እስላማውያን ዕጡቓት ቦኮሓራም ኣብ ካሜሩን 14 ሰባት ቀቲሎም

እስላማውያን ዕጡቓት ቦኮሓራም፡ ኣብ ሰሜናዊ ካሜሩን ከተማ ሞዞጎ፡ ኣብ ሓደ ለይቲ ብዝፈጸምዎ መጥቃቲ 14 ሰባት ቀቲሎም፡፡
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ከምዝተዓወተ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ፈጺሞም እዮም፡፡
ነበርቲ እታ ከተማ እቶም ዕጡቓት ይመጹ ከምዘለዉ ምስ ሰምዑ ናብ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዱር ከምዝሃደሙ ከንቲባ እታ ከተማ ይገልጽ፡፡
ኮይኑ ግና ምስቶም ነበርቲ ተመሳሲሉ ዝሃድም ዝነበረ ሓደ ርእሰ-ቅትለታዊ ኣባል ናይቶም እቶም ጂሃዳውያን ዕጡቓት፡ ነታጒ ኣፈንጂሩ 11 ሰባት ቀቲሉ፡፡
ቀጺሉ ድማ እቶም ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተወሰኽቲ ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፡፡
ወታሃደራት መንግስቲ ቀልጢፎም ግብረ መልሲ ክህቡ ከምዝፈተኑ ዝገልጽ ከንቲባ እታ ከተማ ቦካር ማጀወ፡ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ህዝቢ ስለዝተሓወሱ ግን እቶም ወታሃደራት ክትኩሱ ከምዘይከኣሉ ተዛሪቡ፡፡
እቲ መጥቃዕቲ፡ ነቶም እስላማውያን ዕጡቓት ደምሲሰዮም እየ ዝብል ሓሳብ እቲ መንግስቲ፡ ኣብ ሕቶ ብዙሓት ካሜሩናውያን ክኣቱ ገይሩዎ ኣሎ፡፡


![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







