ናፅነት ፕረስ፡ ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊፁ

ምንጪ ስእሊ, Facebook/Tariku Desalegn
ማኔጂንግ ዳይሬክተር መፅሔት 'ፍትህ' ጋዜጠኛ ተመስገን ደሳለኝ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ መሳርሕቱ ንቢቢሲ ኣረጋጊፆም።
ተመስገን ሎሚ ሓሙስ [26/05/2022] ቅድሚ ቀትሪ ካብ ናይ ስራሕ ቦትኡ ከምዝተወሰደ'ውን እቶም ኣስማቶም ክግለፅ ዘይደለዩ መሳርሕቱ ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ቀይዲ ዘውዓልዎ ድማ ወተሃደራዊ ልብሲ ዘይገበሩ ዕጡቓት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።
ቅድሚ መዓልታት "ተመስገን ተኣሲሩ" ዝብል ሓበሬታ ወጺኡ ብምንባሩ ቢቢሲ ነዚ ከፃርይ ናብቲ ጋዜጠኛ ደዊሉ ሓቲትዎ ነይሩ። ተመስገን ሽዑ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ምዃኑ ሓበሬታ ከምዘለዎ'ዩ ገሊፁ።
"ክሳብ ሎሚ ሓበሬታ ብምሃብ ዝተሓባበሩኒ ዝነበሩ ኣባላት መሪሕነት ድሕንነት ሃገር ዝነበሩ ምንጪታተይ ኣብ ቀይዲ ክኣትው ከምዝኽእል ነጊሮምኒ'ዮም" ክብል ተዛሪቡ።
ናብ ማእሰርቲ ከቃልዖ ዝኽእል ምኽንያት ክገልፅ ከሎ ድማ " መንግስቲ መሊኡ ናብ ውልቀ-መላኽነት ይቕየር ስለዘሎ ንተግባራቱ ከቃልዑ ዝኽእሉ ሚድያታት ናብ ምዕፋን ኣትዩ'ሎ" ክብል ኣረዲኡ።
ንማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ብዝምልከት ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ፌደራል ፖሊስ ዛጊድ ዝሃብዎ መብርሂ የለን።
ቢቢሲ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ናብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ሕቶ ንምቕራብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰመረን።
ተወከልቲ ኣብያተ ፅሕፈት ፖሊስ ፌደራልን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ብሓሙስ 18 ግንቦት 2014 [ኣቆፃፅራ ግእዝ] ንመራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ኣብታ ከተማ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ልዕሊ 340 ሰባት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ሓቢሮም'ዮም።
እቶም ሰባት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉሉ ምኽንያት ድማ ብግብረ-ራዕዲን ካልኦት ገበናትን ስለዝተጠርጠሩ ከምዝኾነ ጠቒሶም።

ምንጪ ስእሊ, Tariku Desalegn facebook
ጋዜጠኛ ተመስገን ወናንን ዋና ኣሰናዳእን ጋዜጣን መፅሔትን ኮይኑ ኣብ ዝሰርሐሎም እዋናት ንመንግስቲ ዝነቕፉ ጽሑፋት ብምድላው ይፍለጥ።
ብተደጋጋሚ ከኣ ናይ ሕትመት ውጽኢታቱ ክእገዱ ካብ ምግባር ሓሊፉ ንማእሰርቲ ከምዝተቓልዐ ይዝከር።
ኣብዚ ቕነ ብዘይካ ተመስገን ብውሕድ 11 ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ትካላት ሚድያን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራ ከምዝተኣሰሩ ዝሕብሩ ፀብጻባት ይወጽኡ ኣለዉ።
ሓሙሽተ ጋዜጠኛታት ናይቲ 'ኣሻራ' ብዝብል ዝፍለጥ ብዩቱዩብ ዝፍኖ ሚድያ፤ 4 ካብ ቻነል ንስር ኢንተርናሽናል ብሮድካስቲን፣ መስራቲትን ዋና ኣሰናዳኢትን ናይቲ 'ኢትዮ ንቃት' ዝተብሃለ ሚድያ መስከረም ኣበራ ከምኡ ድማ መስራትን ወናንን ገበያኑ ሚድያ ጋዜጠኛ ሰሎሞን ሹምዩ ካብ ሞንጎ እቶም ዝተኣሰሩ ይርከብዎም።
ኣሜሪካ በቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲኣ ኣቢላ ኣብ ዘውጽኣቶ ሓጺር መግለፂ፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታትን ማሕበራዊ ነጠፍትን ከምዘሻቐላ ሓቢራ'ላ።
'ሲፒጄ'ን 'ኣርኤስኤፍ'ን ዝተብሃሉ ዓለምለኻውያን ተጣበቕቲ መሰላት ጋዜጠኛታት ኣብ ዘውፅእዎም መግለፂታት፡ እዞም ዝተኣሰሩ ጋዜጠኛታት ብቕልጡፍ ክፍትሑ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለዉ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







