ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ዝቕባበ መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ኣጋጢሙ

ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ዝቕባበ መሰረታዊ ሸቐጣት ምግቢ ኣጋጢሙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ምኽሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሸቐጣት ምግቢ ልዑል ዝቕባበ ዋጋ ከም ዝተርኣየ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣፈጻጽማ ቁጠባ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ገምጊሙ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ብሰንኪ ልዑል ምውሳኽ ዋጋታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ፈተናታት ይገጥሞ ከም ዘሎ ሓቢሩ።

ኣብ ሸቐጣት ምግቢ ኣዝዩ ልዑል ምውሳኽ ዋጋ ከም ዝተመዝገበ ዝሓበረ እቲ ባይቶ፡ እዚ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ እንትነፃፀር፡ 36.6 ሚእታዊት ከም ዝተመዝገበ ገሊፁ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ምውሳኽ ዋጋ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ብዙሓት ስጉምትታት እኳ እንተተወሰዱ፡ ብናይ ውሽጢ ሃገርን ዓለም ለኻውን ምኽንያታት እቲ ዝድለ ውፅኢት ኣይመፀን ኢሉ።

ለበዳ ኮሮናቫይረስ፣ ምውሳኽ ዋጋ ጥረ ኣቑሑ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘጋጠሙ ጎንፅታትን ኵናት ሩስያን ዩክሬንን ዘስዓቦ ዓለምለኻዊ ክብሪ ዋጋታት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምንሃር ዋጋታት ንክዛይድ ከም ዝደረኸ ሓቢሩ።

መንግስቲ ነዚ ምውሳኽ ዋጋታት ንምቁፅፃር ዝተፈላለዩ ስጉምትታ ይወስድ ኣሎ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፡ ወፃእታት መንግስቲ ብኣታዊ ውሽጢ ዓዲ ምሽፋን፣ ስርዓት ግብሪ ምዝማንን ኣብ ግብሪ ዝተፈላለዩ ምምሕያሽን ዝበሉ ስጉምታት ኣብ ቀፃሊ ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ኢሉ።

ምግቢ ተንከፍ ዝኾኑን መሰረታዊ ሃለኽቲ ሸቐጣትን፡ ብኣሰራርሓ ፍራንኮ ቫሉታ (ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ዳላር ዘለዎም ውልቀሰባት ብናይ ባዕሎም ገንዘብ ሸቐጣት ናብ ውሽጢ ሃገር ኣእትዮም ዝሸጥሉ መስርሕ) ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣታዊ ክኾኑ ከም ዝተፈቐደ ገሊፁ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ቀረብ ዕድጊታት ኣፋውስ፣ ነዳዲ፣ ማዳባርያ፣ ዘይትን ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ንክሳለጥ ስጉምቲ ከም ዝውሰድ ተገሊፁ።

ኣብ ጉዳይ ነዳዲ ድማ፡ ንኹሉ ካብ ዘካተተ ናይ መንግስቲ ድጎማ ቀስ ቀስ ብምውፃእ፡ ድጎማ ንዘድልዮም ኣካላት ጥራሕ ክኸውን ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ።

ቤት-ምኽሪ ማክሮ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ብተፈጥርኣውን ሰብ ሰራሕን ሓደጋታት ኣዝዩ ይፍተን ከም ዘሎ ብምግላፅ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኵናትን ድርቅን ድማ ቀንዲ ፀለውቲ ምኽንያታት ከም ዝኾነ ገሊፁ።

እንተኾነ ኣብ ፈለማ ክልተ ርብዒ ዓመታት ዝተመዝገበ ዕብየት መሰረት ብምግባር፡ ሓፈሻዊ ምህርቲ ውሽጢ ዓዲ ብማእኸላይ ብ 6.6 ሚእታዊት ክዓብይ ትፅቢት ይግበር።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ልቓሕን ቁጠባን እታ ሃገር ወሰኽ ከም ዝተርኣየ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፡ ጠቕላላ መጠን ቁጠባ ባንክታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ዝነበረ ተመሳሳሊ እዋን እንትነፃፀር፡ ብ25 ሚእታዊት ዛይዱ 1.6 ትሪልየን ብር ከም ዝበፅሐ ተገሊፁ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ፡ ካብ ንግዲ ወፃኢ 2.95 ቢልየን ዶላር ከም ዝተረኸበን ካብዚ እቲ 2.05 ቢልየን ዶላር ካብ ሰደድ ፍርያታት ሕርሻ ዝተረኸበ እዩ ተባሂሉ።

ዓውዲ መዓድን ድማ 453 ሚልየን ዶላር ከም ዝተረኸበ ተሓቢሩ።