ቅልውላው ትግራይ፡ ኣብ ዕዳጋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ነፋሪት ዓሰርተታት ሰባት ተቐቲሎም ተባሂሉ

ትማሊ ሰሉስ፡ ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ምዕራብ 25 ኪሎሜትር ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ቶጎጋ ኣብ ዕዳጋ ከም ዝተፈጸመ ብዝተገለጸ ደብዳብ ነፋሪት፡ ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ነበርትን ሰብ መዝን እቲ ክልልን ንቢቢሲ ገሊጾም።

እቲ ደብዳብ ነፋሪት፡ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝተፈፀመ እቶም ምንጭታት እኳ እንተገለጹ: ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ግና፡ "ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታት ደብዳብ ነፋሪት" ከምዘይፈፀመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ነባሪ ከተማ ቶጎጓ፡ ኣይተ ገብረእግዛብሄር ትማሊ ኣብታ ከተማ፡ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ደብዳብ ነፋሪት ምስተፈፀመ፡ ንህፁፅ ሕክምና ብናይ ውልቆም ሚኒባስ 15 ግዳያት ሒዞም ናብ ከተማ መቐለ እንከምርሑ፡ ኣብ መገዲ ብኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከሉን ግዳያት ሒዞም ናብ ቶጎጓ ክምለሱ ከምዝተገደዱን ሎሚ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ካብቶም ዝፀዓንዎም 15 ሰባት እቶም ሓሙሽተ ሰባት ሰኣን ሕክምና ከምዝሞቱ ዝገልፁ እቶም ነባሪ፡ በቲ ደብዳብ፡ ብሓፈሻ ኣስታት 80 ሰባት ከምዝሞቱን ልዕሊ 200 ሰባት ድማ ከምዝቖሰሉን ተዛሪቦም።

ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብወገኑ ፡ በቲ ደብዳብ ካብ 60 ክሳብ 70 ሰባት ከምዝተቐትሉ ካብቲ ከባቢ ሓበሬታ ከምዝበፅሖ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እንተኾነ ግን ቢቢሲ ነቲ ቁጽሪ ብናጻ ኣካል ከረጋግጽ ኣይከኣለን፡፡

ወኪል ዜና ሮይተርስ ንሓደ በዓል ሞያ ሕክምና ብምጥቃስ 43 ሰባት ጉድኣት ከምዝበጸሖም ዝገለጸ ኮይኑ ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ግን ኣይሓበረን።

ግዳያት እንታይ ይብሉ?

መንእሰይ ዝናቡ በቲ ደብዳብ ተጎዲኦም ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ይከታተሉ ካብ መንጎ ዘለዉ ግዳያት እዩ።

“ብዙሕ ሰብ እዩ ነይሩ ኣብቲ ዕዳጋ። ኣነ ኣብ ካራምቡላ እየ ነይረ፤ ካብኡ ምስ ወጻእኹ ብዙሕ ዝወደቐ ሰብ ሪእየ። ካብኡ ኣነ ብመኪና መጺአ” ኢሉ። ንሱ፡ ኣብ ኢዱ ጉድኣት ከምዝበጽሖ ተዛሪቡ።

ካብ መንጎ እቶም ዝሞቱ ሓደ ብቐረባ ዝፈልጦም ስብኣይ ከምዝኾኑ ንቢቢሲ ዝተዛረበ ዝናቡ: ቁጽሪ ዝሞቱን ጉድኣት ዝበጸሖምን እንትገልጽ ድማ "ኣነ ዝረኣኹዎም ልዕሊ ሰላሳ ይኾኑ እዮም’’ ኢሉ።

ካልእ ኣብቲ ዕዳጋ ከም ዝተሃርመት እትገልጽ ወይዘሪት ብርሃን ዝተባህለት ነባሪት ድማ በቲ ደብዳብ ኣብ ኢዳ ጉድኣት በፂሕዋ፡ ኣብ ሆስፒታል ዓይደር ሕክምና ትከታተል ኣላ።

በቲ ደብዳብ ብዙሕ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ሰብ ከመዝሞተን፡ ሬሳ ንምፍላይ ዘፀግም ኩነታት ከምዘጋጠመን ሓቢራ።

“ህይወተይ ዳርጋ ስሒተ እየ ነይረ፤ መን ሞይቱ መን ተሪፉ ኣይፈለጥኩን” ኢላ።

‘‘ዕዳጋ እዩ ነይሩ ከባቢ ሰዓት ሽዱሽተ እያ [ነፋሪት] ደብዲባ፡፡ ብዙሕ ሰብ ተጎዲኡ ብዓይነይ ርእየ፡ ሰብ ተሓዋዊሱ’’ ብምባል ለይቲ እውን ኣብቲ ከባቢ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝነበረ ገሊጻ፡፡

ካብቲ ከባቢ ብኸቢድ ዝቖሰሉ ሸውዓተ ግዳያት ናብ ከተማ መቐለ ሆስፒታል ዓይደር ከምዝመፅኡ ምእንተ ድሕነቱ ስሙ ዘይንገልፆ በዓል ሞያ ጥዕና ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብፍላይ እታ ሓንቲ ጓል ክልተ ዓመት እትኸውን ቆልዓ፡ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበጽሓ እቲ በዓል ሞያ ተዛሪቡ።

ንሱ፡ ከምዝብሎ እቶም ክልተ ግዳያት ትሕተ ዕድመ እንትኾኑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ልዕሊ 18 ዓመት እዮም።

'ናብ ሕክምና ከይንሓልፍ ተኸልኪልና '

ኣይተ ገብረእግዛብሄር፡ ሕዚ'ውን ናብቲ ከባቢ ከቢድ ብረት ይትኮስ ብምህላዉ፡ ህዝቢ ብፍርስራስ ህንፃታት ዝተፀቓቐጡ ግዳያትን ሬሳን ንምውፃእ ከምዝተፀገመን፡ ዛጊድ ካብ ዝኾነ ኣካል ዝረኸብዎ ሓገዝ ከምዘየለን ሓቢሮም።

ሰብሞያ ጥዕና፡ ንህፁፅ ረድኤት ሕክምና ናብቲ ከባቢ ከይኣትዉ ብሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከሉን እዚ ጉዳይ ልዕሊ ዓቕሙ ከምዝኾኖን ድማ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ሓደ ካብ ሓለፍቲ ቢሮ ጥዕና ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ቢሮ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንህፁፅ ሓገዝ ኣምቡላንሳትን ሰብሞያን ንምልኣኽ ተደጋጋሚ ፈተነ እኳ እንተገበረ፡ ኣባለት ሰራዊት 'ኣይትሓልፉን' ከምዝበልዎምን ዝለኣኽወን ኣምቡላንሳት መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመንን ንቢቢሲ ኣረጋጊፁ።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ግና ነዚ ክሲታት ነጺጉዎ።

ንሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኮለኔል ጌትነት ኣዳነ፡ በቲ ደብዳብ ዝተጎድኡ ወገናት ናብ ሕክምና ከይመፅኡ ኣብ መገዲ ይኽልከሉ ኣለዉ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።

እቲ ሰራዊት ኣመራርሓ ህወሓት ንምሓዝ ብቕድሚ ትማሊ ደብዳብ ኣየር ሓዊሱ ዝተፈላለየ ስርሒት ከመዘካየደ ብምግላፅ፡ ነቲ ትማሊ ኣብ ቶጎጋ ዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር ግና ከምዘይወዓሎ እቲ ሓላፊ ገሊፁ።

‘’ደብዳብ ኣየር ኣብ ዕዳጋ፡ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣይውዕሎን። ዕላምኡ ሃዲኑ ክፍፅም ዝኽእል ሰራዊት እዩ። ጁንታ ኣብ ዕዳጋ የለን። ትማሊ ደብዳብ ኣየር ተኻይዶም እዮም። ደብዳብ ዝተኻየደሎም ዝተመረፁ ዕላማታት ኣለዉ። ኣብ ዕዳጋ ተፈፂሙ ዝብል ግን ፍፁም ጌጋ እዩ። እቲ ስርሒት ደብዳብ ኣየርን ከቢድ ብረትን ዘካትት እዩ’’ ኢሉ።

ኣብዚ ሰሙን እንታይ ኣጓኒፉ ነይሩ?

ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ንከተማታት መቐለን ዓዲግራትን ዘራኽብ መገዲ ከምዝተዓጸወ፡ ነበርቲ ከተማ ዓዲ ግራት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም፡፡

ሓይልታት ትግራይ ሰሉስ ንጉሆ: ቅድሚ ወተሃራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምምላሶም ናብ ከተማ ዓዲ ግራት ኣትዮም ነይሮም።

ካብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ንኣንፈት ሰሜንን ሰሜን ምዕራብን ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዝቐነየ ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ድሕሪ ኣዋርሕ ሓይሊታት ትግራይ ናብ ብዙሓት ከተማታት ከምዝኣተዉ ነበርቲ ዝገለጹ ኮይኖም፡ እቶም ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከቢድ ክሳራ ከምዝብጸሑን ከምዝማረኹን ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ግን ነቲ ሓበሬታ 'ሕሶት' ክብል ነጺግዎ ኣሎ።

ብ3 ሕዳር 2020 ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ፡ ኣብቲ ክልል 'ንዝነበረ ሰራዊት ሰሜን እዝ ኣጥቂዖም' ኢሉ ድሕሪ ምኽሳስ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወታሃደራዊ ወፍሪ ክውሰድ ምእዛዙ ይዝከር።

ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ ድማ፡ እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ፍሕፍሕ ናብ ቅሉዕ ኲናት ኣምሪሑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር ሰራዊቱ ንከተማ መቐለ ምስተቖጻጸሩ፡ 'እቲ ኲናት ተዛዚሙ' እንተበለ'ኳ፡ ዛጊድ ኣብቲ ክልል ብርቱዕ ውግእ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።

እቲ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከምዝተቐተሉን ሚልዮናት ከምዝተፈናቐሉን ተጸበይቲ ረዲኤት ከምዝኾኑን ይግለጽ፡፡