ኤርትራ፡ ሩስያን ዩክረይንን ንዘለወን ግጭት 'ክልተኣዊ ፍታሕ' ክረኽባሉ ጸዊዓ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
መርገጺ ኤርትራ ኣብ ኲናት ዩክረይን 'ክልተኣዊ መፍትሒ' ምዃኑ ኣብ ሩስያ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ ልኡኽ ኤርትራ ኣፍሊጡ።
እቲ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ጉጅለ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ድሕሪ ምርኻቡ ነቲ መግለጺ ከምዝሃበ፡ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ላቭሮቭ፡ ነቲ ብሚኒስተር ዑስማንን ኣማኻሪ ፕረዚደንት የማነ ገብርኣብን ዝቖመ ጉጅለ፡ ብዛዕባ ኣመዓባብላ ኲናት ዩክረይንን ዕላማታት ሩስያን መብርሂ ከምዝሃበ'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።
"ክልቲኦም ወገናት ብዛዕባ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣህጉረ ኣፍሪቃን ብሰፊሑ" ከምዝተዘራረቡ'ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።
"ሩስያን ኤርትራን ንዝለወን ፖለቲካዊ፡ ዲፕሎማስያዊ፡ ንግዳዊ፡ ናይ ወፍሪ፡ ትምህርትን ባህልን ርክባት ንምብራኽ ጭቡጥ ስጉምትታት ክወስዳ" ተሰማሚዐን ኣለዋ።
ብዛዕባ'ቶም ዘልዓልዎም ዓበይቲ ጉዳያት ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ግን ኣይሃበን።
ላቭሮቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ "ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መድረኻትን ጥቡቕ ዝኾነ ምውህሃድ ንገብር ኣለና" ብምባል፡ "ንግብራዊ ምትሕብባርና ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ናይቲ ብ'ምዕራባዊ እኩብ' ዝግበር በይናዊን ዘይሕጋውን እገዳታት ንምኽዋል" ከምዝተላዘቡ ጠቒሱ።
ክልቲኦም መንግስታት፡ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ክሳተፉ ንዝደልዩ ሰብሃብቲ ዘድሊ ኩሉ ሓገዝ ክገብርሎምን "ኣብ ጸዓት፡ መጓዓዝያ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ኣይ-ሲ-ቲን (ICT) ሕርሻን" ዘለዎም ሓባራዊ መደባት ከተግብሩን ከምዝተሰማምዑ'ውን ላቭሮቭ ጠቒሱ።
ኤርትራ ምስ ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ብዝተሓሓዝ፡ ኣብ ውሳነታት ሕቡራት ሃገራት ጸግዒ ናይ ሩስያ ካብ ዝሓዛ ሰለስተ ሃገራት ዓለምን እንኮ ኣፍሪቃዊትን ሃገር ምዃና ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter
ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ንውሳነ ሕቡራት ሃገራት'ውን "ኤርትራ ንሰብኣዊ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቃና ምሃቡ፡ ቀንዲ ሰብኣዊ ኩነታት ህዝብታትን ሃገራትን ንምፍታሕ ዝዕንቅጽ'ዩ" ብምባል ተቓዊማቶ'ያ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







