ጂሃዳውያን ዕጡቓት ሞዛምቢክ ዓቢ ክሳራ ወሪድዎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓይልታት ጸጥታ ሞዛምቢክ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለሰተ ሰሙን ኣብ ዘካየድዎ ስርሒታት ኣስታት 130 እስላማውያን ዕጡቓት ከም ዝቐተሉ መንግስቲ ኣፍሊጡ።
እቲ ብጋዝ ሃብታም ዝኾነ ዞባ ካቦ ደልጋዶ ኣብ ትሕቲ ምሉእ ምቁጽጻር መንግስቲ ከም ዝኣተወ፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ኣማድ ሚኳደደ ገሊጹ።
ሰራዊት'ታ ሃገር፡ ንዝተረፉ ዕጡቓት ንምቕራምን፡ መዓስከራቶም ንምድምሳስን ስርሒታቱ ክቕጽል ምዃኑ'ውን እቲ ሚኒስተር ተዛሪቡ።
እቶም ገዛእ-ርእሶም 'ኣልሸባብ' ኢሎም ዝጽውዑ እስላማውያን ዕጡቓት፡ ኣብቲ ንዝሓለፈ 3 ዓመታት ከካይድዎ ዝጸንሑ መጥቃዕትታት፡ ክሳድ ሰብ ክቖርጹን፡ ቁሸታት ከቃጽሉን ጸኒሖም'ዮም።
ምስቲ ኣብ ሶማልያ ዘሎ ጉጅለ ኣልሸባብ ርክብ ዘለዎም እንተ ኾይኖም ግን ንጹር ኣይኮነን።
ዛጊት፡ ኣብቲ ዞባ ኣስታት 900 በቶም ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉን፡ ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቶም መጥቃዕትታት ክዛይዱ ተራእዮም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሰብመዚ ጸጥታ፡ እቲ ጉጅለ ኣካል ዳዕሽ ምዃኑ ንመጀመርታ እዋን ምግላጾም ይዝከር።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







