ኲናት ዩክሬን፡ ሩስያ ናብ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋሪያን ትልእኾ ዝነበረት ጋዝ ኣቋሪጻ

ሩስያ ናብ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋሪኣን ትልእኾ ዝነበረት ነዳዲ ኣቋሪጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ምስ ኲናት ዩክሬን ብዝተሓሓዝ ኣብ ጎኒ ሃገራት ምዕራብ ንዝተሰለፋ ሃገራት ፖላንድን ቡልጋርያን ትልእኾ ዝነበረት ጋዝ ኣቋሪጻ።

ትካል ኢነርጂ ሩስያ ጋዝፕሮም ክልቲአን ሃገራት ነቲ ዝልኣኸለን ዝነበረ ጋዝ ክፍሊት ብመተዓዳደጊ ገንዘብ ሩስያ ክኸፍላ ፍቓደኛታት ስለ ዘይኮና እቲ ቐረብ ጋዝ ተቛሪጹ ኢሉ።

ቅድም ኢሉ ኣከፋፈልቲ ጋዝ ክልቲአን ሃገራት ሩስያ ጋዝ ምልኣክ ክተቋርጽ ከም እትኽእል ገሊጾም ነይሮም።

ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን "መሓዙት" ዘይኮና ሃገራት ንዝቕበልኦ ጋዝ ሩስያ ብሩብል ክኸፍላ ኣለወን ኢሉ እዩ።

እንተኾነ፡ ፖላንድን ቡልጋርያን ሓዊሱ ሃገራት ኤውሮጳ እዚ ሓሳብ ነጺገንኦ።

ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ብዝፈጸመቶ ወራር ብዝስዓበ እገዳታት ዝተዳኸመ ኣቕሚ መተዓዳደጊ ገንዘባ ንክትውስኽ'ዩ ብሩብል ክኽፈላ ትሓትት ዘላ።

ቡልጋሪያ ግን፡ ጋዝ መሳርሒ ፖለቲካ ይኸውን ኣሎ ብምባል ንውሳነ ሩስያ ተቓዊማቶ።

ቡልጋሪያ፡ ናይዚ ወርሒ ናይ ጋዝ ክፍሊት ሙሉእ ንሙሉእ ከም ዝፈጸመት ብምግራጽ ኩባኒያ ጋዝፕሮም ዝኣተዎ ውዕሊ ኣየኽበረን ክትብል ከሲሳ።

"ብሰንኪ እዚ ኲናት ተፈጥሮኣዊ ጋዝ መሳርሒ ፖለቲካን ቁጠባን ይኸውን ኣሎ" ክብል ሚኒስትሪ ኢነርጂ ኣሉክሳንደር ኒኮሎቭ ተዛሪቡ።

ፖላንድ ብወገና ብዘይ ጋዝ ሩስያ ክቕጽል እየ ኢላ።

ትካል ጽዓት ፖላንድ ፒጊኤንኣይጂ ናብታ ሃገር ዝኣቱ ዝነበረ ቀረብ ነዳዲ ከም ዝተቛረጸ ኣረጋጊጹ።

እቲ ትካል፡ 80 ሚኢታዊት ክዙን ጋዝ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ዋዒ ዝርኣዮም ኣዋርሕ ይመጽኡ ስለ ዘለው ጠለብ ጋዝ ክንኪ'ዩ ብምባል ሩስያ ትልእኾ ዝነበረት ጋዝ ምቁራጹ ነታ ሃገር ዓብዪ ስግኣት ከም ዘይኮነ ሓቢሩ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ፡ ስጉምቲ ሩስያ "ዘይቅቡልን ዘይምኹንኑይን" እዩ ዝበለ ኮይኑ ሩስያ ዘይተተኣማምን ኣቕራቢት ጋዝ ምዃና ዘርኢ እዩ ኢሉ።