ሰባት ስለምንታይ'ዮም ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ጽዩፍ ቪድዮታት ዝርእዩ?

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ቪድዮ ግብረ ጽዩፍ ዝርኢ ዘሎ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Emma Hermansson

መግለጺ ስእሊ, እዚ ስእሊ፡ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ኮይኑ ቪድዮ ግብረ ጽዩቭ ይርኢ ናይ ዝነበረ ስእሊ'ዩ ተባሂሉ ናብ ቢቢሲ ዝተላእኸ ስእሊ እዩ

ብሮንውን ሪድ፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰብ ዝገብሮ ኣብ ቤተ ንባብ (ላይብራሪ) ኮይና ከተጽንዕ ትኸይድ። እንተኾነ ኣብ መንጽራ፡ ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኮምፒዩተር እቲ ቤተ ንባብ ጽዩፍ ቪድዮታት[ፖርኖግራፊ] እናርኣየ ተዓዚባቶ።

"ሰንቢደ፤ ሽዑ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣይፈለጥኩን" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።

እዛ ጓል 21 ዓመት ተቐማጢት ማንቸስተር እቲ ክስተት "ሃንደበታዊ" ጥራይ መሲሉዋ ነይሩ። ድሕሪ ሰሙናት ክትምለስ እንከላ ግን ተመሳሳሊ ሰብኣይ ተመሳሳሊ ነገር ክገብር ረኺባቶ።

ልክዕ ከም ብሮንዊን ካልኦት'ውን ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ኣውቶብስን ናይ ከተማ ባቡርን ብዛዕባ ዘጓነፉዎም ተመሳሳልቲ ነገራት ይዛረቡ'ዮም።

ኣብ ቀረባ ሳምንታት፡ ኣባል ባይቶ ብሪጣንያ ዝኾነ ኔል ፓሪሽ ኣብ ውሽጢ ባይቶ ኣብ ቴሌፎኑ ኣጸያፊ ቪድዮ (ፖርን) ብምርኣዩ ካብ ስርሑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር

ፓሪሽ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት "እቲ ዝገርም ነገር፡ ኣብቲ ዝኸፈትኩዎ ገጽ ትራክተራት እየ ዝርኢ ነይረ። ካብኡ ተመሳሳሊ ሽም ናብ ዘለዎ ካልእ ድረገጽ ኣትየ ንዝተወሰነ ግዜ ርእየዮ፤ ክገብሮ ኣይምተገብአን። ናተይ ዓብዪ ገበን ንኻልኣይ ግዜ ተመሊሰ ምርኣየይ እዩ" ኢሉ።

ከም ጸብጻብ ቤትጽሕፈት ምክትታል መራኸቢታታት ብሪጣንያ - ኦፍኮም፡ ፍርቂ ኣባጽሕ ዓዲ ኢንግሊዝ ፖርን ይርእዩ።

ስለ ምንታይ'ዮም ሰባት ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ከምዚ ዓይነት ቪድዮ ዝርእዩ ክንብል ንክኢላ ስነ ልቦና ዶክተር ፓውላ ሆል ተወኪስናያ።

ንሳ፡ ኣብ ማእከል ላውረል፡ ምስ ውሉፋት ጾታዊ ርክብን ፖርኖግራፍን እትሰርሕ ክኢላ ሕክምና ስነልቦና እያ።

ወልፊ

ዶክተር ሆል፡ ኣብ መብዛሕትኡ ስርሓ ካብ ዝርኣየቶ ተበጊሳ እቲ ሓደ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል፡ ሰባት ንቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ውሉፋት ምዃኖም እዩ ትብል።

"ሰባት ንዝኾነ ነገር ውሉፋት ምስ ዝኾኑ ኩሉ ነገር ካብ ቁጽጽር ወጻኢ እዩ ዝኸውን"።

እቲ ወልፊ፡ ኣልኮል፣ ጠላዕ ወይ'ውን ናይ ጌም ጸወታታት ክኸውን ይኽእል፤ "ምስ ግዜ ግን ነዚኦም እትቆጻጸረሉ ዓቕሚ እናነከየ'ዩ ዝመጽእ" ኢላ።

ብሮንዊን

ምንጪ ስእሊ, Bronwen Reed

መግለጺ ስእሊ, ብሮንዊን፡ "ኣብ ቤተ ንባብ ብፍላይ ድማ ስድራቤትን ቈልዑን ኣብ ዘለውሉ ቦታ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን" ትብል

ብተወሳኺ፡ "ቪድዮ ግብረ ጽዩፍ ንምርኣይ ዝሓድረካ ጥሙሕ" ካብቲ "ኣይ፤ ድሓር ገዛ ምስ ኣተኹ ከርክበሉ'የ" እትብሎ ንላዕሊ ከም ዝኾነ ትዛረብ።

ዝኾነ ሰብ ውሉፍ ክኸውን እንከሎ "እቲ ከመዛዝን ወይ ክሓስብ ዝኽእል ክፋል ኣእምርኡ ይጠፍእ'ዩ" ትብል።

ባዕለ ንቕሓት

ካሉም ሲንግልተን፡ ኣብ ግላስጎው ኣብ ኣውቶብስ ተሰቒሉ ናብ ገዝኡ እናኸደ እንከሎ'ዩ ሓደ ወዲ "ፖርኖግራፊ እናረኣየ" ኣስተብሂልሉ።

እዚ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ፡ ዝኾነ ሰብ ኣብ ናይ ህዝቢ ቦታ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክገብረሉ ዝኽእል ምኽንያት ስለ ዘይርድኦ፡ መጀመርታ "ተጸይፉን ተደናጊሩን"።

"ልሙድ ዝኾነ ነገር ይመስል . . . ክኸውን ኣይግብኦን፤ ግን ኣካል መዓልታዊ ህይወቶም 'ዩ" ይብል።

ዶክተር ሆል፡ ሰባት ከምዚ ዓይነት ቪድዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝርእይሉ ምኽንያት ምናልባት "ካብ ሕጽረት ርእሰ-ንቕሓት ወይ ፍልጠት" ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል እዩ ክትብል ተረድእ።

"ኢቤይ ወይ ፌስቡክ እናርኣዩ ጸኒሖም፡ ንዝኾነ ፈለግ ጠዊቘም ናይ ግብረ ጽዩፍ ቪድዮ ዝኣትውሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ" ኢላ።

ኣውቶብስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ገለ ሃገራት "ከም ንቡር" ይወሰድ ምህላው ኣብ ልዕሊ ሰባት ጽልዋ የሕድር ከም ዘሎ ትገልጽ።

ቅድሚ ሕሉፍ ዓመታት ብምንጽጻር "ሕጂ ፖርኖግራፊ ብሰፊሑ'ዩ ዝርኣይ። ሓደ ሰብ ነዚ ቪድዮ ክርእዮ እንከሎ ካልኦት'ውን ከማይ ይርእዩ'ዮም ዘለው ኢሉ እዩ ዝሓስብ። ከም ንቡር ይውሰድ ኣሎ" ኢላ።

ብተወሳኺ፡ ውሑዳት እኳ እንተኾኑ፡ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ዝርእዩ ገለ ሰብኡት፡ ነቲ ተግባር ከም መርኣዪ ሓይሎም ከም ዝጥቀምሉ ትገልጽ።

ነዚ ኣመልኪቱ " 'ናይ ምርኣይ መሰል ኣለኒ' ዝብል ሓደ ግጉይ ርድኢት ኣሎ" ካብ ዝብል ውልቃዊ ድልየት "ካልኦት ጽቡቕ ከይስምዖም ይገብር ኣለኹ'የ" ዝብል ስምዒት ዘይብሎም ክኾኑ ከም ዝገብሮም ሓቢራ።

ኣመል

ሰባት ካብ ንኡስ ዕድሚኦም ኣትሒዞም ንቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ዝተቓልዑ እንተኾይኖም፡ ዓብዮም'ውን ጽልዋ ከሕድረሎም ከም ዝኽእል ዶክተር ሆል ትገልጽ።

"ዳርጋ ኩሉ ባህርያትና፡ እቲ ዝኾነ ነገር እንጅምረሉ ዕድመ ኣብ ቀጻሊ ስብእናና ናይ ባዕሉ ተራ ኣለዎ። ሓደ ኣመል ወይ ልምዲ ድማ ይለምደካ ምህላው እንተዘይ ኣሰትብልካሉ ድሒሩ ክትስዕሮ ከቢድ ዩ" ኢላ።

ብሮንዊን፡ ኣብ ቤተ ንባብ ብፍላይ ድማ ስድራቤትን ቈልዑን ኣብ ዘለውሉ ቦታ ቪድዮታት ግብረ ጽዩፍ ምርኣይ ግቡእ ኣይኮነን ትብል።

"ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ወይ ህዝባዊ ቦታታት ከምዚኦም ዝበሉ ነገራት ክፍጠሩ እንከለው ውሑስ ኣይኮነን። ካልኦት'ውን ጽቡቕ ከይስምዖም'ዩ ዝገብር"።

ዶክተር ሆል፡ ሕጽረት ባዕላዊ ንቕሓት ካልኦት ሰባት የሕርቕ ወይ መሰሎም ይዳፋእ ኣለኹ ድየ ዝብል ንክትፈልጥ ከም ዘጸግካ ተረድእ።

"ገለ ሰባት፡ ከምዚ ዝበለ ቪድዮ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ምርኣይ ንኻልኦት ሰባት ጸያፍ ምዃኑ ዘንጊዖም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ትብል።

Presentational grey line