ኲናት ዩክረይን፡ ብዲፕሎማሲ ጥራይ'ዩ ክውዳእ ዝኽእል - ፕረዚደንት ዘለንስኪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዩክረይን፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብ"ዲፕሎማሲ" ጥራይ እዩ ከብቅዕ ዝኽእል ኢሉ።
ንሱ፡ ብሃገራዊ ተሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ዩክረይን ኣብ ዓውደ ውግእ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዓወት ከተመዝግብ ትኽእል እያ ክብል ተዛሪቡ።
ይዅን'ምበር፡ "እዚ ኲናት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ብዝግበር ዝርርብ ጥራይ እዩ" እዩ መኸተምታ ክረክብ ዝኽእል ኢሉ።
ኣብ ቀረባ፡ ሓይልታት ሩስያ ምሉእ ዞባ ሉሃንስክ ንምቍጽጻር ብዘካይድዎ ዘለው ወፍሪ፡ ኣብ ጥቓ ሲቨሮዶንትስ ጽዑቕ ውግእ ይካየድ ኣሎ።
ኣብ ወደባዊት ከተማ ማሪዩፖል ዝካየድ ዝነበረ ውግእ፡ ወተሃደራት ሩስያ ናብ ዝደለይዎ ኣንፈት ክግስግሱን ናብ ምብራቓዊ ሸነኽ ዩክረይን ወፍሪ ክገብሩን ኣኽኢልዎም ኣሎ።
ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ሰርሂ ሃይዳይ፡ ሩስያውያን ንሲቨርዶንትስ "ኣዕኒዮምዋ እዮም" ኢሉ።
ንሱ ብቴሌግራም ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ግንባር 11 መጥቃዕታት መኪቶም፡ ሸሞንተ ታንክታት ሩስያ ድማ ኣዕንዮም ይብል። እንተዀነ፡ እዚ ብሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ እቲ ግጭት "ደማዊ ክኸውን'ዩ፡ ውግእ'ውን ክህሉ'ዩ፤ እንተዀነ ኵሉ ብዲፕሎማሲ እዩ ዝፍታሕ፡" ክብል ኣብቲ ብተሌቪዥን 'ታ ሃገር ዘሕለፎ መልእኽቲ ተዛሪቡ።
ይዅን እምበር፡ ክልተኦም ወገናት ሕድገት ክገብሩ ስለ ዘይደልዩ እዚ ኣማራጺ ቀሊል ኣይኮነን።
ብሰሉስ፡ እቶም ኣቐዲሞም ተጀምሪሮም ዝጸንሑ ዝርርባት ደው ኢሎም ምህላዎም ዩክረይን ገሊጻ ነይራ።
ኣብቲ ዝሰዓበ መዓልቲ ድማ፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፖስኮቭ፡ ሰብ መዚ ዩክረይን፡ እቶም ዝርርባት ክቕጽሉን ተጻብኦታት ደው ከብሉን ድልየት የብሎምን፡ ክብል ከሲሱ።
ማዕከን ዜና ሩስያ፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዝርርብ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ብ22 ሚያዚያ 2022 ከም ዝተኻየደ ሓቢራ።
ኣሜሪካ፡ ናብዚ መወዳእታ ዘይብሉ ኲናት፡ ተወሳኺ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን ሓገዝ ንዩክረይን ትልእኽ ኣላ።
ፕረዝደንት ጆ ባይደን፡ ንዩክረይን፡ 40 ቢሊዮን ዶላር ሓገዝ ንምሃብ ዝቐረበ ሓሳብ ብቐዳም ፈሪሙ። እዚ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝወሃብ ሓገዝ፡ ወተሃደራውያን መካይንን ኣጽዋራት ጸረ-ነፈርትን ዝውዕል ሽዱሽተ ቢሊዮን ዶላር ዘጠቓልል'ዩ።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓገዝ፡ "ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ዘድሊ" ብምባል ምስጋናኡ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ፕረዝደንት ባይደን ካብቶም ንሓዋሩ ናብ ሩስያ ከይኣትው ዝተኸልከሉ ልዕሊ 900 ኣሜሪካውያን ሓደ ኮይኑ ኣሎ።
እዚ ክልከላ፡ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ሓላፊ ሲኣይኤ ዊልያም ቡርንስን ካልኦት ኣማኢት ኣባላት ኮንግረንስን ይርከብዎ።
ብኻልእ ወገን፡ ሩስያ ንፊንላንድ ትሰዶ ዝነበረት ነዳዲ ኣቋሪጻ'ላ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







