ድሕቲ እተን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዞባ ኒጀር ዝተጨወያ 42 ተማሃሮን ኣለይተንን ነጻ ምፍናወን እዩ ዝእወጅ ዘሎ።

ኣብ ሰሜን ናይጀርያ መጭወይቲ ተማሃሮ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ኮይኑ፡ እቶም ጨወይቲ ነተን ዝጨወይወን ተምሃሮ ንኽፍንውወን ገንዘብ ከምዝሓቱ እዩ ዝግለጽ።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመዱ ቡሃሪ፡ ነቲ ጭውያ ‘ዘይሰብኣውን ዘይቅብሉን’ ብምባል ኮኒንዎ ኣሎ።

ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ነቲ ጭውያ ብምኹናን እተን ተጨውየን ዘለዋ ተማሃሮ ብቅልጡፍ ክፍነዋ ጸዊዑ ኣሎ።

ኣብ 2014 ካብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ እትርከብ ከተማ ቺቦክ 276 ተማሃሮ ብእስላማዊ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ድሕሪ ምጭዋየን እቲ መጭወይቲ ተምሃሮ ኣቓልቦ ማሕበረ ሰብ ዓለም ከምዝረኸበ ይዝከር።

እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ጭውያ ተምሃሮ ግን ብዕጡቃት ገበነኛታት ይፍጸም ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ኣብ ናይጀርያ ዞባ ዛንፋራ እንታይ’ዩ ዘጋጥም ዘሎ?

ፖሊስ ናይጀርያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ዝተወሃሃደ ድልያን ምድሓን ህይወትን እዘን ተማሃሮ ንምክያድ ምድራውን ኣየራውን ስርሒት ከነካይድ ኢና” ኢሉ ኣሎ።

ኣብ'ቲ ነተን ተጨውየን ዘለዋ ተማሃሮ ንምድላይ ዝግበር ስርሒት፡ ክልተ ሄሊኮፕተራት ከምዝሳተፋ’ውን መግለጺ ፖሊስ ናይጀርያ ኣነጺሩ ኣሎ።

እተን ተምሃሮ ካብ ከተማ ጃንገበ እየን ተጨውየን።

በቲ ጭውያ እተን ተማሃሮ ዝተቖጥዑ ነበርቲ እታ ከተማ፡ ተቓውመኦም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ መካይን ከቃጽሉ ድሕሪ ምጅማሮም ፖሊስ ናይጀርያ ክሃድኡ ተላብይዎም ኣሎ።

ቫንጋርድ ዝተብሃለት ጋዜጣ እታ ሃገር’ውን ነበርቲ ከተማ ጃንገበ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዕሉ ዝነበሩ ኣጋጣሚ ንጋዜጤኛታት’ውን ከምዝሃረሙ ኣቃሊሓ።

ጭውያ እተን ተምሃሮ ብዓርቢ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ልክዕ ሰዓት ሓደ ድሕሪ ቀትሪ እዩ ተፈጺሙ።

ብረት ዝዓጠቑ ጉጅለ ናብታ ብመንግስቲ እትውነን ቤት ትምህርቲ ብምእታው፡ ነተን ተምሃሮ ጨውዮም ወሲዶምወን።

ገለ ማዕከናት ዜና፡ እተን ተማሃሮ ዕድሚኤን ካብ 12 ክሳብ 16 ኮይኑ እቶም ጨወይቲ ናብ'ቲ ኣብቲ ካባቢ ዝርከብ ዳንጉልቢ ዝብሃል ጫካ ሒዞመን ከምዝኸዱ ገሊጸን።

ድሕሪ እዚ ክስተት እዚ፡ ኣብ ዞባ ዛንፋራ ዝርከባ ኩለን ኣሕደርቲ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝዕጸዋ ኮይነን ኣለዋ።

ክሳብ ሕጂ ነቲ ጭውያ ሓላፍነት ይወስደሉ’የ ዝበለ ጉጅለ’ውን የለን።

ኣብ ናይጀርያ ዞባ ኒጀርከ እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?

ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት፡ 27 ተምሃሮ ዝርከብዎም 42 ሰባት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ ካብ እትርከብ ዞባ ኒጀር ካብ ካጋራ ዝብሃል ቤት ትምህርቲ ዝተጨወዩ ነጻ ተለቒቖም ኣለዉ።

ቅድሚ ዓሰርተ መዓልታት ብረት ዝዓጠቑ ጉጅለ፡ እቶም ተማሃሮ ደቂሶም እንከለዉ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ብምእታው፡ ንሓደ ተምሃራይ ቀቲሎም ነቶም ዝተረፉ ናብ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጫካ ሒዘምዎም ከይዶም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኒጀር ኣቡበከር ሳኒ ቤሎ፡ ብቀዳም ብትዊተር “እቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ካጋራ ዝተጨወዩ ተማሃሮ ነጻ ወጺኦም ናብ ምምሕዳር ዞባ ኒጀር ተረኪቦም ኣለዉ” ኢሉ።

እቶም ተጨውዮም ጸኒሖም ነጻ ዝወጹ ተምሃሮን ምምሕዳር እቲ ቤት ትምህርትን ናብ ርእሰ ከተማ ዞባ ኒጀር ዝኾነት ከተማ ሚና ከምዝተወሰዱ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

መግለጺ ቪድዮ, ብነዳዲ ዘዕለቕለቕ ግራውቲ ናይጀርያ

ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ጥዕነኦም፡ ኣብቲ እዋን ጭዋያ ዝሓለፍዎ ኩነታትን ብኸመይ ከምዝተፈትሑን ግን ብንጹር ኣይተሓበረን።