ዩክረይን ኲናት ደው ንምባል መሬታ ንሩስያ ከምዘይትህብ ኣፍሊጣ

ኣብ ኪቭ ንምርኢት ዝቐረበት ዝዓነወት ታንኪ ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስቲ ዩክረይን፡ ግዝኣቱ ንሩስያ ኣሕሊፍካ ብምሃብ ንዝግበር ምቁራጽ ተዅሲ ከም ዘይሰማማዕ ኣፍሊጡ።

ዩክረይን ነዚ ተሪር መግለጺ ዝሃበት፡ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ እቲ ኲናት ብዲፕሎማሲ ጥራሕ ድሕሪ ምግላጹ እያ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት፡ ሚኻይሎ ፖለዶልያክ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሕድገት ንዝዓበየን ዝያዳ ደማውን ወራር መጥቃዕትታት ሩስያ ከቃልዕ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ሩስያ ብወገና ነቶም ኣብ ምብራቕ ዩክረይን ንእትርከብ ከተማ ሰቨሮዶነስክ ዝከላኸሉ ዘለው ወተሃደራት ንምክርዳን ጻዕርታታ ኣሐዪላ እያ።

ብኻልእ ወገን ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድረዘጅ ዱዳ፡ ፈላማይ ኣብ ኪቭ ኣብ ፓርላማ ዩክረይን ብኣካል ብምርካብ መደረ ዘስምዐ መራሒ ኮይኑ ኣሎ።

ንሱ፡ ብዛዕባ መጻኢ ዩክረይን ክውስኑ ዝኽእሉ ዩክሬናውያን ጥራሕ እዮም ድሕሪ ምባሉ ኣባላት እቲ ፓርላማ ደው ኢሎም ኣጣቒዖምሉ።

ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ንክትጽንበር፡ ሃገሩ ዝከኣላ ዘበለ ኩሉ ክትገብር ምዃና'ውን ተዛሪቡ።

እንተኾነ ግና ሚኒስተር ኣውሮጳ ፈረንሳ፡ ክለመንት በውን ብሰንበት ምስ ሓንቲ ማእከን ዜና ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ መስርሕ ምጽንባር ዩክረይን ናብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ካብ 15 ክሳዕ 20 ዓመታት ክወስድ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድረዘጅ ዱዳ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ፖላንድ ኣንድረዘጅ ዱዳ ምስ ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኪቭ

ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዩክረይን ኲናት ክቕጽል እንከሎ፡ ሓይልታት ሩስያ ንምምሕዳራዊ ዶባት ዞባ ሉሃንስክ ንምብጻሕ ንምክልኻል ዩክረይን ክጥሕሱ ይፍትኑ ከምዘለው ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ዩክረይን ኣብቲ መዓልታዊ ዝህቦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ሩስያ ናብ ሰቨሮዶነስክ ንምጥሓስ ብኣርባዕተ ሸነኻት ፈተነ ከም ዘካየደት ኣመሓዳሪ ዞባ ሉሃንስክ ሰርሂ ሃይዳል ገሊጹ።

እቲ ፈተነታት ከምዘይተዓወተ ዝገለጸ እቲ ኣመሓዳሪ፡ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ገዛውቲ ደብዳብ ይካየድ ከም ዘሎን ነታ ከተማ ምስ ሊይሲቻንስክ ዘራኽብ ድልድል ከምዝዓነወ ኣረዲኡ።

ቢቢሲ ነቲ ክስታት ብነጻ ኣካል ከጻርዮ ኣይከኣለን።

ገለ ሃገራት ምዕራብ ምቁራጽ ተዅሲ ክግበር ክጽውዓ እንከለዋ፡ ሩስያ ኣብ ገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ዝጀመረትሉ 24 ለካቲት ንደሓር ኣብ ዝተቖጻጸረቶ ግዝኣታት ክትጸንሕ ዘኽእል ሓሳባት የቕርባ ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማርዮ ድራጊ ብሓሙስ ንባይቶ ሃገሩ ኣብ ዘስምዖ ቃል ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ "ብዝቐልጠፈ ክብጻሕ ኣለዎ" ኢሉ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ግና ከምዚ ዓይነት ሓሳባት ነቲ ኩነታት ከም ዘጋድድ ገሊጹ።

"እቲ ኲናት ደው ኣይብልን እዩ። ንግዚኡ እዩ ክቋረጽ። ካልእ ዝዓበየን ደማውን ሓድሽ መጥቃዕቲ እዮም ክጅምሩ" ኢሉ።

ኣብዚ እዋን ኣብ መንጎ መርገጺታት ሩስያን ዩክረይንን ዘቀራርብ ሓሳብ ምርካብ ከቢድ ምዃኑ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝርከብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ይሕብር።