ሞዛምቢክ: እስላማውያን ዕጡቓት 'ልዕሊ 50 ሰባት ቀቲሎም'

ዝተቃጸለ ኣባይቲ ቁሸት ኣልደያ ዳ ፓዝ፡ ሞዛምቢክ ነሓሰ 24 2019

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሰሜናዊ ሞዛምቢክ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ብእስላማውያን ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ፡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ነቶም ግዳያት ኣብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ብምእካብ፡ ከም ዝሰየፍዎምን ኣካላቶም ከም ዝቖራረጽዎምን ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ካልእ ቁሸት'ውን ካልኦት ብዙሓት ከም እተሰየፉ ተገሊጹ።

እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነ ዞባ ካቦ ዴልጋዶ ካብ 2017 ጀሚሮም ዘስካሕክሕ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።

በቲ ጎንጺ፡ ኣብቲ ብብዝሒ ኣስላም ዝነብሩሉ ዞባ፡ ከባቢ 2000 ሰባት ክቕተሉ እንከለው፡ ኣስታት 430 ሽሕ ብዘይ መጽለሊ ተሪፎም ኣለው።

እቶም ዕጡቓት ምስ እስላማዊ ጉጅለ ዳዕሽ (ኣይኤስ) ዝምድና ኣለዎም።

እቶም እስላማዊ ኣመራርሓ ንምስፋን ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት፡ ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ድኽነትን ሸቕሊ ኣልቦነትን ብምምዝማዝ መንእሰያት ኣብ ጎድኖም ተሰሊፎም ክቃለሱ ይገብሩ።

ብዙሓት ነበርቲ እቲ ዞባ ካብቲ ኣብቲ ስፍራ ዝርከብ ኢንዱስትሪ ሓጀርን ጋዝን ብዙሕ ከም ዘይተጥቀሙ እዮም ዝገልጹ።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ዛጊት እቲ ዝኸፍአ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣብ ርእሰ ከተማ ማፑቶ ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሆዜ ተምቤ ይገልጽ።

ብዙሓት በቲ መጥቃዕቲ ከም እተሰናበዱን ሰላማዊ መፍትሒ ክናደይ ጻውዒት ይገብሩ ከም ዘለው'ውን ተዛሪቡ።

እቶም ዕጡቓት ብዓርቢ ንቁሸት ናንጃባ ክወሩ እንከለው፡ "ኣላሁ ኣካባር" እናበሉ ጠያይቲ ይትኩሱን፡ ኣባይቲ የንድዱን ምንባሮም መንግስታዊት ማእከን ዜና ካብቲ ሓደጋ ዘምለጡ ሰባት ብምጥቃስ ጸብጺባ።

ኣብታ ቁሸት፡ ክልተ ሰባት ክስየፉ እንከለው ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝተጨወያ እቲ ጸብጻብ ገሊጹ።

ካልእ ጉጅለ ዕጡቓት ድማ ኣብ ቁሸት ሙዋቲድ ኣረሜናዊ መጥቃዕቲ ብምክያድ ልዕሊ 50 ሰባት ርእሶም ከም ዝሰየፈ እቲ ማእከን ዜና ጸብጺቡ።

ክሃድሙ ዝፈተኑ ነበርቲ እቲ ቁሸት ተታሒዞም ኣብታ ቁሸት ናብ ዝርከብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ድሕሪ ምውሳዶም ተሓሪዶም፡ ኣካላቶም ከም እተቆራረጸን ጸብጻብ ውልቃዊ ማእከን ዜና ፒናክል ይገልጽ።

እቲ መጥቃዕትታት ካብ ዓርቢ ምሸት ክሳብ ሰንበት እዩ ተፈጺሙ።

መንግስቲ ሞዛምቢክ ኣቐዲሙ ነቶም ዕጡቓት ንምግጣም ሰራዊት ፍሉይ ስልጠና ከም ዘድልዮም ብምግላጽ፡ ኣህጉራዊ ሓገዝ ሓቲቱ ነይሩ እዩ።