ፕረዚደንት ሙስጠፌ፡ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማል ናብ ትግራይ ከምዝወፈሩ ኣረጋጊጹ

ፕረዚደንት ክልል ሶማል ሙስጠፌ ሙሐመድ ዑመር፡ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ኲናት ትግራይ ከምዝወፈሩ ንቢቢሲ ኣረጋጊጹ።

ኣይተ ሙስጠፌ ምስ ቢቢሲ ሶማልኛ ኣብ ዝገበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝቐረበሉ ጻውዒት ኣኽቢሩ፡ ኣብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንክሳተፉ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ከምዝለኣኸ ተዛሪቡ።

ወሲኹ ድማ፡ ህወሓት ንማእከላይ መንግስቲ ‘ከጥፍእ ይንቀሳቐስ ኣሎ' ክብል ከሲሱ።

ነቲ ጻውዒት ስዒቡ፡ ኣብቲ ኲናት ንምስታፍ ከምዝወሰኑን፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝመኸርሉን’ውን ገሊጹ።

“ከምዚ ዓይነት ዛዕባ ክልላዊ እዩ፤ ውሳነ ወሃብቲ ድማ ንሕና ኢና። እንተኾነ ግን፡ ንዝምልከቶም ኣካላት ኩሎም ኣማኺርና ኢና ኣብዚ ውሳነ በጺሕና” ኢሉ።

ፕረዝደንት ሙስጠፌ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ኣብዚ ኲናት ከይሳተፉ ብዝብል ተቓውሞ ንዘስምዑኡ ሰባት፡ ‘ናፈቕቲ ኣረጊት ስርዓት’ ክብል ነቒፍዎም፤ ክልል ሶማል ኣካል ኢትዮጵያ ምዃና ዘይወሓጠሎም’ውን ኢሉዎም።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ መንጎ ክልላት ትግራይ ኣምሓራን ዘይኮነስ፡ “ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓት ምዃኑ”’ውን ተዛሪቡ።

ምውፋር ሓይልታቱ ናብ’ቲ ክልል ዝቃወሙ ሰባት “እቲ ኲናት ኣብ መንጎ እተን ክልላት ዝካየድ ዘሎ ” ገይሮም ከምዘቕርብዎን፡ ንሱ፡ ነዚ ኣገላልጻ ከምዘይቕበሎን እዩ ዝዛረብ።

“እቲ ኲናት ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን እዩ ዝካየድ ዘሎ” ኢሉ።

ባጀት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል፡ ካብ ፌዴራል መንግስቲ ከምዝረክብን፡ ካብኡ ንዝመጽእ ጻውዒት ናይ ምኽባር ሓላፍነት ከምዘለዎን’ውን ወሲኹ ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፈ ትሸዓተ ወርሒ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ፍላይ ሓይልታት ክልል ኣምሓራ ካብ መጀመርትኡ ዝተሳተፍሉ እንትኸውን፡ ኣብ ደቡብን ምዕራብን ትግራይ ‘ናትና እዩ’ ዝብልዎ ሰፊሕ ግዝኣት ተቖጻጺሮም ምጽነሖም ይፍለጥ።

ብምዃኑ ድማ፡ ኣብዚ ሰሙን እቲ ኲናት፡ ዳርጋ ኣብ መንጎ ክልቲአን ክልላት ዝመስል ኮይኑ፡ ዓሌታዊ መልክዕ ኲናት ከይሕዝ ሓያል ስግኣት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ‘ምጽናት ዓሌት’ ከምዝፈጸመ ብምግላጽ፡ ሓይልታት ኣምሓራ ካብቲ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ምጽውዑ ዝዝከር ኮይኑ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና 'ውሽጣዊ ጉዳይ እዩ' ብምባል ነቲ ጻውዒት ነጺግዎ።

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘዋስና ገለ ከባብታት ውግእ እናተኻየደ ዝርከብ ኮይኑ፡ መንግስቲ ፌዴራል ንክልላት ሓይለን ክልእኻ ጻውዒት ገይሩ ኣሎ።

ነዚ ስዒቡ፡ ክልላት ደቡብ፣ ሲዳማ፣ ኦሮምያ ፍሉይ ሓይልታትን ኣዋፊረን ከምዘለዋ ይዝረብ። ሕዚ ድማ ክልል ሶማል ከምዘዋፈረት ተረጋጊጹ።

ፕሬዝዳንት ሙስጠፌ፡ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ናብ ትግራይ ምውፋሩ ኣብ ልዕሊ ጸጥታ ክልሉ ዝኾነ ክፍተት ከምዘይፈጥር’ውን ተዛሪቡ።

“ኣዝዩ ንእሽተይ ሓይሊ ኢና ንልእኽ ዘለና። ስለዝኾነ ንድሕነት እቲ ከባቢና ዘስግእ ኣይከውንን” ኢሉ።

ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንወተሃደራዊ መዓስከር ፌዴራል ኣጥቂዖም ብዝብል ክሲ ፤ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ኲናት፡ መንግስቲ ፌዴራል ‘ምኽባር ሕጊ’ እናበለ እዩ ዝጽወዖ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ሓያል ውግእ ክካየድ ድሕሪ ምቕናዩ፡ ሓይልታት ትግራይ ተመሊሶም ንመቐለን ንኣብዝሓ እቲ ክልልን ተቖጻጺሮም ይርከቡ።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን፡ ‘ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል’ ኣዋጅ ዘስመዐ መንግስቲ ፌዴራል ወተሃደራቱ ከምዝሰሓበ ዝገለጸ ኮይኑ፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ክልል ትግራይ፡ 7 ነጥብታት ዝሓዘ ቅድመ ኩነታት ኣቕሪቡ።

ሕዚ ድማ ካብ ህወሓት መጥቃዕቲ በጺሑና ብምባል፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ዳግማይ ኣዋጅ ክተት ኣዊጁ ኣሎ።

ብሰንኪ’ቲ ኲናት፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐትሉ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን፡ ልዕሊ 400 ሽሕ ነበርቲ ንዓጸቦ ተቓሊዖም ከምዝርከቡን፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ኣብቲ ክልል ንዝሓለፉ ልዕሊ ክልተ ሰሙናት፡ ኣገልግሎት ስልኪ፣ ኢንተርኔት፣ ባንክን መብራህትን ተዓጽዩ ይርከብ።