ኣብ 2050 እንታይ ዓይነት መግብታት ክንምገብ ንኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተመራመርቲ፡ ኣብ 2050 ኣብ ዝርዝር እንበልዖም መግብታት ክንረኽቦም እንኽእል ብብዝሒ ዘይፍለጡ ዓይነታት መግቢ ወግዓዊ ገይሮም ኣለው።
ኣብ መጻኢ፡ ብልምዲ 'ፎልስ ባናና' እናተባህለ ዝጽዋዕ ተኽሊ እንሰት ቈሪስና ፍረ ተኽሊ ፓንዳነስ ክንምሳሕ ንኽእል።
ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ውሑዳት ዓይነታት ዘራእቲ ጥራይ ምምርኳስ ሓደገኛ ምዃኑ ኣርእዩና'ሎ።
90 ሚእታዊት ካሎሪ ካብ ዘራእቲ ከም ዝርከብ ሰብ ሞያ ሮያል ቦታኒ ጋርደንስ - ለንደን ይገልጹ።
ብኻልእ ወገን፡ ክሊማዊ ለውጢ፡ ኣብ ዓለም ምንካይ ምህርቲ ዘራእትን ናህሪ ዋጋታትን ብምስዓብ ከቢድ 'ቅልውላው መግቢ' ከጋጥም ምኽንያት ይኸውን ኣሎ።
ስለዚ፡ እቲ እንምገቦ ብዓይነቱ ዝተፈላለየ ክኸውን ምግባር ጥምየት ንምውጋድ፣ ምጥፋእ ህይወታዊ ብዙሕነት ንምቕራፍን ክሊማዊ ለውጢ ንምልማድን ዝሕግዝ ሓደ መፍትሒ እዩ ክብል፡ ተመራማሪ ሮያል ቦታኒ ዶክተር ሳም ፒሪኖን ተዛሪቡ።
"ኣብ ዓለም ብዙሓት ክብልዑ ዝኽእሉን ዝተፈላለዩ ህዝብታት ዝበልዑዎምን ዓይነታት መግቢ ከም ዘለው ንፈልጥ ኢና። በዚ ኸኣ እቶም ንዓለም ዝገጥምዋ ዘለው ግድላት ምብዳህ ዝከኣለሉ መፍትሒ ክመጽእ ይኽእል'ዩ፡" ኢሉ።
ካብቶም ክብልዑ ዝኽእሉ ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ዓይነታት መግቢ፡ እቶም 417 ጥራይ'ዮም ብብዝሒ ዝፈርዩን ንመግብነት ዘገልግሉን።
ተኽሊ ፓንዳነስ
እዚ፡ ካብ ደሴታት ፓስፊክ ክሳብ ፊሊፒንስ ኣብ ከባቢታት ገምገም ባሕሪ ዝፈሪ ተኽሊ እዩ።
ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ደቡብ ምብራቕ ኤስያ፡ ቆጽሊ እዚ ተኽሊ ጣዕሚ ዘለዎም መግቢታት ንምስራሕን ንምምቃርን የገልግል።
እቲ ንኣናናስ ዝመስል፡ ፍረኡ ድማ፡ ብጥርኡ ወይ'ውን ኣብሲልካ ክብላዕ ዝኽእል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ተኽሊ፡ ደርቂ፡ ሓያል ንፋስን ጨዋም ካፋን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም ኣጸገምቲ ኵነታት ክጻወር ይኽእል።
ተመራማሪት ሮያል ቦታኒ ዶክተር ማርያበል ሶቶ ጐመዝ፡ "እዚ፡ ክሊማ ዝጻወርን ሃናጺ ትሕዝቶ ዘለዎን ጥዑምን መግቢ'ዩ። ኣብ መላእ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኣጸጋሚ ኵነታት ክዓቢ ዝኽእል ተኽሊ'ዩ፡" ኢላ።
ባልደንጓ [Beans]
ባልደንጓ ወይ ጥረታት፡ ኣብ መጻኢ ኣገዳሲ ዓይነት መግቢ ክዀነና ዝኽእል እዩ።
ቀዳማይ ነገር ዋጋኡ ሕሱር'ዩ፣ ኣብ ርእሲኡ ልዑል ትሕዝቶ ፕሮቲንን ቫይታሚናት ቢን'ውን ኣለዎ።
ኣብ ዓለም 20 ሽሕ ዓሌታት ኣእካል ጥረ ኣለው፤ ግን ካብዚ እቲ ውሑድ ኢና ንጥቀም ዘለና።
ተመራመርቲ፡ ሕጂ'ውን ገና ዘይፈለጥናዮም ኣማኢት ዓይነታት ኣለው ይብሉ።

ሞራማ ቢንስ፡ [ዓይነት ባልደንጓ]፡ ኣብ ዝበዝሑ ከባቢታት ቦትስዋና፡ ናሚቢያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝርከብ ዓይነት ኰይኑ፡ ምስ ዕፉን ክበስል ዝኽእል፣ ኣጥሒንካ ንገዓት ወይ ዝስተ ኮካ መሳሊ መስተ ንምስራሕ ዝኸውንን እዩ።
ኵሎም ኣእካል ጥረ ግን ዝብልዑ ስለ ዘይኮኑ፡ ተመራመርቲ ኣየኖት ዓይነታት ብዝሓሸ መገዲ ንመግቢ ክውዕሉ ይኽእሉ ኣብ ዝብል የጽንዑ ኣለው።
እኽሊ በረኻ [Wild cereals]
ካብ ሳዕረ-ማዕሪ ዝርከቡ ኣእካል፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ዓሌታት ኰይኖም ንመጻኢ መግቢ ክኸውን ዝኽእል ኣማራጺታት ኣለዎም።
ፎኒዮ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ብልጹግ ዝትሕዝቶኡ ዓይነት እኽሊ ኰይኑ፡ ገዓትን ዝስተ ነገራትን ንምስራሕ ይጠቅም።
እዚ ብቐሊሉ ኣብ ከባቢኻ'ውን ክበቁል ዝኽእልን ደረቕ ኵነታት ኣየርን ዝጻወር እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ባናና መሰል፡ False banana
'እንሰት' ወይ 'ፎልስ ባናና' እናተባህለ ዝጸዋዕ፡ ምስ ተኽሊ በናና ኣዝዩ ዝመሳሰለን ምትእስሳር ዘለዎ ተኽሊን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ደቡብ ጥራይ ንመግቢ የገልግል።
እቲ በናና ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ እንሰት፡ ፍረኡ ዝብላዕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ብካርቦሃይድረይት ዝበልጸገ ከምዝዀነ'ዩ ዝንገረሉ። ሰራውርን ጉንድን'ቲ ተኽሊ ገዓትን ሕብስትን ንምስራሕ ይጠቅም።
መጽናዕታት ድማ፡ እዚ ተኽሊ ኣብ እዋን ሓደጋ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ሰባት ክቕልብ ይኽእል፡ ይብሉ።
![ሙዝ [ጸጋም] ፎልስ ባናና [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/6D57/production/_122919972_ensetandbanana22.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, RBG Kew





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







