እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ብከትርን ዓመጽን ዝተደወነት ከተማ መቐለ
ኣብታ ውዕውዕ ምንቅስቓስ ንግድን ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ዝካየደላ ሕምብርቲ ፖለቲካ፡ ርእሰ ከተማ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ መቐለ፡ ብብረት ዝተሰነየ ስርቅን ክትራንን ይካየድ ከም ዘሎ ነበርታ ብሻቕሎት ይዛረቡ።
እታ ከተማ ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ሰፊሕ ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያትን እውን ኣይተፈልያን።
ህወሓት ዝመርሖ ክልላዊ መንግስትን ፌደራላዊ መንግስትን ናብ ቅሉዕ ኲናት ድሕሪ ምእታዎም፡ ኣብ መብዛሕትኡ ከባቢታት እቲ ክልል ዝነበረ ጸጥታዊ ምምሕዳራትን ኣገልግሎትን'ኳ እንተፈረሰ፡ መቐለ ግን ኣብ ተዛማዲ ርግኣትን ምምሕዳራዊ ንጥፈትን ከም ዘለዋ እዩ ዝዝረብ።
ይኹን እምበር ዘይሕጋውያን ውልቀ ሰባት ተወዲቦም ብዝፍጽምዎ ስርቅን ክትራንን ኣብ ሰባት ኣካላዊ ማህሰይትን የጋጥም ከም ዘሎ የማርሩ።
ወዲ 55 ዓመት ኣቶ ባይርኡ ግደይ ንዝሓለፉ ሰለስተ/ ኣርባዕተ ኣዋርሕ "ከም ካራ ዝኣመሰሉ ድምጺ ኣልቦ ነገራት ሒዞም ንዝኾነ ሰብ ዝሃርሙን ዝሰርቁን ሰባት ኣለው። ኣብታ ከተማ ብዙሕ ነገር እዩ ዘሎ። ብሱሩ ምሉእ ለይቲ ክስረቕ እዩ ዝሓድር እንተበልኩ ምግናን ኣይኸውንን" ይብሉ።
ሓላፊ ጸጥታን ምምሕዳርንን መቐለ ኣቶ ገብረሚካኤል ሓየሎም'ውን፡ ኣብ ከተማና ናይ ጸጥታ ክፍተት ስለ ዘሎ እቲ ኩነታት ፍሉይ ይገብሮ፤ ሕዚ ግን ናብ ዝሐሸ ናይ ምርግጋእ ኩነታት በጺሕና ኣለና ይብል።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መቐለ ኣርባዕተን ልዕሊኡን ኮይኖም ዝንቀሳቐሱ ጸገም ጸጥታ ዝፈጥሩ ውልቀ ሰባት ካብ ፎኮስቲ ክሳብ ከበድቲ ገበናት ይፍጸሙ ከም ዘለው ነበርትን ኣመራርሓ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ይገልጹ።
ብ16 ሰነ 2021 ቴሌቪዥን ፋና ኣብ ዝዘርግሖ ብምስሊ ዝተደገፈ ጸብጻብ፡ 84 ሚልዮን ብር ዝግመታ ክልተ ዶዘራት ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ካብ ዝርከብ ጋራጅ ናብ ካልእ ቦታ ተወሲደን 'ብኦክስጅን' ተቖራሪጸን ናብ ተራ ሓጺን ከም ዝተቐየራ ገሊጹ ነይሩ።
ሓላፊ ክፍሊ ምጽራይ ገበን ፖሊስ ኮሚሽን ትግራይ ኢንስፔክተር ጽጋቡ ሳሙኤል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ፍጻሜ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት ዘጋጠመ ክስተት ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር፡ እቶም ሕጂ ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ዝርአ ዘሎ ጥርጡራት፡ ነተን ዶዘራት ናብ ክፍለ ከተማ ዓይደር ኣብ ዝርከብ ሓደ ቦታ ተወሲደን "ብኦክስጅን ተቐራሪጸን ናብ ተራ ሓጺን [ተቐይረን] ተረኺበን" ኢሉ።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርኢይቶ'ውን፡ ኣብዚ እዋን እኽልን ካልእ ኣቕሓን ዝጽዓና መካይን ምዝማትን ምፍርራሕን የጋጥም ከም ዘሎ ገሊጾም።
ክፍለ ከተማ ሓወልቲ፣ ዓዲ ሓቂ፣ ሓድነት፣ ሰሜን፣ ዓይደር፣ ኲሓ፣ ሚዘር፣ ቀዳማይ ወያነ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር መቐለ ካብ ዘለዋ ክፍለ ከተማታት'የን።
' . . . እነሆ በትሪ'
ኣብ መቐለ ሻሂን ቡንን ዝቐርበሎም ብርክት ዝበሉ ምዕሩጋት ካፌታት ኣለው።
መብዛሕትኦም ዓማዊል ኣብቲ ንኣጋር ተባሂሉ ዝተሰርሐ ቦታ ከፍ ኢሎም ስለዝሰትዩ፡ 'ማስቲካ ኣለኒ ዓድገለይ፤ ጫማ'ዶ ክጸርገልካ?' ዝብሉ ተጓንፎታት ልሙዳት'ዮም።
ካብ ዝሓለፋ ሰለስተ ኣዋርሕ ንነጀው ግን ሻሂ ወይ ቡን እናሰተኻ " . . . በትሪ እነሆ" ዝብሉ በዚሖም ክብል ሓደ ሽሙ ክጥቀስ ዘይፈቐደ ወሃቢ ርኢይቶ ኣውጊዑና።
"ቀደምስ መወልወልን መኾስተርን ሒዞም ዝዘሩ ንርኢ ነበርና። ሕዚ'ኮ 'ጽራብ ኣውሊዕ'ዶ ሰራው ትደሊ?' እናበሉ በትሪ ኣለና ዝብሉ ይርኢ ኣለኹ" ይብል።
እዚ፡ ኣብታ ከተማ ብዘሎ ስግኣት ድሕነት ዝመጽአ ምዃኑ ዝዛረቡ ነበርቲ፡ ዓርስኻ ንምክልኻል ብዝብል፡ ዝበዝሕ ሰብ በትሪ ሒዙ ምንቅስቓስ ከም ኣማራጺ ከም ዝወሰዶ ገሊጾም።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ፡ ጅብሩኽ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ከባቢ እታ ከተማ ሸቐጣ ሸቐጥ ከም ዝተሰርቆም ዝዛረቡ ኣቶ ባይርኡ፡ ድኳነይ ምስተሰርቀኒ ብውሑድ ንነብሰይ ክከላኸል ኢለ በትሪ ዓዲገ'የ ኢሎም።
"ንሓንቲ በትሪ ካብ 20 ክሳብ 30 ብር እያ ትሽየጥ፤ 50 ብር'ውን ዝተሸጠሉ እዋን'ውን ኣሎ። እቶም ሰረቕቲ ካራን ካልእን ስለ ዝሕዙ ኩሉ ሰብ ንነብሱ ንምክልኻል ሓደ ሜትሮ ዘይትመልእ በትሪ ሒዙ'ዩ ዝንቀሳቐስ" ይብሉ።
ካልእ ፍጹም ዝተባህለ ነባሪ፡ 18 ሽሕ ብር ዝግመት ንብረት ከም ዝተሰረቀ ተዛሪቡ።
"ኣነ ንባዕለይ ቢራን ለስላሳን ዘከፋፍለሉ ድኳን ኣለኒ፤ ኣብ ሓደ ለይቲ ኩሉ ኣብቲ ገዛ ዝነበረ ኣረቂ፣ ማይ፣ ቢራን ለስላሳን ተሰሪቐ። ከቢድ እዩ፤ ሕግን ስርዓትን ስለ ዘየለ ከኣ መን እዩ ነዚ ተግባር ዝፍጽም ዘሎ ኣይፍለጥን" ብምባል ሕርቃኑ ገሊጹ።
ኣዝዩ ዘሰክፍ ኩነታት ጸጥታ'ዩ ዘሎ ዝብል ኣብ ከባቢ ክፍለ ከተማ ሓድነት ዝነብር መንእሰይ ሃይለስላሴ፡ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ልብኻ ኣውዲቕኻ ክትንቀሳቐስ ከም ዘይትኽእል ብምግላጽ እቲ ዝርእዮ ምዕባለታት ከም ዘስግኦ ሓቢሩ።
"ተኣኪብኻ እንተዘይኮይኑ በይንኻ ክትኸይድ ኣይትኽእልን። ብዙሕ ሰብ ከኣ በትሪ ወይ ሓጺን ሒዙ እዩ ዝንቀሳቐስ። እዚ ካብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ዝነበረ ጉዳይ እዩ። ፖሊስ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ተደራሪቦም ዝመጽኡ ጸገማት ስግኣት ኮይኖምና ኣለው" ኢሉ።
ሞባይል ምምንዛዕ፣ ጸላም ጉልባብ ተጠቒምካ ኣብ መንበሪ ገዛውቲ እናኣተኻ ምፍርራሕን ምስራቕን፣ ክዳን ሰራዊት ምክልኻልን ፖሊስ ፌደራልን ተኸዲንካ ዕጥቂ ሒዝካ ከበድቲ ገበናት ስርቂ ምፍጻም፣ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝመጽእ እኽልን ዘይትን ምስራቕን ምሻጥን ዝኣመሰሉ ከበድቲ ገበናት ክትራንን ስርቅን ምህላዎም ምምሕዳር እታ ከተማ ይገልጽ።
ኣብ ታክሲ ይኹን ኣብ መገዲ ነብስኻ ኣሚንካ ክትጉዓዝ ኣይትኽእልን ዝበለት መንእሰይ ሳምራዊት ጸጋይ፡ "መኪና ንዝዝውሩ ሰባት ኣውሪዶም ሒዞም ዝኸዱ ርእየ'የ" ትብል።
ሮማናት ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ማእከል እታ ከተማ ቀትሪ ምድሪ ሞባይል ከም ዝተመንጠለት ክትገልጽ እንከላ "ቅድሚ ሕዚ ሌባ ተባሂሉ ዝሕዝ ዝነበረ [ሰብ] ሎሚ ጓል ቦርሳ እናተመንጠለት'ውን ስቕ እዩ ዝብል። ካራ ሒዞም ዘለኻ ኣራግፍ'ዮም ዝብሉኻ። በዚ ምኽንያት ዋላ ሓደ ኣየገላግለካን" ኢላ።
ኣብቲ ክልል ምስ ዘጋጠመ ጸጥታውን ቁጠባውን ስነ ልቦናውን ጸገማት ዝመጽአ ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገልጹ እቶም ነበርቲ፡ ኩሉ ነባሪ ብሪጋ ከባቢኡ እናሓለወ ከም ዝሓድርን ጸጥታ ንምኽባር ዝተዋፈሩ መናእሰይ ከም ዘለውን ሓቢሮም።
ቅድም ኢሉ ዝፍጸም
ቅድሚ ሕጂ፡ ሰባት፡ እቲ ክትራንን ስርቅን፡ ብሰንኪ ስእነት ስራሕ፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ተመሪቕካ ብዘይ ስራሕ ዕንይንይ ምባል፣ ብወልፊ ጫትን መስተን ዘጋጥም ተርእዮ ዝብል ግምት'ዩ ነይሩዎም።
ብኻልእ ወገን ገበን ምስ ተፈጸመ ዝወሃብ መቕጻዕቲ ዝምህር ዘይምዃኑ፣ መንግስቲ ዕድላት ስራሕ ኣብ ምፍጣር ዝህቦ ትኹረት ምውሓድን እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ኣተሃናንጻ ውላዱ ጸገም ምህላውን እውን እቲ ገበን ቀስ ብቐስ ክግብል ዕድል ከም ዝሃቦ ይገልጹ።
ኣብዚ እዋን ምምሕዳር ትግራይ ካብ መቐለ ተደፊኡ ምስ ወጽአ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ እሱራት ብዘይ ዝኾነ ኣገባብ ብምውጽኦም ደረጃ ገበናት ከም ዝወሰኸ ይእመን።
ዚያዳ እቲ ሕብረተሰብ ከም ቀንዲ መፍትሒ ገይሩ ዝወስዶ ምንቅስቓሳት ምድራት ከም ዝኾነ ዝጠቅስ እቲ ሽሙ ክጥቀስ ዘየፍቀደ መንእሰይ፡ ናይ ኢድ መብራህቲ፣ ጥሩምባ፣ ፊሽካ ሒዙ ከባቢኡ እናሓለወ ከም ዝሓድር ኣብሪሁ።
ምምሕዳር እታ ከተማ እንታይ ይገብር ኣሎ?
ተወካሊ ሓላፊ ክፍሊ ጸጥታን ምምሕዳርን መቐለ ኣቶ ገብረሚካኤል ሓየሎም፡ እቶም ሰባት ሽጉጥን ከም ካራን ሰንጥን ዝበሉን ድምጺ ዘይብሎም ነገራት ሒዝካ ዝፍጸም ገበናት ከጋጥም ጸኒሑ'ዩ ኢሉ።
ከምኡ'ውን ክዳን መከላኸሊ ሰራዊትን ፖሊስን ተኸዲኖም ኣብ ከምዚ ዓይነት ብዕጥቂ ዝተደገፈ ዝምታ ዝተዋፈሩ ነይሮም'ዮም ዝብል ኣቶ ገብረሚካኤል፡ መብዛሕትኦም ጉዳዮም ብሕጊ ይርአ ስለ ዘሎ፡ ብተዛማዲ ኣብዚ ወርሒ ዝሓሸ ኩነታት ኣሎ ይብል።
"ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ልዕሊ 45 ኢድ ብኢድ ዝተታሕዙ ጥርጡራት ኣለው። ብፍላይ ኣብ ክፍለ ከተማታት ቀዳማይ ወያ፣ ዓይደርን ሓወልትን ከምኡ'ውን ብልሙድ 70 ካሬ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ቦታ ኣስታት 25 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ክትትል ይግበር ኣሎ" ይብል።
ወሲኹ፡ ነበርቲ ዘለዎም ስግኣት ድሕነትን ጸጥታን ልክዕ'ኳ እንተኾነ ሕዚ ግን ተዛማዲ ሰላም ይመጽእ ብምህላው፡ ከምቲ ቅድሚ ክልተ/ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ዝነበረ ኩነታት ኣይኮንናን ዘለና ዝብል ርኢይቶ ኣለዎ።
"ቅድሚ 50 መዓልታት ክብል ይኽእል፡ ኩሉ ሰብ በትሪ ሒዙ ይኸይድ ነይሩ፤ ንሕና'ውን ንድግፎ ነይርና። ሕዚ'ውን ጸገም የለን ማለት ዘይኮነ ግን ድማ ኣብ ከም ኣዲስ ኣበባ ዝበላ ስሩዕ ፖሊስ፣ ሚሊሻን ካልእ ኣኽባሪ ጸጥታን ዘለወን ከባቢታት እኮ ገበናትን ዝምታን፣ ሰብ ምውቃዕን ምቕታልን ኣሎ'ዩ፤ ገበን ክጠፍእ ኣይኽእልን፤ ክንኪ'ዩ ዝኽእል" ኢሉ።
እዚ ጸገም ናይ ረድኤት እኽሊ ዝጽዓና መካይን ክሳብ ምስራቕ ከም ዝበጽሐ ዝዛረብ ኣቶ ገብረሚካኤል፡ ኣብ ከባቢ ኲሓ፡ ዕጥቂ ዝሓዙ ውልቀ ሰባት ካብ ጅቡቲ ዝመጽአ እኽሊ ካብ መኪና ብምውራድ ክሸጡን ክድልሉን "ክልተ መኪና ኣብ ቁጽጽር ኣእቲና ኢና" ክብል ኣረዲኡ።
ክሳብ ሕጂ "80 ሚኢታዊት ገበን ዝፈጸሙ ሰባት ኣብ ቁጽጽር ኣውዒልናዮም፤ ዝተወሰኑ ዝሃደሙ ከኣ ክትትል ንገብረሎም ኣለና" ዝበለ እቲ ተወካሊ፡ ሕብረተሰብ፡ ከባቢኡ ንክሕሉ ልዕሊ ሓደ ሽሕ መናእሰይ ናይ ፖሊስ ኮሚዩኒቲ ስራሕቲ ንክሰርሑ ስልጠና ከምዝተዋህበ ሓቢሩ።
ብ15 ሰነ 2021 ኤፍቢሲ ኣምሓርኛ ኣብ ፌይስ ቡክ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣብ መቐለ ድምጺ ዘይብሉ ብረት ተጠቒሞም ዝምታ ዝፍጽሙ ዝነበሩ 9 ውልቀ ሰባት ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ገሊጹ ነይሩ።
እዞም ጥርጡራት ኣብ ክፍለ ከተማ ሰሜን ለይቲ ሰዓት ሽዱሽተ ብጉጅለ ተወዲቦም ገዛ ንምስራቕ ዘኽእሎምን ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘብጽሑን በላሕቲ ነገራት፣ ድምጺ ዘይብሉ ብረትን ሒዞም ዝምታ ክፍጽሙ ክብሉ ሽዱሽተ ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ መናእሰይ ምስ ኣካላት ጸጥታ ብምትሕብባር ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተው ሓቢሩ።