እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ተቖጻጺሮም
ኣንጻር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ንርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ምስ ተቖጻጸሩ፡ ሓለፍቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ካብታ ከተማ ክወጽኡ ከለው ነበርቲ ጸምቢሎም።
ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ባንዴራ እታ ክልል ብምሓዝ ርችታት ብምትኳስ ክጽንብሉ ከም ዝተርኣዩ ጸብጻባት ገሊጾም።
ትማሊ እቲ ብመገዲ ድምጺ ወያነ ዝወጸ መግለጺ፡ "እቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ተመሊሱ ኣሎ" ይብል።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ንምምሕዳር እታ ከተማ ተቖጻጺሩ ዝነበረ ፌደራላዊ መንግስቲ ሕጂ ኣብቲ ክልል "ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦ" ከም ዝኣወጀ ገሊጹ።
ብምኽንያት እቲ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝቐነየ ኲናት ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው፡ 350 ሽሕ ሰባት ንኣፍ ዓጸቦ ከም ዘቃልዖም ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ልዕሊ ክልተ ሚሊየን ሰባት ከኣ ኣብ ውሽጢ እቲ ክልል ከም ዝተመዛበሉ ይፍለጥ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዙርያ መቐለ ከበድቲ ውግኣት ክካየዱ ከም ዝቐነዩ ክግለጽ እንከሎ፡ መቐለ ትማሊ ኣማስዩ ሃንደበት ኣብ ትሕቲ ቑጽጽር ሓይልታት ትግራይ ኣትያ።
እቲ ኣብቲ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዓበ ኲናት መቐይሮ ነጥቢ ዝፈጥር'ዩ ተባሂሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ምስቶም "ኣሸበርቲ" ዝብሎም ሓይልታት ህወሓት ኣይዛተን ብምባል ንፖለቲካውን ሰላማውን ፍታሕ ተሓሲሙ'ኳ እንተጸንሐ፡ በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ከም ዝገበረ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓቢሩ።
ኣብ ነሓሰ 2020፡ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብመንግስቲ ፌዴራል ኣፍልጦ ዘይረኸበ በይናዊ ክልላዊ ምርጫ ኣካይዱ ምንባሩ ይዝከር።
እዚ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብጽሑፍ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ነቲ "ኣንጸባራቒ ዓወት" ዝበሎ ብምንኣድ ሕጂ መቐለ "ኣብ ትሕቲ ምሉእ ቑጽጽር ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ትርከብ" ኢሉ።
ወሲኹ ህዝብን ሓይልታትን "ትግራይ ካብቶም ወረርቲ ሓይልታት መሊኣ ሓራ ክሳብ እትወጽእ ድሉውነትኩም ቐጻሊ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ።
ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ንከተማ መቐለ ከም ዝተቖጻጸሩዋ ንኤኤፍፒ ኣረጋጊጹ።
ንሱ፡ "ብኹሉ ሸነኽ" ሓይልታት ትግራይ ናብ መቐለ እናቐረቡ ምስ መጽኡ ሰበ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ካብታ ከተማ ወጺኦም ብምባል "ኩሎም ወጺኦም፤ እቶም ዝተረፉ ከኣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ከይዶም . . . እታ ክልል ምምሕዳር የብላን" ብምባል ተዛሪቡ።
ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ነበርቲ ብወገኖም ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስዒቡ ከም ዝጸምበሉ ተዛሪቦም።
ነበርቲ ከተማ መቐለ ካብ ሰዓት 11፡00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ኣብ ዓበይቲ ጎደናታት ወጺኦም ሓጎሶም ክገልጹን ባንዴራ ትግራይ ሒዞም ክጭርሑን ከምዝተራእዩ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ሓይልታት ትግራይ ንዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ተቖጻጺሮም ናብታ ከተማ ብዝፈተላለዩ ሸነኻት ክኣትዉን ከምዝተራእዩ እቶም ምንጭታት ይገልጹ።
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ካብታ ርእሰ ከተማ ክወጽእ ከምዝተርአየን: እንተኾነ ኣብ ገለ መውጽእታት እታ ከተማ ዓሪዶም ከምዝነበሩን እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ሓይልታት ትግራይ፡ ኣገደስቲ ከተማታት ከምዝተቖጻጸሩ ምግላጾም ዝዝከር እዩ። እንተኾነ፡ እዚ ሓበሬታ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ክንጸግ ጸኒሑ እዩ።
ኤጀንሲ ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት (የኒሴፍ) ብሰኑይ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ዝነበረ ሙሉእ ኣቑሑት ሳተላይት ከም ዘዕነውዎ ብምግላጽ "ፈጺሙ ንሕና ዒላማ ክንግበር ኣይግብኣናን" ኢሉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊቱ ዝሃቦ መብርሂ የለን።
ይኹን'ምበር ሓይልታት ትግራይ ንከተማ መቐለ ከም ዝተቐጻጸሩዋ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ምስ ጀመሩ "ክሳብ እቲ ናይ ሕርሻ እዋን ዝሓልፍ" ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕን ፖለቲካዊ ዘተ ንዝደልዩ ዕድል ንምሃብን በይናዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ገይረ ኣለኹ ዝብል መግለጺ ኣውጺኡ።
ህወሓት ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ምቁራጽ ተጻብኦ ዝበሎ የለን።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተሬስ ብስልኪ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ብምግላጽ እቲ ምቁራጽ ተጻብኦ ተግባራዊ ክኸውን'ውን "ተስፋ ይገብር" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
"ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ክሕሎ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድልዮም ክበጽሖምን ፖለቲካዊ መፍትሒ ክመጽእን ኣገዳሲ'ዩ" ክብል ሓቢሩ።
ብሪጣኒያ፣ ኣመሪካን ኣየርላንድን ድማ ህጹጽ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክካየድ ጸዊዐን።
እቲ ኲናት ኣብቲ ክልል ቅትለት፣ ክሳብ ዓጸቦ ዝበጽሐ ጥምየት፣ ሰፊሕ ምፍንቓልን ስደትን ዝርከቦ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላዉ ምስዓቡ ይፍለጥ።
ልዕሊ 5 ሚልዮን ድማ ተጸበዪቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም፤ ካልኦት ልዕሊ 60,000 ከኣ ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ኣለዉ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብቲ ንኣስታት 8 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኲናት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብህወሓት ዝምራሕ ዝነበረ መንግስቲ ክልል ትግራይን እናገደደ ዝመጽኣ ፖለቲካውን ሕገ መንግስታዊን ምትፍናን ድሕሪ 3 ሕዳር 2020 ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።
ኩሉም ወገናት ድማ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ቅትለትን ከም ዝፈጸሙ ይኽሰሱ።