ኲናት ዩክሬን፡ ዋና ጸሓፊ ጉተረስ ኣብ ዑደት ኣብ ዝነበረሉ ኪቭ ብሮኬት ተሃሪማ

ፕሬዝደንት ዜሌንስኪ ምስ ዋና ጸሓፊ ጉተሬስ ኣብ ኪቭ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኪቭ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ምብጻሕ እናገበረ እንከሎ ናብታ ከተማ ሮኬታት ተተኲሶም።

ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ 'ሼቭቼንኮ' ዝተባህለ ከባቢ ክልተ ግዜ ሮኬት ከም ዝተተኮሰን ሰለስተ ሰባት ጕድኣት ወሪድዎም ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱን ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ።

ኣንቶንዮ ጉተረዝ፡ ኣብታ ከተማ ዑደት ኣብ ዝገብረሉ እዋን፡ ንባይቶ ጸጥታ እቲ ዝመርሖ ትካል ነቒፉ።

ጉተረዝ፡ እቲ ባይቶ ንኲናት ዩክረይን ደው ከብሎ ኣይክኣለን ብምባል፡ "እዚ ብጣዕሚ ዘሕዝንን ዘቘጥዕን እዩ" ክብል ኮኒኑ።

"ብግልጺ ክነግረኩም፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቲ ኲናት ደው ንምባል ንዓቕሙ ዝምጥን ጻዕሪ ኣይገበረን፡" ኢሉ።

እቲ 15 ኣባል ሃገራት ዝሓዘ ባይቶ ጸጥታ፡ ቀንዲ ስርሑ ሰላምን ድሕነትን ዓለም ምሕላው እዩ።

እንተዀነ እቲ ትካል፡ ነቲ ገና ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ክገትኦ ብዘይምኽኣሉ፡ መንግስቲ ዩክረይንን ካልኦት ኣካላትን ይነቕፉዎ ኣለው።

ሩስያ፡ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ እያ።

ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ ትማሊ ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ሓበራዊ መግለጺ ክህብ እንከሎ፡ "ክቡር ፕረዚደንት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተስፋ ከም ዘይቈረጸ ንዓኻን ንህዝቢ ዩክረይንን ከፍልጠኩም እደሊ፡" ኢሉ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፡ ነቲ ዝመርሖ ትካል እንተነቐፈ'ኳ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይህብ ምህላው ግን ጠቒሱ'ዩ።

ኣንቶኒዮ ጉተሬስ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዩክረይን 1400 ሰራሕተኛታት ብምውፋር መግብን ገንዘብን ዘጠቓልል ዝተፈላለዩ ሓገዛት ይገብር ከም ዘሎ ጉተረስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝበጽሐሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝፈጸመቶም "ገበናት ኲናት" ክርኢ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ።

ሩስያ "ዓሌታዊ ጭፍጨፋ" ትፍጽም ኣላ ክብል ከሲሱ። ሩስያ ግን ነዚ ከምዚ ዓይነት ክስታት ትነጽጐ።

ትማሊ ቦሮድያንካ ኣብ ዝተባህለ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ ከተማ ምብጻሕ ዝገበረ ጉተረዝ፡ በቲ ኲናት ዝዓነው ህንጻታት ተዓዚቡ።

"ኣብ መበል 21 ክፍለመዘን ዘይሕሰብ" ኲናት ክብል'ውን ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ።

ነታ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ብሩስያ ዝዓነወት ከተማ ማሪዮፖል ምስ ርኣየ ድማ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ንምድሓን ጻውዒት ኣቕሪቡ።

"መብዛሕትኦም ኣረጋውያን እዮም፣ ክንቀሳቐሱ ዘይክእሉ ኣለው። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከነድሕኖም ኣለና፡" ኢሉ።

ሩስያ፡ ኣዞቪስታል ኣብ ዝተባህለ ቍሸት ኢንዳስትሪ ዝነብሩ ሰላማውያን ሰባት ከምኡ'ውን ወተሃደራት ዩክረይን ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ መገዲ ክትከፍት፡ ብተደጋጋሚ ብዩክረይን ተሓቲታ እያ፤ ሩስያ ግን ኣይተቐበለቶን።

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ "ብመትከል" ሰላማውያን ሰባት ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከም ዘፍቀደ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።