ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 110 ሰባት ተቐቲሎም፡ ሕቡራት ሃገራት

ኣብ ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 110 ሰባት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, Borno state government

ኣብ ሰሜን-ምብራቕ ናይጀርያ ብቐዳም ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 110 ሰራሕተኛታት ሕርሻ ከምዝተቐተሉ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ኣብ ናይጄርያ ኣተሓባባሪ ሕቡራት ሃገራት ነበርትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ኤድዋር ካሎን፡ ዕጡቓት ብሞተር ሳይክል ከይዶም፡ ኣብ ግዝኣታት ኮሾቤን ቦርኖን ዓውዲ ሕርሻ ሩዝ ይሰርሑ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓረስቶት፡ ኣረመንያዊ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ገሊፁ።

ነዚ መጥቃዕቲ ብምኹናን ድማ፡ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ክቐርቡ ይግባእ ኢሉ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ኣካላት ነቶም ኣብ ግዝኣት ቦርኖ ጥቓ ከተማ ማይዱግሪ ዝርከብ ናይ ሩዝ ሕርሻ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ኣሲሮም ብበላሕቲ ነገራት ኣብ ክሳዶም ከምዝወግኡ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ኣባላት ጉጅለ ቦኮሓራንም እስላማዊ ምንቅስቓስ ምዕራብ ኣፍሪቃም ዝንቀሳቐሱሉ ከባቢ ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ ካብ ዝተፈጸሙ መጥቃዕትትታ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

እንተኾነ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዘጊድ ኣይተረኸበን።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓማዱ ቡሃሪ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ልዕሊ ትጉሃት ዝኾኑ ንጹሃን ሓረስቶት ዝተፈጸመ ቅትለት እኹንን። በዚ ተግባር መላእ ሃገርና ተሃስዩ'ሎ" ኢሉ።

ናይቲ ፕረዚደንት ወሃቢ ቃል ጋርባ ሸሁ ከምዝበሎ፡ ቡሃሪ ኣሸበርቲ ዕብዳን ብዝተልኦ ዝፈጸምዎ ቅትለት" ክብል ነቲ ተግባር ገሊጽዎ'ዩ።

ሓደ ካብቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንዝተረፉ ሰባት ዝሕግዝ ዝነበረ ሚሊሻ "43 ሰለስተን ኣስከሬን ኣውጺና ኢና። ኩሎም ዝተሓረዱ እዮም። ካልኦት 6 ብኸቢድ ዝቖሰሉ'ውን ነይሮም" ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

15 ደቂኣንስትዮ ከምዝተጨወያ'ውን ጸብጻባት ኣመልኪቶም ኣለዉ።

ስርዓተ ቀብሪ ናይቶም ግዳያት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቦርኖ ባባጋና ዙሉም ተረኺቡ እዩ።

ኣብ ማእኸል ሕርሻ ዝሰርሑ ዝነበሩ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝተቐተሉ ዘረጋገጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ መንግስቲ ፌደራል ተወስኽቲ ወተሃደራት ናብቲ ከባቢ ከዋፍርን ካልኦት ሓይልታት ጸጥታ ድሕነት ሓረስቶት እቲ ከባቢ ክሕልዉን ሓቲቱ።

እቶም ሓረስቶት "ግዳይ መጥቃዕቲ ክኾኑ ዝኸኣሉ ብተደጋጋሚ የሳቕይዎም ስለዝነበሩ ንዕጡቓት ቦኮሓራም ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ዕጥቆም ስለዘፍትሕዎምን ኣብ ቀይዲ ስለዘውዓልዎምን እዩ" ኢሉ ሓደ ኣባል ባይቶ እቲ ከባቢ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ'ውን ዕጡቓት ቦኮሓራም ኣብ ክልተ ቦታታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 22 ሰራሕተኛታት መስኖ ከምዝቐተሉ ይግለጽ።