ቅልውላው ትግራይ: ቃለመሕትት ምስ ኣማኻሪ ሓይልታት ትግራይ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም

ትማሊ ሰኑይ ምሸት ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ከተማ መቐለ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ከምዝተቖጻጸሩዋ ይዝከር።

ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣብቲ ክልል በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከምዝኣወጀ ኣፍሊጡ። እቲ ስጉምቲ ሓረስቶት ማሕረሶም ክገብሩን ሰብኣዊ ረዲኤት ናብቲ ክልል ክኣቱን ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ። ምስቲ "ኣሸባሪ" ክብል ዝፈረዶ ህወሓት ክዘራረብ ቅሩብ እንተኾይኑ ግን ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

እንተኾነ ግን፡ ሓይልታት ጸጥታ ፈደራላዊ መንግስቲ ካብቲ ክልል ጠቕሊሎም ከምዝወጹ ወከልቲ ሓይልታት ትግራይ ይገልጹ ኣለዉ።

ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ብቕልጡፍ ዝቀያየር ዘሎ ምዕባለታት ብዝምልከት ምስ ኣማኻሪ ሓይልታት ትግራይ ዝኾነ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ነዚ ዝስዕብ ሓጺር ቃለመሕትት ኣካይዱ ነይሩ፡

ኣብዚ እዋን'ዚ እቲ ኩነታት እንታይ'ዩ ዝመስል ዘሎ?

እቲ ብመሰረት ሃገራውን ክልላውን ሕገ መንግስቲ ብህዝቢ ዝተመረጸ መንግስቲ ትግራይ ናብ መቐለ ተመሊሱ ኣሎ። ስርዓት ኣዲስ ኣበባ ኣብቲ ዘየለወሉ'ዩ በይነኣዊ ምቁራጽ ተኹሲ ኣዊጀ ዝብል ዘሎ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝነገሮ፡ ሰራዊቱ ብምልኡ ካብ ትግራይ ስሒቡ ኣሎ። እቲ ሲቪላዊ ምምሕዳሩ'ውን ኣብኡ የሎን። ስለዚ ተሳዒሮም፡ ምሉእ ብምሉእ ዓንዮም'ዮም።

ግና ንከተማ መቐለ እንተዘይተቖጻጸረ ኣብ ካልእ ከባቢታት ትግራይ የሎን ድዩ?

ብፍጹም፤ ወተሃደር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝቆጻጸራ ዋላ ሓንቲ ከተማ'ውን የላን።

ወተሃደራት ኤርትራን ናይ ኣምሓራ ሚሊሻን'ከ?

ሚሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ጌና ኣብ ምዕራባዊ ክፋላት ትግራይ ኣለው። ሓይልታት ትግራይ ጸሪጎም ከውጽእዎም ይገጥምዎም ኣለው።

ስለዚ ሓይልታት ፌደራል ኣብ ዘየለውሉ እዮም ምቁራጽ ተዅሲ ተኣዊጁ፤ ስለዚ ኣብቲ ምሊሻታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ተቖጻጺርዎ ዘሎ ምዕራባዊ ከባቢታት ትግራይ ኲናት ክቕጽል እዩ ኢኻ ትብ ዘሎኻ?

ትኽክል፤ ኤርትራውያንን ናይ ኣምሓራ ሚሊሻን ኣብ ምዕራባዊ ክፋላት ትግራይ ኣለው። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ጠቕሊሎም ክሳዕ ዝወጹ እቲ ኲናት ክቕጽል እዩ።

እሞ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ብቕልጡፍ ክመሓየሽ ክንጽበይ ኣይንኽእልን ኢና ማለት ድዩ?

ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ንሓቶ እዚ እዩ። ሕጂ ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ትግራይ እዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂ ረድኤት ከየብጽሕ መንግስቲ ኢትዯጵያ ከልኪሉኑ ዝብል ምኽንያት ከምጽእ ኣይኽእልን እዩ።

ሕጂ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ረድኤት ንምብጻሕ ምቹእ ብምዃኑ ነቲ ሓገዝ ከምጽእዎ ይኽእሉ እዮም። ዝበዝሕ ህዝቢ ትግራይ ንዝተፈላለየ ግፍዒ ተቓሊዑ እዩ። ጥሜት መሳርሒ ኲናት ጌሮም ተጠቂሞም እዮም። ሕጂ እዚ ካብቲ ህዝቢ ተላዒሉ ኣሎ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ድማ ነቲ ህዝቢ መግቢ ምቕራብ ክሕግዘና ኣለዎ።

ዝስዕብ ዝምድና ትግራይን ኣዲስ ኣበባን እንታይ እዩ ክመስል?

እቲ ቀዳማይ ጠለብ ተጋሩ ብሰላም ክነብሩ ክኽእሉ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰራዊት ምምጻእ ኣድላዪ ኣይነበረን። ኢትዮጵያውያን ሕጂ ካብቲ ንዝሓለፈ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክቕጽል ዝጸንሐ ኩነታት እፎይ ክብሉ የድሊ።

ኣብዚ እዋን ብዘይካ ኣብ መቐለ ኣብ መላእ ትግራይ ቀረብ ሓይሊ ኤለክትሪክ የሎን። ኣገልግሎት ቴለፎን የሎን። ሰለዚ እቲ ዋና ነገር፡ ኩነታት ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ። ዋና ከተማ ክልልና ሰላም ረኺባ ኣላ።

ሰባት መቕርቦም ክረኽቡ ይፍትኑ ኣለው። ብዙሕ ምሕዛን'ውን ክህሉ እዩ። ካብ ከተማ ናብ ከተማ ምንቅስቓስ ኣጸጋሚ ብምንባሩ፡ ሰባት መን'ዩ ብህይወት ክተርፍ ክኢሉ መን ሞይቱ ሕጂ እዮም ክፈልጡ። ስለዚ ሕጂ ናይ ሓዘን እዋን እዩ። እንታይ ከም ዝኸውን ንምርኣይ ቅሩብ ክንጽበ ኢና።

_______________________

እንተኾነ ግን፡ ብሰንኪ ምቁራጽ መራኸቢታት እቲ ኣብ ባይታ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘሎ ኩነታት ብንጹር እንታይ ከምዝመስል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን። መወገን መንግስቲ'ውን ዝተዋህበ ተወሳኺ መብርሂ የለን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ግን፡ ኣብቲ ክልል ጥምየት ከምዘየለን ብምግላጽ ንዝቐርበሉ ክስታት ክነጽጎ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ቅትለት፣ ክሳብ ዓጸቦ ዝበጽሐ ጥምየት፣ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።

ትካላት ረዲኤት ከምዝብልዎ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ካብ መንበሪኦም ክፈናቐሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ልዕሊ 60 ሽሕ ካብቲ ግጭት ዝሃደሙ ድማ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ይርከቡ። ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበይቲ ከምዝኾኑ ይፍለጥ።

ሕቡራት ሃገራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 350,000 ኣብ ዓጸቦ ከምዝርከቡ ገሊጹ ነይሩ።