ሓደ ህንዳዊ 'ጽዩፍ' ዋዛ ብምዝርግሑ ተኣሲሩ

ምንጪ ስእሊ, Facebook
ወዲ 41 ዓመት ህንዳዊ ናይ ባጫ ዝመልኦ ጽሑፍ ትዊት ብምግባሩ ዳርጋ ንሓደ ወርሒ ዝኸውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሑ።
ኣብ ከተማ ደልሂ ዝቕመጥ ጠበቓን ኣብ ትዊተር ድማ ኣስታት 20,000 ሰዓብቲ ዘለዎ፡ ኣብሂጂት ኢየር-ሚትራ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ምብራቓዊ ግዝኣት ኦሪሳ ዝርከብ ናይ 13 ክፍለ ዘመን ቤተ መቕደስ ኮናርክ ድሕር ምብጽሑ ሓደ ዜናሹ ቪድዮ ዘርጊሑ።
ሰባት በቲ ኣብ ልዕሊ`ቲ ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበረ ቕርጻ ቕርጺ ዝሃቦ ጽዩፍ ርእይትኡ ኣዚዮም ኢዮም ተቖጢዖም።
ድሕሪ ናይ ህዝቢ ቁጠዐ ምስትብሃል ድማ፡ ኣብሂጂት፡ እቲ ዝሃቦ ርእይቶ ንመስሓቅ ኢሉ ከምዝገበሮን እቲ ስነ-ቕርጻ ድማ ኣዝዩ ግሩምን ብሉጽን ከምዝኾነ ገሊጹ።
እቲ ካልእ ዝገብሮ ትዊት ድማ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባትን ካልኦት ፍሉጣት ቤተ መቕደስን ኣላጊጹ።
ክልተ ነበርቲ እታ ከተማ "እቲ ብኣብሂጂት ዝተገብረ ትዊት ንስምዒት ናይቶም 40 ሚልዮን ነበርቲ እታ ብታሪኻዊ ቤተ መቕደሳታን ገማግም ባሕራን ጥዑም መግብታታን፡ እትፍለጥ ግዝኣት ኦሪሳ ሃስዩ ኢዩ" ክብሉ ንፖሊስ ጥርዓኖም ኣቕሪቦም።
ብዙሕ ክስታት
ኣብ ቤት ጸሎት ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ዓሌታትን ጽልእን ቅርሕንትን ብምጉስጓሱን ኣንጻር ገለ እምነታት ድማ ብምጽራፉን፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ድማ ረብሻ ብምፍጣሩን ተኸሲሱ ኣሎ።
ነቲ ናይ ጥንቲ ሓወልትታት ናይ ኮናርክ ቤተ መቕደስ፡ ሕጊ ብምጥሓስ፡ ብቪድዮ ብምቕድሑን ናይ ሓበሬታን ቴክኖሎጅን ሕጊ ብምጥሓስ፡ ዘለዓዕልን ጽዩፍን መልእኽቲ ብምዝርግሑን ተኸሲሱ ኣሎ።
እዚ ኩሉ ኣንጻሩ ዝቐረበ ክስታት ከይኣክል፡ ብስም ምጥፋእ`ውን ተኸሲሱ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ገበነኛ ኮይኑ እንተ ተረኪቡ፡ ክልተ ካብቶም ኣንጻሩ ዝቐረቡ ክስታት ናይ ብዋሕስ ምፍታሕ መሰል ኣይህቡን ጥራይ ዘይኮነ እንተተፈሪዱ ድማ ስጋብ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክማስን ኢዩ።
ድሕሪ`ዚ ኹሉ፡ ኣብሂጂት ብተግባራቱ ብምጥዓሱ ``ስለ ድንቁርናይ ክትሓድጉለይ ይልምነኩም`` ከም ዝበለ ጠበቓታቱ ይሕብሩ።
ዋል ይቅረ ይሕተት ፖሊስ ክፍረድ ኢዮም ዝደልዩ፡ እቲ ታሕተዋይ ቤት ፍርዲ ድማ ብዋሕስ ክፍታህ ዘቕረቦ ጠለብ ነጺግዎ ኣሎ።
ብዝኾነ ኣብሂጂት መስሓቅ ብምዝርግሑ፡ ዝፍረድን ዝእሰርን ኮይኑ ነቲ ድሮ ተደዊኑ ዘሎ ምስሊ ህንዲ ኣብ ጉዳይ ዴሞክራሲ ክሃስዮ ኢዩ ይብሃል።
ብነጻ ርእይቶኻ ምግላጽ ዘይምህላውን፡ ምእሳር ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ልዕሊ ናጻ ናይ ዜና ማዕከናት ስጉምታት ምውሳድን፡ ምዕጻው ኢንተርኔትን ዳርጋ ንቡር ኮይኑ ኣሎ ኣብ ህንዲ።
ስም ሰብ ምጥፋእን መነዓዓቢ ጽሑፋት ምዝርጋሕን ሳንሱር ምግባርን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ብቐጻሊ ክውስኹ ይርኣዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







