ሮማን ኣብራሞቪች: እቲ ከም እተሰመመ ዝዝረበሉ ዘሎ ሩስያዊ ቢልዮነር መን’ዩ?
ካብ ወዲ ሰለስተ ዓመት ጀሚሩ ኣብ መናበዪ ዘኽታማት ዝዓበየ ሮማን ኣብራሞቪች ሓደ ካብ ሃብታማት እዛ ዓለም እዩ። ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ጥቡቕ ርክብ ከምዘለዎን ካብቲ ዝምድና ገንዘብ ከምዘኻዕብትን ይኽሰስ። መንግስቲ ብሪጣንያ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ቸልሲ ንእትርከቦ ሃብቲ እቲ ቢልዮነር ኣደስኪሉ ኣሎ። ኣብራሞቪች ኣብቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዶብ ቤላሩስ-ዩክረይን ኣብ ዝተኻየደ ዝርርብ ሰላም ተሰሚሙ ክኸውን ከምዝኽእል ናብኡ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ይሕብሩ። እንተኾነ ግና ኣብቲ ኣብ ቱርኪ ዝተገብረ ርክብ ሩስያን ዩክረይንን ተሳቲፉ እዩ።