ተኽሊ እንሰት፡ 100 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ኣለዎ ተባሂሉ

ምንጪ ስእሊ, RBG KEW
ተመራመርቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቦቅል እንሰት፡ ነታ ናይ መግቢ ቅልውላው ተተኣናግድ ዘላ ዓለም መድሕን ክኸውን ዝኽእል ተኽሊ ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ሙዝ ዝመስል ፍረ ዘለዎ ተኽሊ ኣብታ እናሞቐት ትሓድር ዘላ ዓለም፡ ልዕሊ 100 ሚሊዮን ህዝባ ናይ ምምጋብ ዓቕሚ ከምዘለዎ ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ።
እዚ ካብ ኢትዮጵያ ወጻኢ ብዙሕ ዘይፍለጥ ተኽሊ ብገዓትን ቆጮን [ምስ ክትፎ ዝቀርብ] መልክዕ ዝስናዳእ እዩ።
እቲ ሓድሽ መጽናዕቲ ከምዘርእዮ፡ እቲ ተኽሊ ኣብ ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ክፈሪ ዝኽእል እዩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ መምህር ዝኾነ ዶክተር ወንዳወርቅ አበበ "እዚ ተኽሊ ውሕስና ምግቢ ኣብ ምርግጋጽን ዘለቕነት ዘለዎም ናይ ልምዓት ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዓቢ ግደ ክጻወት ይኽእል እዩ”ኢሉ ።
እዚ ብልምዲ ‘ፎልስ ባናና’ እናተብሃለ ዝጸዋዕ ምስ ተኽሊ ሙዝ ኣዝዩ ዝመሳሰለን ምትእስሳር ዘለዎን እንተኾነ’ኳ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተወሰነ ከባብታት ደቡብ ጥራይ እዩ ንኣገልግሎት ምግቢ ዝውዕል።
እቲ ሙዝ ዝመስል ቅርጺ ዘለዎ ፍረ እንሰት ዝብላዕ እንተዘይኮነ’ኳ፡ ብካርቦሃይድሬት ዝበልጸገ ከምዝኾነ ዝንገረሉ፡ ናይቲ ተኽሊ ሰራውርን ጉንድን ገዓትን ቆጮ ንምስራሕ ኣብ ረብሓ ይውዕል፥።
ቀንዲ ምግቢ
እንሰት ኣብ ኢትዮጵያ ንኣስታት 20 ሚሊዮን ዝኸውን ህዝቢ ቀንዲ ምግቢ እንተኾነ’ኳ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክፈሪ ኣይረአን።
ምስ እንሰት ተመሳሳልነት ዘለዎም ኣትክልቲ ክሳብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝቦቕሉ ዝተረጋገጸ ኾይኑ፡ እንተኾነ ከምኡ ንምግብነት ዝውዕሉ ኣይኮኑን።
እቲ ተኽሊ ግና ሰፊሕ ቦታ ብምሽፋን ሓያል ድርቂ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርኢ እዩ ተባሂሉ።
ተመራመርቲ፡ ናይ ግብርና ተወሳኽቲ ስራሕቲ ብምስራሕ ኣብ መጻኢ ኣርባዕተ ዓመታት እቲ ተኽሊ ከወፍዮ ዝኽእል ዓቢ ኣስተዋጸኦ ኣንፊቶም።
እቲ ተኽሊ፡ ልዕሊ 100 ሚልዮን ህዝቢ ናይ ምቕላብ ዓቕሚ ዘለዎ ኾይኑ፡ ካብ ኢትዮጵያ ሰጊሩ፡ ኣብ ኬንያ፣ ኡጋንዳን ሩዋንዳን ኣብ ዝኣመሰሉ ሃገራት ኣፍሪቃ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋጽ ከምዝጠቅም ሓቢሮም።
ኣብ ሮያል ቦታኒክ ጋርደንስ- ኪው ዝተብሃለ ትካል ምርምር ሕርሻ፡ ተመራማሪ ዝኾነ ዶክተር ጄምስ ቦረል
እንሰት ኣብ ኣጸጋሚ ወቕቲ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋጽ ከም መከላኸሊ ዝጠቅም ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
"እንሰት ካብ ካልኦት ዘራእቲ ዝፈልዩዎ ኣዝዮም ዘይተለምዱ ብዙሓት ባህርያት ኣለውዎ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, RBG KEW
ነዚ እንተረድእ፡ "ኣብ ዝኾነ እዋን ክትከል ዝኽእል ፣ እቲ ምህርቱ ብቐሊሉ ምእካብን ንነዊሕ እዋን ምዕቛርን ዝከኣልን እዩ። ነዚ እዩ ድማ ኣንጻር-ጥሜት ዝብል መጸውዒ ዝረኸበ "።
ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ኣፍሪቃ ኪነ ኣብ ካልእ ኣህጉራት ዓለም ኣብ ፍርያት እኽልን ኣብ ምዝርጋሕ ሕርሻዊ ምህርትን ልዑል ጸቕጢ ክፈጥር ከምዝኽእል እዩ ካብ ብሓዚኡ ዝግመት።
ነዚ እዩ ድማ፡ ነቲ ኣብ ውሑዳት ዘራእቲ ጽግዕተኛ ዝኾነ ህዝቢ ዓለም ካልኦት ኣትክልቲ ኣብ ምእላሽ ተጸሚዱ ዘሎ።
ካብቶም መዓልታዊ እንገቦም ምግብታት፡ ፍርቂ ዝኣክል ካሎሪ ካብ ሰለስተ ዘራእቲ ማለት’ውን ካብ ሩዝ፣ ስርናይን ዕፉንን [ዒልዎ/መሸላባሕሪ] ኢና ንረኽቦ።
ዶክተር ጄምስ ቦሬል፡ "ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ዘራእቲ ብኣጻብዕቲ ዝቑጸሩ ስለዝኾኑ፡ ብዓለምለኸ ብርኪ እንጥቀሞም ዓይነታት ኣትክልቲ/ኣእኻል ክሰፍሑ ኣለዎም” ኢሉ።
እዚ መጽናዕቲ ኢንቫይሮመንታል ሪሰርች ሌተርስ ኣብ ዝተብሃለ መጽሄት ዝተሓተመ እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







