እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕል ንጹሃት ደብዳብ ኣየር 'ኣይፈጸምኩን' ኢሉ
ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ መቐለ 25 ኪሜ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ቶጎጋ ኣብ ዕዳጋ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ኣየር ፈጺሙ ዝብል ክሲ ነጺግዎ።
በቲ መጥቃዕቲ፡ 'ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም' ንዝብል ጸብጻብ ድማ ኣይተቐበሎን።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ኮሎኔል ጌትነት አዳነ፡ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ መዓልቲ ሰማእታት ዘኽብሩ ዝነበሩ 'ዓመጽቲ' ዝበሎም ዕጡቓት ሓይልታት ዒላማ ዝገበረ ጥራይ ከምዝነበረ ተዛሪቡ።
መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ከምዝበልዎ ግና፡ በቲ ኣብ መዓልቲ ዕዳጋ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎምን ቆሲሎምን።
በቲ መጥቃዕቲ ነፋሪት ዝሞቱ ሰባት ቁጽሮም ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝኾኑ፡ ዝተጎድኡ ድማ፡ ልዕሊ 40 ሰባት ከምዝኾኑ ሓደ ኣብ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ዝሰርሕ ሓላፊ ትማሊ ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።
ነበርቲ ግና እቲ ብዝሒ መወትቲ፡ ካብዚ ንላዕሊ ከምዝኾነ እዮም ዝዛረቡ።
ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድኡ ሰባት፡ ናብ ሕክምና ከምዘግዓዘ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣይተ ገብረእግዛብሄር፡ ዝተብሃሉ ነባሪ እታ ከተማ፡ ናብቲ ከባቢ ከቢድ ብረት ይትኮስ ብምህላዉ፡ ህዝቢ ብፍርስራስ ህንፃታት ዝተፀቓቒጡ ግዳያትን ሬሳን ንምውፃእ ከምዝተፀገመን፡ ትማሊ ንቢቢሲ ሓቢሮም ነይሮም።
ንሶም ወሲኾም፡ ንህፁፅ ሕክምና ብናይ ውልቆም ሚኒባስ 15 ግዳያት ሒዞም ናብ ከተማ መቐለ እንከምርሑ፡ ኣብ መገዲ ብኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከሉን ግዳያት ሒዞም ናብ ቶጎጓ ክምለሱ ከምዝተገደዱን ተዛሪቦም።
ካብቶም ዝፀዓንዎም 15 ሰባት እቶም ሓሙሽተ ሰባት ሰኣን ሕክምና ከምዝሞቱ ዝገልፁ እቶም ነባሪ፡ በቲ ደብዳብ፡ ብሓፈሻ ኣስታት 80 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ተዛሪቦም።
ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይ፡ እቲ ቢሮ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንህፁፅ ሓገዝ ኣምቡላንሳትን ሰብሞያን ንምልኣኽ ተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተገበረ፡ ኣባለት ሰራዊት 'ኣይትሓልፉን' ከምዝበልዎምን ዝለኣኽወን ኣምቡላንሳት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመንን ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግና ነዚ ክሲታት ነጺጉዎ።
ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ፡ በቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ ወገናት ናብ ሕክምና ከይመፅኡ ኣብ መገዲ ይኽልከሉ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።
እቲ ሰራዊት ኣመራርሓ ህወሓት ንምሓዝ፡ ደብዳብ ኣየር ሓዊሱ ዝተፈላለየ ስርሒት ከመዘካየደ ብምግላፅ፡ ነቲ ኣብ ቶጎጋ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ግና ከምዘይወዓሎ እቲ ሓላፊ ንቢቢሲ ገሊፁ።
''ደብዳብ ኣየር ኣብ ዕዳጋ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣይውዕሎን። ዕላምኡ ሃዲኑ ክፍፅም ዝኽእል ሰራዊት እዩ'' ኢሉ።
ኮሎኔል ጌትነት፡ ኣብዚ ሰሙን ብዝተኻየደ ተኸታተሊ ውግእ፡ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ወሰንቲ ከተማታት ከምዝሐዘ ምግላጹ ድማ ሕሶት እዩ ኢልዎ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ህወሓት ሕሶት ኣብ ምንዛሕ እዩ ተጸሚዱ ዝርከብ" ብምባል፡ እዚ ድማ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ዓለም ብርቱዕ ምዃኑ ንምርኣይን ምስ መንግስቲ ናብ ዘተ ንክመጽእን ዝገብሮ ጻዕሪ ምዃኑ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቐርበሉ ጻውዒት ሰላማዊ ዘተ፡ ከይተቐበለ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ።
እቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ከምብሓድሽ ተጋዲዱ ዘሎ ኲናት፡ ነቲ ኣብቲ ክልል ንዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከየጋድዶ ተሰጊኡ ኣሎ።
እቲ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 4 ሕዳር፡ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን ይግለጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ሰራዊቱ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸረ፡ 'እቲ ኲናት ተዛዚሙ' እንተበለ'ኳ፡ ዛጊድ ኣብቲ ክልል ብርቱዕ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።