ምህዞ፡ ንከባቢኡ ኤሌክትሪክ ዘመንጨየ ኢትዮጵያዊ ተመሃራይ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ዝርከብ ሓደ ተመሃራይ 8ይ ክፍሊ ካብ ባዮጋዝ ኤሌክትሪክ ብምምንጫው ብርክት ዝበላ ኣባይቲ ብርሃን ክረኽባ ገይሩ።
ኣዳን ሑሴን ዲዳ ኣብቲ ዞባ ቱላ ዌብ ዝተባህለ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ኮይኑ ከም መገዲ፣ ሆስፒታልን ኤሌክትሪክን ዝበሉ ጸገማት መሰረታዊ ኣገልግሎት ነበርቲ እቲ ኸባቢ ንምቅላል ከም ዝሓስብ ተዛሪቡ።
እዚ ፕሮጀክት ድማ ኣብ ገደና ወለዱ ክልተ ሜትሮ ጉድጓድ ብምኩዓት ዒባ ከፍቲ ብምብስባስ ከም ዝጀመሮ ሓቢሩ።
ካብዚ ንሸሞንተ መንበሪ ገዛ ዝኸውን ኤሌክትሪክ ከመንጩ እንከሎ ወርሓዊ 0.87 ዶላር የኽፍሎም።
ነበርቲ እቲ ከባቢ መብዛሕትኦም ኣርባሕቲ እንስሳ ኮይኖም ህይወቶም ኣብተን ጥሪት ዝተሞርኮዘ’ዩ።
እንተኾነ ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ተኸሲቱ ዘሎ ሓያል ደርቂ ጥሪት እናተጎድኣ ዝበዝሑ ኣብ ትሕቲ ድኽነት ዝርከቡ’ዮም።
ስድራ ኣዳን ድማ ካብቲ ወዶም ዝሰርሖ ኤሌክትሪክ ዝረኽቦ ገንዘብ ይሕገዙ ኣለው።
“ክሳብ ሕጂ ብዘዐወትኹዎ ነገር ሕቡን’የ፤ ንላምባዲናን ባትርን ዘውጽኡዎ ዝነበረ ገንዘብ ከም ዘሕወኹዎም ይነግሩኒ። ደቆም ሕጂ ወጊሑ ኣብ ብርሃን ዕዮ ገዛ ክሰርሑ ዝጽበዩ መብራህቲ ገይሮም ኣብ ገዝኦም ከንብቡ ይኽእሉ” ኢሉ።

መምህሩ ቦሩ ሶራ ብወገኑ ፕሮጀክት ኣዳን ናብ ካልኦት ቦታታት እቲ ከባቢ ንምስፋሕ ድልየት እኳ እንተሃለዎ ጸገም መገዲ ብምህላዩ ግን ናብ ከተማ ኸይዱ ዘድልዮ ናውታት ክዕድግ ከም ዘጸግመሉ ተዛሪቡ።
“መሃዛይ ቖልዓ’ዩ። ካብ ባዮጋዝ ብተወሳኺ ሬድዮን ካልኦት ኤሌክትሮኒክስን ጸጊኑ 100 ሜትሮ እትበርር ነፋሪት ሰሪሑ’ዩ” ኢሉ።
ኣዳን ኻልኦት ተመሃሮ’ውን ናይ ባዕሎም ፕሮጀክታት ሒዞም ክመጽኡ ምንቕቓሕ ክፈጥር ክኢሉ።
ኣብ ቦረና ኣብ ዝርከብ ኒቨርሲቲ ያቤሎ ድማ ኢንጅነሪንግ ከጽንዕ ከም ዝደሊ ንቢቢሲ ገሊጹ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







