ቦኮሓራም ኣብ ድሮ በዓል ልደት ብዝወሰዶ መጥቃዕቲ ሰባት ቀቲሉ

ወተሃደራት ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ናይጀርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዕጡቓት ቦኮሓራም ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና ብበዝሒ ኣብዝነብርሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብርክት ዝበሉ ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ። እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ዝተፈጸመ ኮይኑ ቤተ ክርስትያን’ውን ኣባሪዖም እዮም።

ብሰንኪ እቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 11 ሰባት ከምዝተቐትሉ ኤኤፍፒ ንዘቤታውያን ምንጭታት ጠቒሱ ጸብጺቡ።

እቶም ዕጡቛት ኣብ ጥቓ ግዝኣት ቦርኖ ናብ እትርከብ ፔሚ ብሞተር ሳይክልን መኪናን መጺኦም ብኣልማማ ናብ ዝረኸብዎ ክትኩሱ ከምዝጀመሩ መራሒ እቲ ከባቢ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ፔሚ ቅድሚ 6 ዓመታት 200 ደቂ ኣንስትዮ ተጨውየን ካብዝተወሰዳሉ ቺኮብ ኣብ ቀረባ ርሕቐት እትርከብ እያ።

ሓለፍቲ ድሕነት ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ኣብ በዓል ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና መጥቃዕቲ ክፍጸም ይኽእል ዝብል መጠንቀቕታ’ኳ ኣሕሊፎም እንተነበሩ ዕጡቓት ቦኮሓራም ንፔሚ ሃንደበት ወሪሮማ።

ነብርቲ ፔሚ ናብ ጫካ ክሃድሙ ዝተገደዱ ኮይኖም ሃለዋት ገለ ሰባት’ውን ከምዘይተፈልጠ ተሓቢሩ።

መራሒ ሚሊሻ እቲ ከባቢ ዝኾነ ኣብዋኩ ካቡ እቶም ዕጡቓት ሸውዓተ ሰባት ከምዘቃጸሉን ዓሰርተ መንበሪ ኣባይቲ ከምዘንደዱን ሓቢሩ። ብምኽንያት በዓል ልደት ንነበርቲ እቲ ከባቢ ክዕደል ተባሂሉ ዝነበረ ናይ መግቢ ኣስቤዛ ተዘሪፉ’ዩ።

ካብኡ ብተወሳኺ “ቤተ ክርስትያን ኣቃጺሎም፣ ሓደ ቀሺ ጨውዮምን: ቅድሚ ማእኸል ሕክምና ምቅጻሎም ከኣ መድሓኒት እቲ ሆስፒታል ዘሪፎም ወሲዶም” ክብል መራሒ ሚሊሻ እቲ ከባቢ ኣብዋኩ፡ ወሲኹ ገሊጹ።

ቦኮሓራም ንመንግስቲ ናይጀርያ ኣልዩ እስላማዊ መንግስቲ ንምቛም ዓሊሙ ኣብዝቃለሰሉ ሰሜናዊ ክፋል ናይጀርያ ብዙሕ መጥቃዕቲ ፈጺሙ’ዩ።

ቦኮሓራም ኣመንቲ ሃይማኖት እስልምና ካብ ናይ እስልምና ሃይማኖት ሕጊ ወጻኢ ንኸይንቀሳቐሱን ከይሳተፉን ዝኽልክል ኮይኑ መጸውዒ ሽሙ “ኣስተምህሮ ምዕራባውያን ክልኩል’ዩ” ዝብል ትርጉም ዝሓዘ’ዩ።

እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ቺቦክ ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣዝዩ መሰንበዲ ነይሩ።

ኣብቲ ንኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ጎንጺ ቦኮሓራም: ኣስታት 36 ሽሕ ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ከኣ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ መረዳእታ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ቦኮሓራም ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ካሲና ካብ ዝርከብ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ቤት ትምህርቲ 3 ሚኢቲ ሰባት ብምጭዋይ ተሓታቲ ኮይኑ’ሎ።

ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ግን እቲ ጭውያ ኣብቲ ከባቢ ብዝርከቡ ናይ ቦኮሓራም ተሓባበርቲ ሸፋቱ ከም ዝተፈጸመ’ዮም ዝገልጹ።

ተዋጋእቲ ቦኮሓራም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንብዙሓት ሰራሕተኛታት ሕርሻ ከምዝቐተሉ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።