ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ንኣሜሪካዊ በዓልሃብቲ ክትሽየጥ ኣብ ስምምዕ ተበፂሑ

ቶድ ቦህሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቶድ ቦህሉ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከቡ ሰለስተ ናይ ስፖርት ጋንታታት ብጽሒት ኣለዎ

እንግሊዛዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ብ5.2 ቢልዮን ዲላር ብኣሜሪካዊ በዓልሃብቲ ንዝምራሕ ጥምረት ክትሽየጥ ኣብ ዘኽእል ስምምዕ ተበፂሑ።

በዓል ሃብቲ ቶድ ቦህሊ ኣብ ኣሜሪካ ንዝርከብ ጋንታ ቤዝቦል ‘ኤል ኤ ዶጀርስ’ ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ብምዃን ብፅሒት ዋንነት ኣለዎ።

ጋንታ ፕሪምየርሊግ እንግሊዝ ዝኾነት ቸልሲ ናብ መሸጣ ክትቐርብ ናብ ውሳነ ዝተበጽሐ፤ ወናኒኣ ሮማን ኢብራሞቪድ ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ርክብ ኣለዎ ብዝብል ኣብ ልዕሊኡ ማዕቐብ ቅድሚ ምድንጋጉ ከምዝነበረ ይዝከር።

ኣብራሞቪች ቅድሚ ኣዋርሕ ኣብ ዌብሳይት እታ ጋንታ ብዝዘርግሖ መግለፂ፡ ንቸልሲ ክሸይጥ “ኣዝዩ ከቢድን ንዕኡ ዘሕመሞን ውሳነ” ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ብሰንኪ ስግኣት ፓርላማ ብሪጣኒያ “ንጋንታ ቸልሲ ብቕልጡፍ ክሸጣ ከምዝወሰነ ብምሕባር፡ ነቲ ምስ ፑቲን ርክብ ኣለዎ ብዝብል ዝቐረበ ክስታት ምንፃጉ ይፍለጥ።

ሓድሽ ወናኒ ቸልሲ

ንቸልሲ ክዕድግ ኣብ ስምምዕ በፂሑ ዘሎ ብቶድ ዝምራሕ ሕብረት ንሰብ ብፅሒት (ኣክስዮን) 2.5 ቢልዮን ፓውንድ ክኸፍል’ዩ።

እቲ መኽሰብ ከኣ ንግብረ-ሰናይ ክውዕል ናብ ዕፅው ሒሳብ ባንኪ ክኣትው ምዃኑ ተፈሊጡ።

ክሌርክ ካፒታል ግሩፕ፣ ማርክ ዋልተርን ስዊዘርላንዳዊ ቢልየነር ሃንስዮርግ ዋይስ ኣብ መሪሕነት እቲ ሕብረት ተሳትፎ ከምዘለዎም ተገሊጹ’ሎ።

ንመጠናኸሪ እታ ጋንታ ድማ 1.75 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ክገብሩ’ዮም።

እቲ መሸጣ ክሳብ መዛዘሚ ወርሒ ግንቦት ከምዝፍጸም ጋንታ ቸልሲ ኣብ ዌብሳይታ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ የመልክት።

መስርሕ ርኽክብ እታ ጋንታ ከኣ ካብ ሰበስልጣን ኩዕሶ እግሪ እንግሊዝን መንግስቲ ብሪጣንያን ፍቓድ ከምዘድልዮ ተሓቢሩ።

ኣመሪካዊ ኣውፋርን በዓል ሃብት ቦህሊ 4.5 ቢልዮን ዶላር ዝተፃረየ ሃብቲ ከምዘለዎ መፅሄት ፎርብስ ዘውፅኦ ሓበሬታ የረድእ።

መግለጺ ቪድዮ, እቲ ከም እተሰመመ ዝዝረበሉ ዘሎ ሩስያዊ ቢልዮነር ሮማን ኣብራሞቪች መን’ዩ?