እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ውድብ ብልጽግና ጸገማት ህዝቢ ትግራይ ክፈትሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ
ፈላማይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ምክያድ ዝርከብ ውድብ ብልጽግና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት ንኸብቅዕ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ከምዝጥቀም ኣፍሊጡ።
እቲ ንኢትዮጵያ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ብልጽግና ኣብቲ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝመያየጠሎም ዘሎ ዛዕባታት ኣመልኪቱ መግለጺ ሂቡ።
ሓላፊ ርክባት ህዝብን ዓለም ለኻዊ ምሕዝነትን ውድብ ብልጽግና ቢቂላ ሁሪሳ [ዶ/ር] ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ኣለዉ ዝተብሃሉ ናይ ሰላም ኣማራጽታት ጸንቂቑ ብምጥቃም ነቲ ጸገም ክፈትሕ ትጽቢት ከምዘለዎ” ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ሓቢሩ።
በቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ ህወሓት ዝሓዞ መርገጺ ከቢድ ዋጋ ይኸፍል ከምዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው ውድብ ብልጽግና ነቲ ጸገም ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጺ ርኢኻ ንኽፍታሕ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ’ዩ ኢሉ።
ኣቦ ወንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ብኣሳሳይነት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራትን ኬንያን ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ይካየድ ከምዘሎ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ግን እቲ ብዘይ ቀጥታዊ ኣገባብ ይካየድ ከምዘሎ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ዲፕሎማስያዊ ዝርርብ ኣዋርሕ ዘቑጸረ’ኳ እንተኾነ ዛጊድ እዚ ዝበሃል ውጽኢት ከምጽእ ኣይከኣለን።
ብቕድሚ ትማሊ ዓርቢ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዝጀመረ ውድብ ብልጽግና ኣብ ናይ ትማሊ ውዕልኡ ጸብጻብ ማእኸላይ ኮሚቴ ቀሪቡ ከምዝተዘተየሉን ቀንዲ ትሕዝትኡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን እታ ሃገር ዘድሃበ ምንባሩ እቲ ሓላፊ ርክባት ህዝብን ዓለም ለኻዊ ምሕዝነትን ገሊጹ።
ኣብቲ ጉባኤ ልዕሊ 1500 ሰባት ይሳተፉ ከምዘለዉ ዝገለጸ ዶ/ር ቢቂላ ሁሪሳ፡ “ህዝቢ ትግራይ ሓውና’ዩ፤ ኣካልና’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ምስ ህወሓት ተዛሚዱ ብዝተፈጠረ ጽልኢ ቆስቋሳይነትን ኣዕናዋይ ተግባሩን ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ኣድላይ ዘይኮነ ዋጋ ይኸፍል’ሎ” ኢሉ።
ኣመራርሓ ውድብ ብልጽግና ህዝቢ ትግራይ ኣጓኒፍዎ ንዘሎ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካውን ጸገማት ንምፍታሕ ከምዝሰርሑ ዝገለጸ እቲ ሓላፊ “ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ናይ ሰላም ኣማራጽታት ተጠቒማ ጸገማት ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ክትሰርሕ’ያ” ኢሉ።
ውድብ ብልጽግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ነቲ ውድብ ንኽመርሕ ብልዑል ድምጺ ዝመረጸ ኮይኑ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ኣቶ ኣደም ፋራሕን ድማ ምክትል ፕረዚደንት ኮይኖም ተመሪጾም።