ኢትዮጵያ ንጐረባብቲ ሃገራት እትሸጦ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን ናብ ጐረቤት ሃገር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸይጥ ዝጀመረትሉ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2003 [ግእዝ] ናብ ጂቡቲ እዩ።
ኢትዮጵያ፡ ካብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪቃ ብዝተረኸበ 95 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ዝተሃነጸ መስመር መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ኣቢላ፡ ንጂቡቲ ዓመታዊ 22 ሜጋ ዋት ክትሸጠላ ጀሚራ።
'ግልገል ግቤ -ክልተ' ዝተባህለ መመንጨዊ ጸዓት ብዘጋጠሞ ቴክኒካዊ ፀገም ስለ ዝተዓፀወ፡ ካብቲ ክዛዘም ዝተሓሰበሉ እዋን ሓደ ዓመት ደንጉዩ'ዩ ናብ ስራሕ ኣትዩ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረ መሸጣ ሓይሊ ዓመታዊ 10 ሚልዮን ዶላር ትረክብ ከም ዝነበረት፡ ንቝጠባ ሃገራት ኣተኲሩ ትንበያታት ዘውጽእን መጽናዕቲ ዘካይድን 'ኢኮኖሚክ ኢንተለጀንስ ዩኒት' ዘውጽኦ መረዳእታ የመልክት።
ካብቲ ንጂቡቲ ኤሌክትሪክ ብምሻጥ ዝርከብ ኣታዊ ፡ ኣብ ገለ ገጠራት ኢትዮጵያ ንዝርከብ ህዝቢ መስመር ኤሌክትሪክ ክዝርግሓሎምን ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ንዘሎ ቀረብ ኤሌክትሪክ ንምሕያልን ውጥን ተታሒዙ ነይሩ።
ኢትዮጵያ፡ ኤሌክትሪክ ምሻጥ ካብ እትጅምር፡ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት፡ ማለት ኣብ 2013 [ግእዝ] ድማ 90 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ክትረክብ ክኢላ እያ።
ንጂቡቲ 22 ሜጋ ዋት ብምሻጥ ዝጀመረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ማእከል ሓይሊ (ጸዓት) ኣፍሪቃ ንምዃን ናይ 10 ዓመታት ፍኖተ-ካርታ ኣዳልያ'ላ።
ብሓፈሻ መጠን እተመንጭዎ ሓይሊ ኣብ 2022 ናብ 20 ሽሕ ክተብፅሖ ከምኡ ድማ እቲ ንሃገራት እትሸጦ ናብ 7 ሽሕን 184 ጊጋ ዋት ከተብፅሖ መደብ ኣለዋ።
ኣብዚ እዋን ንሱዳንን ጂቡትን ሓይሊ ትሸይጥ ዘላ ክትከውን እንከላ፡ ናብ ኬንያ'ውን መስመር ካብ እትዝርግሕ ሓደ ዓመት ሓሊፉ'ሎ፤ ኣብ ቀረባ እዋን ክጅምር ከኣ ትፅቢት ይግበር።
ኢትዮጵያ ካብ ማይ፡ ንፋስ፡ ሃፋን ብርሃን ጸሓይን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው ንጐረባብቲ ሃገራት ናይ ምሻጥ ትልሚ ሒዛ ኣብ ምስራሕ ትርከብ።
ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብመሸጣ ሓይሊ ምትእስሳር ብምፍጣር ንጂቡትን ሱዳንን ካብ እተቕርቦ ዓመታዊ 70 ሚልዮን ዶላር ክትረክብ ትእምት።
ብመሰረት'ቲ ምስተን ሃገራት ዝተበጽሐ ስምምዕ 100 ሜጋ ዋት ንምቕራብ ከም ዝተሓሰበን እዚ ግን ክውስኽ ወይ ክንክይኪ ከም ዝኽእል ኣብ ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳይሬክተር ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ሞጎስ መኮነን ይዛረብ።
መረዳእታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ናብ ሱዳን ዝተሸጠ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እንተርኢና፣ 746.9 ሚልዮን ኪሎ ዋት ሰዓት [KWH] ንምሻጥ ውጥን ተታሒዙ'ኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ውጥን ብ4 ሚእታዊት በሊጹ 774.2 ሚልዮን ኪሎ ዋት ንግዲ ከም ዝተፈጸመ የመልክት።
ናብ ጂቡቲ'ውን 385 ሚልዮን ኪሎ ዋት ንምሻጥ ተሓሲቡ ግን ከኣ 427.1 ሚልዮን ኪሎ ዋት ተሸይጡ'ሎ።
በዚ መሰረት ካብቲ ንሱዳን ዝተሸጠ ኤሌክትሪክ 38.7 ሚልዮን ከምኡ ድማ ንጂቡቲ ካብ ዝተሸጠ 27.8 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ።
ነተን ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝዀና ሃገራት ካብ ዝሽየጥ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዓመታዊ 70 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ንምርካብ ትልሚ ይተሓዝ እምበር፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ግን ይውስኽ ከም ዘሎ ኣይተ ሞገስ ይዛረብ።

ምንጪ ስእሊ, Thinkstock
ክሳብ ሎሚ ካብ ዝተረኸበ ኣታዊ እቲ ዝለዓለ ኮይኑ ዝተመዝገበ ዝሓለፈ ዓመት [2013] እዩ ነይሩ፣ ኣስታት 90 ሚልዮን ዶላር ድማ ተረኺቡ።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት እቶም ሓይሊ ዘመንጭዉ ግድባት እዅል ማይ ብዘይምሓዞም ንዘጋጠመ ሕጽረት ሓይሊ ስዒቡ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምቁርራፅን ኣብቲ ናብ ሱዳን ዝሽየጥ ድማ ብፈረቓ ምቕራብን ኣጋጢሙ ነይሩ።
ዝነበረ ሕፅረት ዝናብ ብፍላይ ሰለስተ ግድባት (ዲጋታት) ማለት ቆቃ፡ መልካን ዋከናን እዅል ማይ ከይሕዙ ከም ዝገበሮም ይግለፅ።
ኣብቲ እዋን ሱዳን ዝለዓለ ሓይሊ ትጠልብ ምንባራ ዘዘኻኽር ኣቶ ሞገስ፡ ግን ድማ እቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ጠለብ'ውን ክማላእ ብዘይምኽኣሉ እቲ ናብ ደገ ዝቐርብ መሸጣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ተቛሪፁ ከም ዝነበረ ይሕብር።
በዚ ምኽንያት እቲ ዓመታዊ እቶት ናብ ትሕቲ 60 ሚልዮን ዶላር ወሪዱ።
ሱዳን ኣብዚ ዓመት ዘይከፈለቶ ዕዳ ዕድጊ ጸዓት ስለ ዘለዋ፡ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ናብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሱዳን ክፍሊት ዝሓትት ደብዳበ ከም ዝእተወ ይግለፅ።
ብወገን ሱዳን ዝተወሃበ ምላሽ፡ እታ ሃገር ኣብ በዳሂ ኵነታት ከምእትርከብ ዝገልፅን እቲ ቀረብ ከይቋረፅ ዝሓትትን ከም ዝዀነ ኣይተ ሞገስ ኣረዲኡ'ሎ።
ቅድሚ ሎሚ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ክፍሊት ከይተፈጸመ ዝድንጉየሉ ኵነታት ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር ድማ እቲ ናይ ሕዚ ግን 6 ወርሒ ከም ዝሓለፎ ተዛሪቡ።
ናብ ኬንያ ብመሸጣ ዝቐረብ ኤሌክትሪክ
ኢትዮጵያ ንኬንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትሸጠላ ካብ እትውጥንን ናብ ስራሕ ካብ እኣቱን ዓመታት ሓሊፎም ኣለው።
ክልቲአን ሃገራት ስምምዕ መሸጣን ዕድጊን ኤሌክትሪክ ካብ ዝፈራረማ ዓሰርተ ዓመታት ኰይኑ'ሎ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣብ መንጐ ሚኒስተር ማይን መስኖን ነበር ኣይተ ኣለማየሁ ተገኑን ሚኒስትር ጸዓት ኬንያን ዝተገብረ ስምምዕ፡ እቲ መሸጣ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት [ድሕሪ ምፍርራም] ከም ዝጅምር ዘመልክት ምንባሩ ፀብፃባት ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ የመልክቱ።
ህንጸት ንምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ምትእስሳር ዝለዓለ ብጽሒት ከም ዝህልዎ ዝንገረሉን ብ1.3 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉን ፕሮጀክት ዝርግሐ መስመር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝዛዘመቶ ይፍለጥ።
ወጻእታት ናይዚ ድማ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 684 ሚልዮን ዶላር፣ ካብ ኢትዮጵያ 441 ሚልዮን ከምኡ ድማ 27.4 ሚልዮን ካብ ኬንያ ይሽፈን።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪካ ብወገኑ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ግድብ ግልገል ግቤ ዝቐርብ ጸዓት መተሓላላፊ ዝኸውን መስመር ንምዝርጋሕ ዝውዕል ንኢትዮጵያ 232 ሚልዮን ዶላር ንኬንያ ድማ 116 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣጽዲቑ'ዩ።
ብወገን ኢትዮጵያ ዝርግሐ መስመር፡ ፈተሻን ፈተነን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ኳ እንተተኻየደ፡ ብወገን ኬንያ ግን ዘይተመልኡ ስራሓት ዝርግሐ መስመርን ምትካል ዓንዲታት ኤሌክትሪክን ብምህላዎም እቲ መሸጣ ከም ዝተደናጐየ ይግለፅ።
ኣብ ወርሒ መስከረም 2014 [ግእዝ] ብሚኒስትር ጸዓት ኬንያ ዝተመርሐ ጕጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ምንባሩ ዝዛረብ ኣይተ ሞገስ፡ ኣብቲ ስምምዕ ዝተረፉ ነገራት ንምምላእን እቲ ፕሮጀክት ክዛዘምን ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐን ይገልፅ።
ስምምዕ መሸጣ ንደቡብ ሱዳን
ኣብዚ ቕነ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ መሸጣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሓበራዊ ስምምዕ ተፈራሪመን ኣለዋ።
ብሚኒስትር ጸዓትን ግድብን ደቡብ ሱዳን ዝተመርሐ ጕጅለ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ እቲ መሸጣ ሓይሊ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክጅመር ዘኽእል ስምምዕ ተፈራሪሙ'ሎ።
እቲ መሸጣ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ክጅመር ዝተወሰነሉ ምኽንያት ድማ ቅድሚኡ ዝስርሑ ስራሓት ስለ ዘለዉ እዩ።
ኣብቲ ፈላማይ ዓመት ክልተአን ሃገራት ዝርግሐ መስመር ዝካየደሎም ከባቢታት ኣብ ምምራጽን፡ ግብራውነት እቲ መሸጣ ብዝተሓሓዝ መጽናዕቲ ዘካይድን ጕጅለ ተክኒክ ከቝማ እየን።
ብድሕሪኡ ኣብ ዘለዉ ክልተ ዓመታት ድማ ዝርግሐ መስመር ክካየድ፣ እቲ ህንጸት ከኣ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክፍጸም ተገሚቱ'ሎ።
እቲ ቀዳማይ መስመር 357 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ኰይኑ፡ ካብ ጋምቤላ ናብ ደቡብ ሱዳን ግዝኣት ማላካል ይበጽሕ፤ 230 ኪሎቮልት ሓይሊ ድማ የመሓላልፍ።
ካልኣይ 700 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎ መስመር፡ ካብ ቴፒ ናብ ቦር ጁባ ይዝርጋሕ። ካብ 400 ክሳብ 500 ኪሎቮልት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከኣ ይስከም።
ህንፀት ምስተዛዘመ ኣብ ፈላማይ ዓመት 100 ሜጋዋት ኤሌክትሪክ ንምሻጥ ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ይግለጽ፣ ኣብ ግዜ ክውስኽ ከም ዝኽእል ተሓቢሩ'ሎ።
እቲ ዝለዓለ ንደቡብ ሱዳን ክሽየጥ ዝኽእል ግን ካብ 400 ሜጋ ዋት ከምዘይበልፅ'ዩ ኣብ ስምምዕ ዘመልክት።
ኣብ ንግዲ ኤሌክትሪክ ዝረኣዩ ፀገማት
ኢትዮጵያ ኣብ ነዊሕ እዋን ውጥና ንሶማሊ ላንድ፡ ርዋንዳ፡ ታንዛንያን ብሩንዲን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምሻጥ መደብ ኣለዋ።
እንተዀነ ስምምዓት ተኻይዶም፤ ዝርግሐ ትሕተ ቅርጺ ንምስላጥ ዓመታት ዝወስድ ከም ዝዀነ ኣብ ኮርፖረሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳይረክተር ኮሚዩኒኬሽን ኣይተ ሞገስ ይዛረብ።
እተን ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝዀና ሃገራት ጸዓት ንምዕዳግ ድልየት ከም ዘለወን ምግላጸንን፡ ሱዳን ከኣ ተወሳኺ ክቐርበላ ትሓትት ምህላዋን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሱዳን 1200 ተወሳኺ 1 ሽሕን 200 ሜጋ ዋት ክቐርበላ'ያ ትሓትት ኣላ።
"ነዚ ሱዳን ትጠልቦ ዘላ 1200 ሜጋ ዋት ከነቕርብ ዓቕሚ የብልናን። እቲ ዘሎና ትሕተ ቅርጺ'ውን ነዚ ዘፍቅድ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ግን እዚ ሕቶ መልሲ ክረክብ ይኽእል'ዩ፡" ይብል ኣይተ ሞገስ።
ኣብዚ እዋን ንሱዳን ብመሸጣ ዝቐርበላ ዘሎ ሓይሊ፡ ክሳብ 300 ሜጋ ዋት ይበፅሕ።
እቲ ዳይረክተር፡ እቲ ካብ ሃገራት ዝቐረብ ጠለብ ምስቲ ዘሎ ቀረብ ዘይመጠጣን ምዃኑ ከም ሓደ ጸገም ይጠቅስ።
ቀዳምነት ዝወሃቦ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ጠለብ ስለ ዝዀነ፡ ብሰንኪ እቶም ስምምዓት ኣብ ናይ ውሽጢ ዓዲ ቀረብ ምስንኻል እንተ ተፈጢሩ ነቶም ስምምዓት ምሉእ ብምሉእ ክሳብ ምቁራፅ ከም ዝብጻሕ ብወገን ኢትዮጵያ ይግለፅ።
ኣይተ ሞገስ ነዚ ብኣብነት ከደግፍ ከሎ፡ ኣብ 2011 [ግእዝ] ሕጽረት ሓይሊ ኣጋጢሙ ብምንባሩ እቲ ናብ ሱዳን ዝቐረብ ብምሉእ ክቋረጽ፡ ካብ ናይ ጂቡቲ ድማ ብፍርቂ ክጐድል ተገይሩ ምንባሩ ይጥቀስ።
እዚ ግን ነተን ዝዕድጋ ሃገራት ከም ዘየሕጕሰን ካብ ምግላፅ ኣይተዓቀበን። ኢትዮጵያ ንመሸጣ እተቕርቦ ጸዓት፡ ካብቲ ብሓፈሻ እተመንጭዎ ክሳብ 10 ሚእታዊት ጥራሕ ከም ዝዀነ ዘነፅር መስርሕ ንግዲ ተዳልዩ'ሎ።
ኢትዮጵያ፡ ህንጸት 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ከመንጩ ዝኽእል ግድብ ህዳሰ ትዛዝም ብምህላዋ፡ እተመንጭዎ ሓይሊ ከም ዝውስኽ ብምግባር ነቲ ናብ ሃገራት እተቕርቦ መሸጣ ብ10 ሚእታዊት ክብ ከም ዘብሎ ይእመን።
"ልዑል ሓይሊ ኣፍሪና ኢና ኢልና ንዘመንጨናዮ ሰደድ ኣይንገብርን፤ ኣብ ሃገርና ጠለብ ኣሎ። ትሕተ ቅርጺ ኤሌክትሪክ ናይ ምስፍሕፋሕ መደባት'ውን ኣሎ። እዚኦም እናሃለዉ ዝመንጨወ ጸዓት ሰደድ ኣይግበርን" ይብል ኣይተ ሞገስ።
ኣይተ ሞገስ ከም ዝብሎ፡ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ሰራሕተኛታት ቅድሚ ናብ ስራሕ ምኻዶም ምግቢ ከዳልውን ካልኦት ስርሓት ክፍፅሙን ልዑል ጸዓት የድሊ።
ኰይኑ ግን ድሕሪ ክልተ ሰዓት፡ መጠን ተጠቃምነት እናነከየ ከም ዝመፅእን ድሕሪ ሰዓት 2፡00 [ግእዝ] ድማ መሊሱ እናወሰኸ ከም ዝኸድን የረድእ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ምሸት ድሕሪ ሰዓት 12፡00 ይውስኽ እሞ ድሕሪ ሰዓት 4፡00 ድማ ምንካይ የርኢ።
ዝለዓለ ጠለብ ካብ ዝረኣየሉ ሰዓት (ፒክ ኣወር) ወፃኢ ዘሎ ኣጠቓቕማ ትሑት ኰይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ጂቡቲን ሱዳንን ከቢድ ሃሩር ስለ ዝህሉ፡ ተጠቃምነት መዝሓዚ ኣየር [ኤየር ኮንዲሽነር] ግድን ይኸውን።
ስለ ዝዀነ ኣጠቓቕማ ኤሌትሪክ ኢትዮጵያ ትሕት ኣብ ዝብለሉ እዋን ምሸት፡ ናይተን ሃገራት ጠለብ ልዕል ስለ ዝብል፡ ኢትዮጵያ ነዚ መስርሕ መሰረት ብምግባር፡ ናብተን ጐረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተቕርብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







