ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ጀሚሩ

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክረምቲ ማይ ክመልእ ዝተገበረን ንዓመታት ምኽንያት ምስሕሓብ ኮይኑ ዝጸንሐን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሎሚ 13 ለካቲት 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብወግዒ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምምንጫው ጀሚሩ።
እዚ ነቲ ህንጸቱ ካብ ዝጅመር 11 ዓመታት ዘቑጸረ ግድብ ዓብዪ ምዕራፍ እዩ፡፡
ሎሚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣንን እቲ ግድብ ኣብ ዝተሃነጸሉ ክልል ቤንሻንጉል ወረዳ ጉባ ኣብ ዝተረኸቡሉ ስነ ስርዓት ምጅማር ምፍልፋል ሓይሊ እቲ ግድብ ይካየድ ኣሎ፡፡
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ 13 ተርባይናት እቲ ግድብ እቲ ሓደ እዩ ሓይሊ ከመንጪ ጀሚሩ ዘሎ፡፡
እቲ ስራሕ ጀሚሩ ዘሎ ተርባይን 375 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምፍልፋል ዓቕሚ ኣለዎ፡፡
እዚ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ንዓመታት ድርድር ዘካየዳሉ ግድብ፡ እቲ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተመሪሑ ነይሩ፡፡
ነቲ ወጥሪ ንምፍታሕ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ንምሽምጋል ዝፈተኑ ኮይኖም ዛጊድ መዕለቢ ኣይረኸበን ዘሎ፡፡
ብፍላይ ግብጽን ሱዳንን ቀያዲ ስምምዕ እንተይተገበረ እቲ ግድብ ክምላእ የብሉን ኢለን እኳ እንተነበራ፡ ኣብ ክረምቲ 2012ን 2013ን ማይ ከም ዝመልአ ተገሊጹ እዩ፡፡
ንህንጸቱ 4.5 ቢልዮን ዶላር ዝተሰለዐሉ ግድብ ሕዳሰ፡ ኣብ 2012 ዓ/ም 4.9 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ ከም ዝሓዘ ተገሊጹ ነይሩ፡፡
ቁመቱ እውን ልዕሊ 565 ሜትር ልዕሊ ጸፍሒ ባሕሪ በጺሑ ነይሩ፡፡
ማይ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ እቲ ግድብ 74 ቢልዮን ክዩቢክ ሜትር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 13.4 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ንምምላእ ተተሊሙ ነይሩ፡፡
ኢትዮጵያ እቲ ትልሚ ከም ዝተሳኸዐ ዝገለጸት ኮይና እዚ ድማ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከመንጩ ኣብ ዝኽእለሉ ብርኪ ምብጽሑ ዘረድእ እዩ፡፡
ኣብ መንጎ ሰለስቲአን ሃገራት ንዓመታት ዝተኻየደ ዘተን ድርድርን ፍረ ዘየፍረየ እንትኾን ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ እቲ ግድብ ምጅማራ ስዒቡ ግብጽን ሱዳንን ነቲ ጉዳይ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወሲደንኦ ነይረን፡፡
እንተኾነ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ጉዳይ ሰሚዑ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክረኣ ከም ዘለዎ ብምግላጽ መሊስዎ፡፡
ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ፡ ግብጺ እቲ ጉዳይ ኢ-ፍትሓዊ ዝኾኑ ናይ ባዕዳዊ መግዛእቲ ውዕላት መሰረት ገይሩ ክፍታሕ ጸቕጢ ገይራ ብምባል እያ እትኸስስ፡፡
እቲ ኣብ ዘይነበረትሉ ዝተፈጸመ ስምምዕ ነታ ናብ ሩባ ናይል 77 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትር ማይ እተዋጽእ ኢትዮጵያ ምንም ብጽሒት ዘይህብን ተፈጥሮኣውን ሕጋውን መሰላ ዝኸልእን ከም ዝኾነ ኢትዮጵያ ትምጉት፡፡
ብተወሳኺ እቲ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጰ 1959 ዝተፈጸመ ውዕል ንግብጺ 55.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ ከምኡ እውን ሱዳን 18.5 ቢልዮን ኪዩቢክ ክትወስድ ብምግባር ነታ 86 ምኢታዊት እቲ ማይ እተዋጽእ ሃገር ግን ጥራሓ ዘትርፍን ሉኣላውነታ ዝጥሕስን እዩ ትብል፡፡

ግብጺ ብወገና እቲ ግድብ ንመስተ ዝውዕል ማየይ ክቕንሶ እዩ፤ ከምኡ እውን ንሕርሻ ዘውዕሎ ዓመታዊ 40 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ ይግበአኒ እዩ ዝብል ሓሳብ ክተቕርብ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝተኻየደ ዘተ 31 ቢልዮን ኪዩቢክ ማይ ክትሰድድ ሓሳብ ኣቕሪባ ነይራ፡፡
ብተወሳኺ ንውሕ ንዝበለ እዋን ድርቂ ዘጋጥም እንተኾይኑ፡ ናይተን ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ እቲ ግድብ ዝርከባ ሃገራት ጥቕሚ ንምሕላው ኢትዮጵያ መረጋገጺ ክትህብ ይግባእ ዝብል ሕቶ እውን ኣቕሪባ ነይራ፡፡
ግድብ ህዳሰ ኣስታት 90 ምኢታዊት ስራሕቲ ህንጻ፣ 44 ምኢታዊት ኤሌክትሮ መካኒካልን 20 ምኢታዊት ስራሕቲ ሓጺነ መጺንን ዝዓመመ ኮይኑ ሓፈሻዊ ህንጸት እቲ ግድብ 75 ምኢታዊት ከም ዝበጸሐ ተሓቢሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







