ቅላውላው ትግራይ፡ ሓላፊ ጸጥታ ሶማሊያ ነበር ብዛዕባ ሃለዋት ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ

መርበብ ሓበሬታ ‘ግሎብ ኤንድ ሜይል’፡ ንመሰኻኸር ዓይኒ ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ መረዳእታ መሰረት ገይሩ ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ ወተሃደራት ሶማሊያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምውዳድ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ከም ዝፈጸሙ ኣቃሊዑ’ሎ።

እቲ ጸብጻብ እቲ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ኣብ ፈላሞት ኣዋርሕ ምጅማር እቲ ኲናት ከም ዝተፈጸመ እዩ ሓቢሩ።

እቲ ሓድሽ መረዳእታ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሶማሊያን ኣብቲ ኣብ ትግራይ ሞትን ዕንወትን ዘኸተለ ኲናት ሕብረት ምፍጣሮም ብዝምልከት ሕቶታት ንክለዓሉ ምኽንያት ኮይኑ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ወተሃደራቱ ኣብ ትግራይ ፈጺሞምዎ ተባሂሉ ንዘቕርበሉ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣይቅበሎን።

ሚኒስተር ሓበሬታ ሶማልያ ዑስማን ኣቡበከር ዱቤ ብወገኑ፡ ነቲ ወታሃደራት እታ ሃገር ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳቲፎም ዝብል ሓበሬታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ነጺጉ።

ቢቢሲ መደብ ‘ፎካስ ኦን ኣፍሪቃ’ ንዋና ሓላፊ ድሕነት ሶማሊያ ነበር [ኣብዚ እዋን ኪኢላ ጉዳያት ጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ] ዓብዲ ሰላም ጉሌድ ኣዘራሪብዎ’ሎ።

ቢቢሲ፡ሶማሊያ ካብቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት እንታይ’ዩ ድልየታ?

ዓብዲሰላም - ሶማሊያ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብቲ ኲናት ድልየት ኣለዋ ኢለ ኣይኣምንን። እኳ ደኣስ ዘይሻራውያን ኮይኖም ነቲ ጸገም ፍታሕ ኣብ ምንዳይ ምተሳተፉ እየ ዝብል።

ቢቢሲ፡ ሕዚ ግን ኣብቲ ጸገም ተሳትፎ ገይሮም ኣለዉ። ጸብጻብ ግሎብ ኤንድ ሜይል ንመሰኻኽር ዓይኒ ጠቒሱ ከም ዝጸብጸቦ ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ጨፍጫፍ ፈጺሞም’ዮም። ብዙሓት ሰባት እውን ንኣዋርሕ ብዛዕባ ሃለዋት ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ትግራይ ክዛረቡሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ንምንታይ እዮም ኣብኡ ዘለዉ?

ዓብዲሰላም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥሪ ነዚ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ፈለማይ ሰብ እየ ነይረ። ወተሃደራት ሶማሊያ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳትፎ ይገብሩ ምህላዉ ዝገልጽ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ዓውዱ ውግእ ዝነበሩ ሓለፍቲ ኤርትራን ኢትዮጵያ ሓበሬታ ይበጽሓኒ ነይሩ።

መንግስቲ ሶማሊያ ግን ነዚ ሓበሬታ ደጋጊሙ ነጺግዎ። ጉዳይ ናይዞም ብ10 ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰራዊት ሶማሊያ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝተሓብአ ነገር ኣይነበረን። ንሰራዊት፣ ፖሊስ፣ ድሕነትን መንግስትን ሶማሊያ ክነዘራርብ ፈቲንና ኢና። ኩሎም ዝሃቡዎ መልሲ ግን ዝጠፍአ ወተሃደር የለን ዝብል’ዩ።

ብድሕሪኡ እናሓየለ ንዝመጽአ ጸቕጢ ስዒቡ ከምኡ’ውን ስድራቤቶም ሰልፊ ተቓውሞ ብምክያዶም እቲ ጉዳይ ግልጺ ክኸውን ኪኢሉ። ዝጠፍኡ ወተሃደራት ሶማሊያ ከምዘለዉ ተረጋጊጹ።

ኩሎም ድማ “ስልጠና” ብዝብል ጉልባብ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ኤርትራ ክዋፈሩ ዝተገበሩ ነይሮም። ደሓር ጸኒሕና ድማ ኣብ ሞንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ማለት ኤርትራ፣ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ‘ስሉሳዊ’ ስምምዕ ምንባሩ ተገንዚብና።

እቲ ጸብጻብ ከም ዝብሎ 30 ሽሕ ወተሃደራት ዝሓቖፈ ሓበራዊ ድልው ሓይሊ ከቑማ ፈቲነን ነይረን። ስለዚ ናብ ኤርትራ ሚስጢራዊ ብዝኾነ መገዲ ዝተወሰዱሉ ምኽንያት እውን እዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ስሩዕ ዶክመንት እውን ኣይነበሮምን።

ቢቢሲ፡ ስለዚ መንግስቲ ሶማሊያ ዜጋታት ሃገሩ ናብ ትግራይ-ኢትዮጵያ ልኢኹ፤ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ኣብኡ ኣለዉ፤ ኣንጻር ህወሓት ይቃለሱ ኣለዉ ማለት ድዩ?

ዓብዲሰላም፡ እዋ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ኮይኖም’ዮም ዝዋግኡ ዘለዉ። ናይ ሰራዊት ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ብኤርትራውያን ይምርሑ ኣለዉ። ነዚ ኢና ኣብዚ እዋን ንፈልጥ። ቅድሚኡ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ኣይነበረናን። ምኽንያቱ እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ዝተዓጸወ ነይሩ።

ዝኾነ ዓይነት ናይ መራኸቢታት ኣማራጺ’ውን የለን። ሎሚ ግን ሶማሊያውያን እንታይ ተሳትፎ ከም ዝነበሮም ዝገልጽ ንመሰኻኽር ዓይኒ ዘካተተ ጸብጻብ እዚ ጋዜጣ ረኺብለና። እቶም ወተሃደራት ብዘይገለ ዶክመንትን ከይተፈለጡን ክሰጋገሩ ዝተገበሩ’ዮም።

ንልዕሊ 500 ሶማሊያውያን ስድራ እቶም ወተሃደራት ኣዘራሪበ ደሃይ ደቆም ከም ዘይሰምዑ’ዮም ዝዛረቡ። ገሊኦም ስድራ፡ ደቆም ናብ ቀጠር (ኳታር) ከይዶም ኣብ ሓለዋ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ከምዝዋፈሩ ወይ ድማ ናብ ቱርኪ ንስልጠና ከም ዝኸዱ ዝገልጽ መደናገሪ ሓበሬታ እዩ ተነጊርዎም። ስለዚ እዚ ምስጢራዊ፤ ፍጹም ክሕደት እዩ። መንግስቲ ሶማሊያ ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት ተሳትፎ ክገብር ብፍጹም ተቐባልነት የብሉን።

ቢቢሲ፡ ናብቲ ኳታር እተእንግዶ ዋንጫ ዓለም ወይ ናብ ቱርኪ ንስልጠና ከምዝኸዱ እንተሓበረ’ኳ ግን ከኣ ናብቲ ምናልባት’ውን ክቕተሉሉ ዝኽእሉሉ ኲናት ከምዝኸዱ ትዛረቦ ዘለኻ ብምብጋስ፡ መንግስቲ ንህዝቢ ሶማሊያ ብዛዕባ ደቆም ሓሶት ነጊርዎም ዲኻ ትብል ዘለኻ?

ዓብዲሰላም፡ ብርግጽ እውን ተቐቲሎም’ዮም። ከምዝተቐተሉ ኢትዮጵያውያንን ኤርትራውያንን ሓቢሮምለይ ኣለዉ። ገለ ስድራ’ውን፡ ንደቆም ረኺቦም ከዘራርብዎም ከምዝኸኣሉን ምስኦም ሓቢሮም ዝኸዱ መሓዙቶምን ቤተሰቦምን ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ዝተቐተሉ ከምዝሓበርዎምን ነጊሮምኒ’ዮም።

ካብቶም ብዘይገለ ሕጋዊ ዶክመንት ናብ ኤርትራ ክሰግሩ ዝተገበሩ ወተሃደራት ሶማሊያ እወ [ኣብ ኲናት ትግራይ] ተቐቲሎም’ዮም።

ቢቢሲ፡ ስለዚ እዚኦም ስሩዓት ወተሃደራት ኣይነበሩን ማለት ድዩ? ብግዱድ ኩነታት ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክኣትዉ ዝተገበሩ ድዮም?

ዓብዲሰላም፡ ዝተገፈፉ ኣይኮኑን። ናብ ኳታር ክለኣኹ ምዃኖም ተነጊርዎም ካብ ሶማሊላንድን ካልኦት ክፋላት ሶማሊያን ዝተኣከቡ እዮም። ምኽንያቱ ኳታር ኣብ እዋን ዋንጫ ዓለም ጸጥታ ዘኽብሩ 1000 ወተሃደራት ካብ ሶማሊያ ናይ ምውሳድ ድልየት ከምዘለዋ ብምግላጽ ዝተኣከቡ እዮም። ገሊኦም ድማ ናብ ቱርኪ ከም ዝውሰዱ ዝተነገሮም’ዮም።

ካብዞም ወተሃደራት መብዛሕቲኦም ናይ ዩኒቨርሲቲን ካልኣይ ደረጃ ትምህርትን ምሩቓት’ዮም። ካብ ጉደናታት ዝተገፈፉ እውን ግን ኣለዉ። ንሓደ ካብኡ ናብ ሶማሊያ ዝተመለሰ ኣዘራሪበ ነይረ።

“ኣብ ሬስቱራንት እሰርሕ ነይረ። ሰራሕተኛ ሓለዋ ኮይነ ከም ዝቑጸር ’ዩ ተነጊሩኒ። ደንቢ ክዳን ተኸዲነ ምስረኣዩኒ ከኣ ጨውዮም ወሲዶምኒ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ፍርቂ ለይቲ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሞቓዲሹ ብኣየር ተጻዒንና ናብ ኤርትራ ተወሲድና” ኢሉኒ።

ቢቢሲ፡ መሃያ ከምዝኽፈሎምከ ቃል ተኣትዩሎም ነይሩ’ዶ?

ዓብዲሰላም፡ ናብ ኳታር ምስኣተዉ መሃያ ከምዝኽፈሎም ቃል ተኣትዩሎም ነይሩ። ስለዚ ኩሎም ናብ ኳታር ይኸዱ ከምዘለዉ እዮም ዝፈልጡ ነይሮም። ናብ ኤርትራ ምስኣተዉ እዮም ንነብሶም ኣብ ኤርትራ ረኺቦም። ቅድሚ ምብጽሖም ግን ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፈልጡን ነይሮም።

ቢቢሲ፡ እሞ ተኸፊልዎም’ዶ?

ዓብዲሰላም፡ ኣይተኸፈሎምን፤ ንቤተሰቦም ረኺቦም ከዘራርቡ’ውን ኣይተፈቐደሎምን። ቤተሰቦም እውን ክረኽብዎም ይፍትኑ ኣለዉ። ገለ ወለዲ ቀትሪ ምስ ለይቲ ኣብ ኣፍደገ ቤተመንግስቲ እዮም ጊዜኦም ዘሕልፉ። ዝሰምዖም ግን የለን።

እዚ ዘሸብር’ዩ። ይትረፍ መንግስቲ እቶም ተቓወምቲ ሓይልታት እውን ነዚ ጉዳይ ኣይተገደሱሉን። ብዛዕባ 10 ኣሽሓት ኢና ንዛረብ ዘለና፤ መንግስቲ ግን 5000 ከምዝኾኑ እዩ ዝኣምን። ስለዚ ኣዝዩ ብዙሕ ብዛዕባ ዝኾነ ህወይት ሰባት ኢና ንዛረብ ዘለና።

እዞም ሰባት ከኣ ነቲ ዝገብርዎ ኩሉ ተገዲዶም ከምዝገብርዎ እየ ዝኣምን። ምኽንያቱ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም’ዮም ተወሲዶም። ሕዚ ድማ ናይ ኤርትራ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ብኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ እዮም ዝእዘዙ ዘለዉ። ዝፈጸሙ እንተፈጸሙ ድማ ብትእዛዝ መራሕቲ ሰራዊት ኤርትራ ከምዝኸውን ዋላ ሓደ ጥርጥር የብለይን።

ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወለዐን፡ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመን ኲናት ሓድሕድ ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክግበር ዝንሐ ጻዕርታት ክሳብ ሎሚ ጭቡጥ ፍረ ኣይተረኽበሉን ዘሎ።

እቲ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ግጭት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሲፊሕ ምፍንቓል ዝርከቦ ሰብኣዊ ቅልውላዉን ጥሜትን ኣስዒቡ ምህላዉ ይፍለጥ።