መንግስታት ንመግብን ጸዓትን ድጐማ ክገብሩ ከም ዝግባእ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስታት ንዝደኸዩ ኣባላት ሕብረተሰብ ዝውዕል ወጻኢታት መግብን ጸዓትን ድጐማ ክገብሩ ከምዝግባእ፡ ሓላፊ ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ (IMF) ንቢቢሲ ሓቢራ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰባት ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መነባብሮ ይቃለሱ ኣለዉ።
ክሪስታሊና ጆርጅዮቫ፡ "ኣዝዩ ብዝተጸንዐን ዕላማኡ ብዘነጸረን ኣገባብ፡ እንተ ተኻኢሉ ድማ ብቐጥታ ንመነባብሮ ሰባት ድጐማ ምግባር" ከም ዝግባእ ገሊጻ።
ብዙሓት መንግስታት፡ ገለ ሓገዝ ይገብራ'ኳ እንተለዋ፡ ነቐፍቲ ግን እኹል ከምዘይኮነ ይምጕቱ።
እታ ሓላፊት ኣህጕራዊ ትካል ገንዘብ ብዛዕባ ቅልውላው ዋጋ መነባብሮ ክትዛረብ እንከላ፡ "ክልተ ቀዳምነታት ኣለዉ፣ ሓደ እቶም ምስዚ እናዓረገ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋ መግብን ጸዓትን ዝቃለሱ ዘለዉ ኣዝዮም ድኻታት ክፋል ሕብረተሰብ እዮም፡" ኢላ።
እቲ ካልኣይ ድማ፡ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን "ዝያዳ ዝተሃስየ" ጽላት ንግዲ ንምድጋፍ ምዃኑ ወሲኻ ገሊጻ።
ኣህጉራዊ ትካል ገንዘብ ምስ መንግስታት ብምትሕብባር፡ ቁጠባ ዓለም ንምርግጋእን ብልጽግና ንምድራኽን እዩ ዝሰርሕ።
ይዅን እምበር፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ፡ ዋጋታት መግቢ ክብረወሰን ብዝሓዘ መጠን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ብምብጽሑ፡ ዋጋታት ነዳድን ጋዝን'ውን ብሓያል ናህሪ ስለዝወሰኸ፡ ንዓለም በዳሂ ኰይኑ ይረአ ኣሎ።
እዚ ድማ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዓለም ዝተኸስተ ማንታ ሓደጋታት፡ ማለት ለበዳ ኮሮናቫይረስን ኲናት ዩክረይንን ዝሰዓበ እዩ።
ሩስያን ዩክረይንን ቀንዲ ሰደድቲ ኣእካልን ሃይድሮካርቦንን እየን ነይረን።
ስክፍታታት ቍጠባዊ ምንቁልቋል
ኣገዳስነት ናይዞም ንብረታት ኣብ ዓለማዊ ቁጠባ፡ ዓመታዊ መጠን ዝቕባበ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃኡ ክበጽሕ ገይርዎ ኣሎ። በዚ መሰረት ኣብ ብሪጣንያ 9%፡ ኣብ ኣሜሪካ 8.3%፡ ኣብ ኤውሮጳ ድማ 7.4% ተራእዩ'ሎ።
ማእከላይ ባንክታት፡ ናህሪ ዋጋታት ንምህዳእ፡ መጠነ-ወለድ ብምውሳኽ ክቃለሳ ይርኣያ ኣለዋ። እዚ ግን ሓደጋ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ከስዕብ ከም ዝኽእል ብኣጋኡ መጠንቀቕታታት ይቐርበሉ'ሎ።
ጆርጅዮቫ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምስጋር ዝተወስደ ገዚፍ ዕዳታት ክመልሳ ኣብ ዝግደዳ ሃገራት ዘስዕቦ ጽልዋ'ውን ኣተሓሳሳቢ ምዃኑ ስክፍታኣ ገሊጻ'ላ።
እዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስታት ንእንታይነትን ከመይነትን ዝገብርዎ ወጻኢታት "ኣዝዮም ጥንቍቓት ክዀኑ፡" ኣተሓሳሲባ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ኣኼባ ሚኒስተራት ፋይናንስ 'G-7'፡ ጸገማት ምንቁልቋል መነባብሮ እቲ ዝለዓለ ትዅረት ዝተዋህቦ ላዕለዋይ ኣጀንዳ ነይሩ።
ኣኼባ ጕጅለ-7 ሃብታማት ሃገራት፡ "ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን፡ ዝተጸንዐ ደገፍ ብምሃብ፡ ኲናት፡ ብደረጃ ዓለም ከምኡ'ውን ኣብ ቁጠባናን ህዝብናን ዘስዕቦ ጽልዋ ንምንካይ ብሓባር ክንሰርሕ፡" ብዝብል መብጽዓ ተዛዚሙ።
ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ፡ መንግስታት፡ ዋጋ መነባብሮ ንምንካይን ዝተፈላለዩ ምትእትታዋት ክገብሩ ፈቲኖም እዮም።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ባይደን ካብ ዕቑር ሃብቲ ነዳዲ ኣውጺኡ ዋጋታት ንምውራድ ፈቲኑ፤ ስጳኛን ፖርቱጋልን ንሕሳብ ጋዝ ባዕለን ሸፊነናኦ ኣለዋ፤ እዚ ጕዳይ ኣብ ምርጫ ኣውስትራልያ 'ውን መሪሕ ዛዕባ ኰይኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ቻንስለር ሪሺ ሱናክ፡ ገለ ለውጢታት ኣብ ቀረጽ ክገብር፣ እተን መኽሰባተን ዝዓርግ ዘሎ ኩባንያታት ጸዓት ዝኸፍላኦ ግብሪ'ውን ክውስኽ ይሓስብ ኣሎ።
እቲ ብሰንኪ ዘይቅኑዕ ደገፍ መንግስቲ ኣብ ስሪላንካ ዝተራእየ ተቓውሞ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክድገም ከምዝኽእል ከኣ ጆርጅዮቫ ስክፍታኣ ገሊጻ'ላ።
ብሰንኪ ምውሳኽ ዋጋታት ዝተቓወሰ ቁጠባዊ ቅልውላው ስሪላንካ፡ ንቐታሊ ናዕቢ፣ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ከኣ 'ዕዳታት ዘይምኽፋል' ደሪኹ ኣሎ።
እታ ሓላፊት IMF፡ ከምዚ ዓይነት ተመሳሳሊ ናዕቢ፡ ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ካብ ፈረንሳ ክሳብ ቺለ፡ "ስምዒት ዘይምዕሩይነት እናዓበየ ብምምጽኡ" ን ብዘይ ደገፍ ህዝቢ ዝውሰዱ ውሳነታትን ዝፈጠሮ እዩ፡ ኢላ ።
"ካብ ተመኵሮ 2019 ክንመሃር እንተዄንና፡ ኣብ እንውስኖም ፖሊሲታት ኣዚና ምቕሉላት ክንከውን የድሊ፣ ብብዙሕ መንገዲታት ድማ ምስ ህዝቢ ክንዋሳእ ይግባእ፣ ምኽንያቱ ፖሊሲታት ንህዝቢ እምበር ኣብ ወረቐት ዝሰፍሩ ጥራይ ኣይኰኑን፡" ትብል።
ንዓለም ምምጋብ
ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኣህጕራዊ ትካል ገንዘብን ባንኪ ዓለምን ዝርከብዎ ሓደ ጕጅለ ኣህጉራውያን ኣካላት ልምዓት፡ ኣብ መላእ ዓለም ይርአ ንዘሎ ሓደጋጋት ውሕስነት መግቢ ንምቅላስ ዓቢ ውጥን ኣበጊሱ'ሎ።
እዚ ብክፍሊ ገንዘብ ኣሜሪካ ጃኔት የለን ዝተመርሐ፡ "ዋጋታት ዓለማዊ ዕዳጋ መግብ ከምኡ'ውን ድኹዒ ምውሳኽ፡ ሰባት ንኽጠምዩ ሓደጋ ኰይኑ'ሎ፡" ብምባል ንኣገዳስነት እቲ ውጥን ገሊጻ።
ጆርጅዮቫ፡ ኣብ ዓለም ብዙሕ መግቢ'ኳ እንተሃለወ፡ ብማዕረ ከምዘይዕደል ግን ገሊጻ።
መፍትሒኡ፡ ኣብ ዝከኣለሉ ቦታ ዝያዳ ኣእካል ምፍራይ'ኳ እንተዀነ፡ "ብሰንኪ ኲናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ክሊማዊ ለውጢ" ኣብ ኣፍራይነት ሕርሻ ዝያዳ ኣተኲርካ ምስራሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲባ።

ምንጪ ስእሊ, NurPhoto / Getty Images
ብተወሳኺ፡ "ንግዲ ክፉት ኰይኑ ክቕጽል ኣለዎ፣ ሃገራት ካብቲ ዘድልየን መጠን መግቢ ንላዕሊ ክኽዝና ኣይግባእን፣ መግቢታት ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ንምግዕዓዝ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩ ኵነታት'ውን ከነወግድ ይግባእ፡" ኢላ።
ህንዲ ኣብ ዓለም ካልኣይቲ ዝዓበየት ኣፍራይት ስርናይ ኰይና፡ ንገለ ካብቲ ዩክረይን ፍርያታ ክትሰድድ ብዘይምኽኣላ ዘጋጠመ ሕጽረት ንምምላእ ሰደት ክትገብር ትጽቢት እናተገብረ፡ ሰደድ ኣጊዳ ኣላ።
መንግስቲ ህንዲ ግን፡ ኣብ ገለ እዋን እዚ እገዳ ሰደድ ስርናይ ክኽለስ ከምዝኽእል ይገልጽ።
"ብሓቂ፡ ዳግማይ ክሓስብሉ ምለመንክዎም፣ እዚ ንዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ከቢድ ኵነታት'ዩ፡" ትብል ጆርጅዮቫ።
"ህዝቦም ክምግቡ ከምዝግባእ ርዱእ'ዩ። ግን ኵላትና ብሕብረት ንዋሳእ፣ ከምኡ ምስ እንገብር ጥራይ እዩ ነዚ ቅልውላው ክንሰግሮ ዕድል ዘለና።"





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







