እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኣርባዕተ ዓመት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እንትፍተሽ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ካብቲ ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ 24 መጋቢት 2010 ኣትሒዝካ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት እንክድህሰስ፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ልውጥታት ተራእዩ እዩ።
መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ለውጢ ከም ዘምጽአ'ኳ እንተገለጸ፡ ብፖለቲካዊ መዳይ ክርአ እንከሎ ግን ኢትዮጵይያ ኣብ ሽግራት ኣትያ እያ።
ልዕሊ ዅሉ ጐሊሑ ዝተራእየ ግን እቲ ኣብ መንጐ መንግስት ፌዴራልን ሓይልታት ትግራይ ዝተላዕለ ነታ ሃገር ኣብ ዓዘቕቲ ሸሚምዋ ዘሎ ኲናት እዩ።
24 መጋቢት 2010
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣቢሉ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጲያ ድሕሪ ዝተጓሃሃረ ምንቅስቓስ ለውጢ፡ ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ክመጽእ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣብ በዓል-ስይመቱ ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ ሰብን ንብረት ዝወረድ ኵሉ መዳያዊ ዕንወት ይቕረታ ሓቲቱ።
ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ "እዚ ሓድሽ ደሞክራሲያዊ ምዕራፍ ክውን ንክኸውን ኣሽሓት ተሰዊኦምሉ'ዩም፡" ብምባል፡ "እዚ ጭልግቁ ዘሎ ዲሞክራሲ ንምትራሩ ግን፡ ካብዚ ንንየው ኣካላዊ ይዅን ናይ ህይወት መስዋእቲ ኣየድልን፡" ኢሉ።
ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንመራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት፡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ'ውን መንግስቲ፡ "ብናጽነት ክንቀሳቐሱ" ከም ዝደሊ ኣገንዚቡ። "ምቹእን ፍትሓዊ ዝዀነ መወዳደሪ ባይታን ምእንቲ ክህሉ፡ ብወገን መንግስቲ ጽኑዕ ድሌት ኣሎ፡" ክብል ከኣ ኣነጺሩ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ንሞት ተፈሪዶም ዝነበሩ እሱራት ከይተረፈ ናጻ ክፋነዉን፤ "ኣሸበርቲ" ተባሂሎም ዝነበሩ'ውን፡ "ኣሸበርትስ ባዕላትና ደኣ" ብምባል፡ ንመብዛሕትኦም ካብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክወጽኡን ገይሩ።
ካብ ሃገር ወጺኦም ዝነበሩ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታትን ጋዜጠኛታትን'ውን ናብ ሃገሮም ከም ዝምለሱ ገይሩ።
ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጲያን ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ወጥሪ ንኽፍታሕ ብዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ኸኣ ሽልማት ኖቤል ተቐቢሉ።
ኣቢይ ኣሕመድ ሽልማት ኖቤል ዝተሸለመሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ዝነበረ ጕዳይ ዶብ ከም ዝዓርፍ ብምግባሩ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ርእሲኡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንምትእትታው ብዝገበሮ ጻዕሪ'ውን እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ጽላት ቁጠባ ነጻ ንምግባር፡ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ንዝነበራ ትካላት፡ ቴሌኮሙኒኬሽን፡ መገዲ ኣየር ብኸፊል ናብ ብሕቲ ንምስግጋር ተወሲኑ።
ነዚ ውሳነ ካብ ዝደፍአ ቀንዲ ምኽንያታት፡ ቁጠባዊ ዕብየት 'ታ ሀገር ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ፣ ዝነበረ ሕጽረት ሸርፊ ወጻኢን ናህሪ ዋጋታትን ንምቁጽጻርን፣ ዓቕሚ ምምንጫው ኣታዊ ንምሕያልን ንግዲ ወጻኢ ንምቅልጣፍ ዝብል እዩ ነይሩ።
ነዚ ውሳነ ዝደረኸ ካልእ ምኽንያት'ውን፡ ኢትዮጲያ ዝነበራ ገዚፍ መጠን ልቓሕ እዩ።
በዚ ውሳነ መሰረት፡ ኣብ ኢትዮ-ቴሌኮም ንልዕሊ 120 ዓመታት ተባሒቱ ዝነበረ ዓውደ-ቝጠባ፡ እቲ ብዝተፈላለየ ትካላት ዝቘመ ኣገልግሎት ቴሌኮም ፍቓድ ከም ዝወሃብ ተገይሩ።
ዋላ'ኳ ክሳብ ሕጂ ክጥቀስ ዝኽእል ዕብየት እንተዘየርኣየ፡ ፓርክታት ኢንዱስትሪ፣ ፋብሪካ ሽኮር፣ ሆቴላትን ካልኦት ኣፍረይቲ ትካላትን ናብ ብሕታዊ ክፋል ክሰጋገራ ተወሲኑ።
ቅትለት ሃጫሉን ዝሰዓበ ማእሰርትን
ኣብ ሓፈሻዊ ኵነታት ኢትዮጲያ፡ ዓቢይ ለውጢ ካብ ዘምጽኡ ኣጋጣሚታት ሓደ ቅትለት ፍሉጥ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብቐዳምነት ይጥቀስ።
ሰኑይ፡ 22 ሰነ 2012 ዓ.ም. ምሸት፡ ሞት ድምጻዊ ሃጫሉ ምስ ተሰምዐ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ገለ ከባቢታት ኦሮሚያን ዕግርግርን ተቓውሞን ዝተላዕለ።
ካብቲ ሞት ብተወሳኺ፡ ፈነዋ ሬሳን ስነስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝፍጸመሉ ቦታን ዝተፈጥረ ቁሩቁስ፡ ነቲ ወጥሪ ኣኽሪርዎ።
ብሰንኪ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ልዕሊ 150 ሰባት ብዘካሕክሕ ኣገባብ ተቐቲሎም።
ኣብ ሓደ-ሓደ ከተማታት ድማ፡ ሆቴላት፣ ትካላት ንግዲ፣ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲን መንበሪ ኣባይቲ ወልቀሰባትን ብናዕበኛታት ዓንዮም።
ድሕሪ 23 ሰነ ኣጋ ምሸት ድማ፡ ሓያለ ፖለቲከኛታትን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብቲ ህውከት ተሳቲፎም እዮም ዝተባህሉ ሰባትን ብሓይልታት ጸጥታ ተዳጕኖም።
ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ ተኸሲሶምሉ ዝነበሩ መዝገብን እግደን ተላዒሎም ናብ ሃገር ዝኣተው፡ ፖለቲካውያን ሓይልታትን መራሕትን ጸለውቲ ውልቀሰባትን ካብ ዝዀነ ጀዋር መሓመድ፣ በቀለ ገርባ፡ እስክንድር ነጋን ካልኦትን ተኣስሩ።
እዚ ጥራይ ከይኮነ፡ ነቲ ህውከት ኣብ ምስዋር ግደ ነይርዎም ዝተባህሉ መደበራት ተሌቪዥን፡ ከም ዝዕጸው ክግበር እንከሎ፡ ጋዜጠኛታት'ውን ተኣስሩ።
ኮሮና፡ ጠንቂ ምንዋሕ ሃገራዊ ምርጫ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፡ ቦርድ ምርጫ፡ ናጻን ገለልተኛን ኰይኑ ከም ዝመዓራረ ክግበር፡ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም ከካይዶ ተባሂሉ ዝነበረ ምርጫ'ውን፡ ቅድመኡ ካብ ዝተኻየዱ ምርጫታት ዝተፈልየ ክኸውን ከም ዝደሊ ይገልጽ ነይሩ።
በዚ መሰረት፡ ፖለቲከኛ ዝነበረት ወ/ት ብርቱካን ሚደቅሳ ሓላፊት 'ቲ ቦርድ ተሸይማ፣ እቲ ዝነበረ ሕግታትን ኣወዳድባን ከም ዝመሐየሽ ብምግባር፡ ሻድሻይ ሃገራውን ክልላውን ምርጫ ዝካየደሉ ግዜ ሰሌዳ ወጺኡ፣ ፈለማ፡ ን10 ነሓሰ ድሒሩ ድማ ገለ ምምሕያሽ ተገይሩ ን 23 ነሓሰ 2012 ምርጫ ክካየድ ተወሲኑ ነይሩ።
ድሕሪ ምልባዕ ኮሮና ኣብ ኢትዮጲያ ግን፡ እቲ ቦርድ፡ ኣብቲ ዝሓንጸጾ ዕለት ምርጫ ክግበር ከም ዘይከኣል ብምግላጽ፡ እቶም ምርጫ ንምክያድ ዘኽእሉ ምድላዋት ንግዚኡ ደው ክብሉ ከም ዝወሰነ ብ 22 መጋቢት 2012 ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት፡ ስግኣት ኮሮና ተኣልዩ፡ ዝህሉ ጭቡጥ ኵነታት እንደገና ተገምጊሙ፡ ሓድሽ ምድላውን መስርሕ ምውሳን ግዜ ምርጫን ዘኽእል ስራሕ ክጅምር ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ነዚ ኣመልኪቱ፡ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጲያ፡ ነቲ ዝነበረ ጭቡጥ ኵነታት ጠቒሱ ምርጫ ክካየድ ከምዘይከኣል ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብምቕራብ፡ እቲ ቤት ምኽሪ'ውን ውሳነ ሓሳብ 'ቲ ቦርድ ተቐቢሉ፡ ነቲ ጕዳይ ኣተረጓጕማ ሕገ-መንግስቲ ክግበረሉ ከም ዝሓተተ ይፍለጥ።
ቤት ምኽሪ ፈደረሽን፡ ጉባኤ ምጽራይ ጉዳያት ሕገ-መንግስቲ ብሰንኪ ኮሮና ክካየድ ስለ ዘይከኣለ፡ ከምኡ'ውን ኣብያተ ምኽርን፡ ፈጸምቲ ኣካላትን ኣመልኪቱ ብዝቐረበሉ ትርጕም ሕገ-መንግስቲ መሰረት፡ ስግኣት እቲ ሕማም ክሳብ ዝሃለወ፡ ኣብያተ ምኽሪ ፈደራልን ክልላትን ስርሐን ክቕጽላ ወሲኑ።
እቲ ምርጫ'ውን፡ ብመሰረት'ቲ ኣህጉራዊ ትካላት ምስቲ ሕማም ኣዛሚደን ንዝሃበኦ ሓበሬታታት ምርኩስ ጌርካ፡ ሚኒስትሪ ጥዕናን፡ ትካላት ጥዕና ሕብረተሰብን፡ እቲ ሕማም ስግኣት ጥዕና ህዝቢ ከም ዘይከውን ምስ ረጋገጹ፡ እቲ ምርጫ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክግበር ተወሲኑ።
ብኣንጻር'ዚ ግን፡ ነቲ ምርጫ ከናውሕ ዝኽእል ዝዀነ ጭቡጥ ነገር ኣብ ባይታ ከም ዘየለ ዝተኸራኸረ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ምርጫ ንምክያድ በይነ-ውሳነ ብምሕላፍን ምድላዋት ብምግባርን፡ ኣብ ጳጕሜን 4 ምርጫ ከም ዝካየድ ገበረ።
ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ ሕጊ ዝጠሓሰ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ተቐባልነት ዘይብሉን ከም ዘይተኻየደ ከም ዝሕሰብን ኣፍልጦ ከምዘይህቦን ገለጸ።
ድሕሪ'ዚ፡ ኣብ መንጐ መንግስትን ክልል ትግራይን ዘይምርድዳእ እናኸረረ ከይዱ፡ ብ24 ጥቅምቲ፡ ቅሉዕ ኲናት ተወልዐ።
ኲናት ሕድሕድ ሰሜን ኢትዮጲያ
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሽልማት ኖቤል ድሕሪ ምውሳዱ፡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኲናት ማዕረ ክንደይ ኣዕናዊ ምዃኑን ከም ዘጨኻኽን ገሊጹ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ኣብ ዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ፡ ሰራዊት ፌደራል ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ንመራሕቲ ሕወሓት ብገበናት ብምኽሳስ ውግእ ከካይድ ጸኒሑ።
መራሕቲ ትግራይን መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድን ፍልልይ እናገፍሐ፡ ናብ ውግእ ካብ ዝሰግር 17 ኣዋርሕ ተቘጺሩ'ሎ።
እዚ ኲናት ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ፡ ጠንቂ ሞት፡ ጥሜትን ምፍንቓልን ኣሽሓት ሰባት ኰይኑ'ሎ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ጥቅምቲ 24/2013 ሓይልታት ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል ዕስኪሩ ዝነበረ፡ 'ሰሜን እዝ' ምጥቅዖም ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ'ዩ፡ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ትእዛዝ ዝሃበ።
ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመት ዘመነ ስልጣን ኣቢይ ኣሕመድ፡ ብ 28 ሚያዝያ 2013፡ ክልተ ጕጅለታት፡ "ኣሸበርቲ" ተባሂሎም ተበይኑሎም።
ህወሓትን ሸኔን 'ኣሸበርቲ' ተባሂሎም ዝተበየኑሉ ግዜ፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ዝካየድ ዝነበረ ኲናት እናጸንከረ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን እዩ።
ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ድሕሪ ዝጀመረ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ ኵሎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ተቛሪጾም።
ኣብዚ እዋን ናብቲ ክልል ዝኣቱ ሰብኣዊ ረዲአት ውሑድ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ብሰንኪ ዝቐጸለ ውግእ'ውን ስለ ዝተሰናኸለ፡ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ከም ዝተፈጥረ፡ ኣህጉራዊ ትካላት ረዲኤት ይገልጻ ኣለዋ።
ትካል ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ኣብ ትግራይ ጥራይ፡ 4.6 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ኰይኖም ከም ዘለው ገሊጹ።
እቲ ትካል ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ 40 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ትግራይ ንኸቢድ ሓደጋ ጥሜት ከም ዝተቓልዐ ኣፍሊጡ።
ካብ መፋርቕ ታሕሳስ 2014 ጀሚሩ፡ ናብ ትግራይ ዝዀነ ረዲአት መግቢ ከም ዘይተላእከ፡ ዳይሬክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ። ንሱ፡ 83 ሚእታዊት ካብቲ ህዝቢ ውሕስነት መግቢ የብሉን ኢሉ።
ዶ/ር ቴድሮስ፡ 'ኣብዚ እዋን ካብ ዝዀነ ይኵን ክፍሊ ዓለም ጥዕና ሰባት ኣሻቓሊ ዝዀነሉ ቦታ ኣብ ትግራይ እዩ፡' ክብል ገሊጹ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ ዶ/ር ቴድሮስ፡ ንመንግስታት ኢትዮጲያን ኤርትራን፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ዘሎ 6 ሚልዮን ህዝቢ፡ ኣብ ዘይእውጅ ማዕቀብ ክወድቕ ብምግባሮም ከሲሱ።
ምርጫ 2013
ኢትዮጲያ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫኣ ዝሓለፈ ሰነ ኣካይዳ። እዚ ብ14 ሰነ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ፡ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።
ቦርድ ምርጫ ኣብቲ እዋን ከም ዘፍለጦ፡ ሰልፊ ብልጽግና ካብ 436 መናብር ነተን 410 ክዕወተለን እንከሎ፡ ንዝስዕብ ሓሙሽተ ዓመት መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ መናብር ረኺቡ።
እተን ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነጥፋን ሓያላት ተወዳደርቲ ክዀና ግምት ተነቢሩለን ዝነበረ ሰልፍታት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ [ኦነግ] ከምኡ'ውን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ [ኦፌኮ]፡ 'ተገፊዕና ኢና' ብምባል ካብቲ ምርጫ ስሒበን።
ኣብ ክልል ትግራይ'ውን፡ ብሰንኪ'ቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መረጻ ኣይተገብረን።
ኣብዚ ሻድሻይ ምርጫ፡ ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ 11 መናብር ክረኽቡ እንከለው፡ ብውልቂ ዝተወዳደሩ ድማ ኣርባዕተ መናብር ረኺቦም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ 'ኣብን' ሓሙሽተ መናብር ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ክልል ደቡብ 'ኢዜማ' ኣርባዕተ መናብር፣ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ህዝቢ ጌድዮ ድማ ክልተ መናብር ረኺቦም።
ውልቀ ተወዳደርቲ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ፣ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ ሰለስተ ተዓዊቶም።
ጎንጽታትን ምምዝባልን
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽኣሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ጐሊሑ ዝተራእየ ሽግር፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዘሎ ሕድሕድ ግጭትን ምፍንቓልን እዩ።
ብፍላይ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፡ ዞባታት ምብራቕን ምዕራብ ወለጋ፣ ቤንሻንጕል፡ ዶባት ክልል ኣምሓራ ዝረኣዩ ግጭታትን ብሰንኩ ዝስዕቡ ምፍንቓላትን እናበኣሱ ይመጽኡ ኣለው።
እዞም መጥቃዕቲታትን ምፍንቓላትን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጲያ ድሕሪ ዝተወልዐ ኲናት መመሊሶም እናተሓላለኹ ምምጻኦም ይፍለጥ፤ እዚ ድማ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰላምን ድሕነትን ዜጋታት ከረጋገጽ ኣይከኣለን እናተባህለ ካብ ዝውቀሰሉ ጕዳያት ኰይኑ'ሎ።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መንጐ ልሂቃን ኣብ ሃገራዊ ጕዳያት ዘይምርድዳእ ኣብ ርእሲ ምህላው፡ እቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ዘይምትእምማን ምጥርጣርን፡ ንመስርሕ ህንጸት ዲሞክራሲ በዳሂ ይገብሮ።
ነዚ ንምፍዋስ ድማ ኮሚሽን ሃገራዊ ምምኽኻር ኢትዮጲያ ቈይሙ ድሮ ስርሑ ከም ዝጅመር ተገይሩ'ሎ።
እዚ ኮምሽን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጲያ ዘለው መሰረታዊ ሃገራዊ ጕዳያት ንምምኽኻር፡ ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ዘኽእል መስርሕ ዝመርሕን ዘወሃህድን ኣካል ክኸውን እምነት ተነቢሩሉ'ሎ።
እንተኾነ፡ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ነቶም ቀንዲ ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ኣካላት ኣይከሳትፍን፡ ኣቃውማ'ቲ ኮሚሽን መንጎኛ ኣይኮነን ተባሂሉ'እዩ ዝውቀስ።
ኣብ 40 ዓመታት ዝተራእየ ዝኸፍአ ድርቂ
ኣብ ክልላት ዓፋር፡ ኦሮሚያ፡ ደቡብን ሶማልን ብሰንኪ ድርቂ፡ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሽግር ወዲቘም ከም ዘለው፡ ዝተፈላለዩ ትካላት ይገልጹ ኣለው።
ኣብዘን ክልላት፡ ሸውዓተ ሚልዮን ዝዀኑ ሰባት ንሓደጋ ተቓሊዖም ብምህላዎምን ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲአት ምዃኖምን እዘን ትካላት ብተወሳኺ ይገልጻ ኣለዋ።
ኣብዘን ኣርባዕተ ክልላት፡ ብሰንኪ ኣብ ዘጋጠመ ሰለስተ ክራማት ዋሕዲ ዝናብ፡ ዘስዓቦ ድርቂ'ውን፡ ሓያለ ከብቲ ክሞታ እንከልዋል፡ ኣዝርእቲ ሃጕጉ፡ ሕጽረት ማይን መግብን ከኣ ንብዙሓት የፈናቕል ከም ዘሎ፡ ኣብ ኢትዮጲያ ወኪንል ዩኒሰፍ ጂያንፍራንኮ ሮቲግሊያኖ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሓደሽቲ ክልተ ክልላት
ኢትዮጲያ ኣብዪ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻኡ፡ ክልተ ሓደስቲ ክልላት ክትረክብ ክኢላ እያ።
ሲዳማ፡ ካብታ ንነዊሕ ዓመታት ማእከል ብሄርን ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝዀነት ደቡብ ክልል ወጺኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ክልል ክትምስርት ሕቶ ተቕርብ ዝነበረት ዞባ እያ ነይራ።
ኣቐዲሙ፡ ጠንቂ ህወከትን ምፍሳስ ደምን ኰይኑ ዝነበረ ሕቶ ክልልነት ሲዳማ፡ ብ 10 ሕዳር 2012 ዓ.ም ብዝተገብረ ህዝበ ውሳነ መዕለቢ ረኺቡ።
ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ፡ ሓሙሽተ ዞናትን፡ ሓደ ፍሉይ ወረዳን፡ ካብ ክልል ደቡብ ወጺአን ብሓባር ሓንቲ ክልል ንምምስራት ህዝበ ውሳነ -ረፈረንደም ኣካይደን።
ብመሰረት ዝተገብረ ረፈረንደም ከኣ፡ ፍሉይ ወረዳ ኮንታ፣ ከምኡ'ውን ዞናት ምዕራብ ኦሞ፡ ቤንች-ሸኮ፡ ከፋ፡ ዳውሮን ሸካን ብሓባር መበል 11 ክልል መስረታ።
ካብ ካልኦት ክልላት'ታ ሃገር ብዝተፈልየ፡ ልዕሊ 50 ብሄራት፡ ብሄረሰባትን ህዝብታት ዝሓዘት ደቡብ ክልል፡ ነዘን ክልተ ክልላት መልሲ'ኳ እንተሃበት፡ ካልኦት ኣስታት 10 ዝዀና ዞባታት'ውን ገና ሕቶ ክልል ምዃን ኣልዒለን ኣለዋ።
ካብዚ ብዝተፈልየ፡ ተወከልቲ ዞባ ወላይታ፡ ካብ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብ ምውጽኦም እታ ዞን ዘቕረበቶ ሕቶ ብኣጋ መልሲ ንምርካብ ጸቕጢ ብምፍጣር ወጥሪ ኣስዒቡ ነይሩ።
ምስዚ ተተሓሒዙ፡ መራሕቲ ካልኦት ከባቢታት'ውን ኣብ ኣኼባ እንከለው ብሓይልታት ጸጥታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዝውዕሉ ብምግባር፡ ዘይምርግጋእ ተፈጢሩ፡ ልዕሊ 20 ዝዀኑ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።