ሰገናት ናይጀርያ ዝሳቐይሉ ጥንታዊ ሜላ መግረፍቲ 'ታባይ'
ኣብ ናይጀርያ ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ እታ ሃገር ዝፍጸሙ ናይ መግረፍትን ስቅያትን ተግባራት ከምዘለዉ 'ቢቢሲ ኣይ ኣፍሪቃ' ዘካየዶ መርመራዊ ሰነድ የመላኽት።
እቲ መግረፍቲ ብላዕለዎት ኣዘዝቲ ፖሊስ እንከይተረፈ ዝፍጸም ኮይኑ፡ ኣብዚ ተግባር ኢድ ዘለዎም ኣዘዝቲ ፖሊስ ግን ኣሽንኳይ'ዶ ብሕጊ ክሕተቱስ ዛይዳ ስልጣን ከምዝወተውሃቦም ይግለጽ ኣሎ።