"ተጨውዮም ዝነበሩ ኣማኢት ተመሃሮ ተፈንዮም"፡ ሰብ መዚ ናይጄርያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ዝተጨወዩ ኣማኢት ተማሃሮ ነጻ ከም ዝተፋነዉ ሰብ መዚ ናይጀርያ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ወሃቢ ቃል ኣማሓዳሪ ዞና ኪትሲና ዓብዱል ላባራን ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ 344 ተማሃሮ ነጻ ከም ዝተለቐቁን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
እንተኾነ፡ ገለ ጸብጻባት ገለ ካብቶም ተማሃሮ ምስቶም ጨወይቲ ከም ዘለዉ ይሕብሩ ኣለዉ።
እቲ ጭውያ ኣብ ናይጀርያ ዝንቀሳቀስ እስላማዊ ዕጡቕ ጉጅለ ቦኮ ሓራም ከም ዝፈጸሞ ብምሕባር፡ ድሕሪ ምጭዋይ እቶም ተመሃሮ ናይቶም ዝተጨወዩ ተመሃሮ ምስሊ ዘርኢተንቀሳቓሲ ምስሊ ምዝርግሑ ይዝከር።
ወሃቢ ቃል ኣማሓዳሪ ዞና ኪትሲና ዓብዱል ላባራን ኣብ መግለጺኡ፡ እቶም ተማሃሮ ናብ ርእሰ ኸተማ ዞባ ኪትሲና ተወሲዶም ከም ዘለዉን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ምስ ስድርኦም ክራኸቡ ምዃኖምን ኣብሪሁ።
እቲ ወሃቢ ቃል፡ እቲ ብቦኮ ሓራም ዝተዘርግሐ ምስሊ ናይ ብሓቂ ናይቶም ተማሃሮ ምንባሩ ብምእማን፡ እቲ ናይ ላዕለዋይ ሓላፊ ቦኮ ሓራም ኣቡበከር ሸኩዋ ተባሂሉ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግን ብምስሊ ካልእ ሰብ ዝተመስረሐ እዩ ኢሉ።
ቦኮ ሓራም፡ ብዝሒ ጨዊናዮም ዝበልዎም ተማሃሮ ምስቲ ሰብ መዚ ተጨውዮም ዝበልዎ ብዝሒ ዝውሓደ ስለ ዝኾነ ኩሎም እቶም ተማሃሮ ብድሓን ይህልዉ'ዶ ዝብል ሻቕሎት ፈጢሩ ኣሎ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ኪትሲና ኣሚበኑ ቤሎ ማሳሪ “ንዝበዝሑ ተማሃሮ ነጻ ኣውጺእናዮም ኢና፡ ኩሎም ነጻ ኣይወጽኡን” ኢሉ ብምባል ሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ።
ገለ ምንጭታት’ውን ምስቶም ጨወይቲ እተረፉ ተማሃሮ ከም ዘለዉ ንኤኤፍፒ ሓቢሮም።
ወሃቢ ቃል ኣማሓዳሪ ዞና ኪትሲና ዓብዱል ላባራን ብወገኑ ካብቶም ተማሃሮ ዝተቐተለ ከም ዘየለ እኳ እንተገለጸ፡ ኣብቲ ብቦኮ ሓራም ዝተፈነወ ተንቀሳቓሲ ምስሊ፡ እቶም ተመሃሮ ብነፈርቲ ናይጀርያ ዝተቐተሉ ተማሃሮ ከም ዘለዉ ክዛረቡ ይስምዑ እዮም።
እዞም ተመሃሮ፡ ከመይ ኢሎም ነጻ ከም ዝወጽኡ'ኳ እንተዘይተገለጸ፡ ምፍታሕ እቶም ተመሃሮ ግን ቢቢሲ ካልእ ሰብ መዚ ናይጄርያ ብምውካስ ከረጋግጾ ክኢሉ እዩ።
እቲ ጭውያ ናይ ተመሃሮ ከመይ እዩ ተፈጺሙ?
ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከም ዝሓበርዎ፡ ብረት ዝዓጠቑ ጉጅለ ብዓርቢ ናብ ሓዳሪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ካናካራ ብምእታው ነቲ ቤት ትምህርቲ ተቆጻጺረሞ።
ቶክሲ ዝሰምዑ ገለ ተማሃሮ ሓጹር እቲ ቤት ትምህርቲ ብምዝላል ክሃድሙ ክኢሎም።
እቶም ሰብ ብረት፡ ናይ ናይጄርያ ኣካላት ጸጥታ ኢና ስለ ዝበልዎም ግን ገለ ተማሃሮ ኣሚነሞም ከም ዝተመለሱ ካብቶም ዝሃደሙ ተመሃሮ ሓቢሮም።
እቶም ተመሃሮ ምስ ተኣኻኻቡ እቶም ሰብ ብረት ከቢቦም ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጫካ ሒዘምዎም ኣትዮም።
ብድሕሪ እዚ ቦካ ሓራም ነቶም ተማሃሪሮ ስኢሉ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻሩ ከም ዘለዉ ገሊጹ።
ሓደ ካብቶም ተመሃሮ ብቦኮ ሓራም ከም ዝተጨወዩን፡ እቶም ንዕኦም ነጻ ከውጽኡ ዝምጽኡ ዘለዉ ሰራዊት ናይጄርያ ክምለሱ እናተማሕጸኖም ይስማዕ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







