እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ መጥቃዕቲ ፈጺሙ ክብሉ መራሕቲ ትግራይ ከሲሶም
ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከሲሶም።
ኣፈኛ ህወሓት ጌታቸው ረዳ ትማሊ ሰንበት ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ፡ ስገም-ኮፎሎ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ሰሜናዊ-ምራብ ትግራይ ኣጥቂዖም ኢሉ።
ብወገን ኤርትራ፡ ብዘባ'ዚ ዝተባህለ ሓድሽ መጥቃዕቲ ዝተዋህበ ግብረመልሲ'ኳ እንተዘየለ፡ ህወሓት ንኤርትራ ስግኣት ምዃኖነ'ዮም መራሕቲ ኤርትራ ክምጉቱ ጸኒሖም።
ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ተዓጽዩ ዝርከብ መስመራት መራኸቢታት ስልክን ኢንተርነትን፡ ነቲ ሓበሬታ ብናጻ ኣካል ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብቐዳም 7 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መሕትት፡ ሰራዊቱ ኣብ ኲናት ክኣቱ ዝተገደደ ን"ርእሰ-ምክልኻል" ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብ ኢትዮጵያ ርግኣት ከይመጽአን ንዕኡ ዝበቅዕ ስርዓተ መንግስቲ ከይተተኽለን፡ መምስ ዝመጽአ ፍነው ነገራት ክንሰርሕ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ ድሩት ኣበርክቶ እውን ክንገብር ስለዘሎና ስቕ ኢልና ክንርኢ ኣይንኽእል ኢና" ኢሉ።
ኣብ ፈለማ'ቲ ኲናት ህወሓት ናብ ኤርትራ ናይ ሚሳይላት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ዝጠቐሰ ኣቶ ኢሳይያስ፡ "ተወጢኑ ዝነበረ ታርጌታት [ዒላማታት] ልዕሊ ሚእቲ'ዩ" ብምባል፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝገበርዎ ምትእትታው "ርእሰ-ምክልኻል'ዩ" ክብል መጒቱ።
መራሕቲ ትግራይ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ሓይልታቶም መጥቃዕትታት ከምዝፈነወ ብምኽሳስ፡ ኣብ ኤርትራ'ውን "ዝተመርጹ ዒላማታት" ብሚሳይል ከምዝደብደቡ ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሰራዊቱ ኣብቲ ኣብ ኣፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወለዐ ኲናት ትግራይ ብምእታዉ ሓያል ዓለምለኻዊ ጸቕጢ ክግበረሉ ጸኒሑ'ዩ።
ኣመሪካ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ፈጺምዎ ኢሉ ብዝከሶ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝተልዓለ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጸጥታ መንግስቲ ኤርትራን ገዛኢ ውድብ ህግደፍን ትካላቱን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮሃንስ፡ ሓላፊ ትካል ሃገራዊ ድሕነት ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብረሂወት እገዳ ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ መዓስክር ተመዛበልቲ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት፡ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤት ተዛሪቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ስእልታት ከምዘርእይዎ፤ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ደደቢት ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ማእከል ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ መቃዕቲ ዝተጎድኡ ሕክምናዊ ድጋፍ እናተገበረሎም ይርከቡ።
ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዘይሻራዊ ኣካል ዝርዝር ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን። ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኮሎኔል ጌትነት አዳነን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ ለገሰ ቱሉን ነቲ መጥቃእቲ ኣመልኪቶም ምላሽ ከምዘይሃብዎ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ኤርትራ ግን ነቲ ሰራዊታ ነቲ ግፍዕታት ከምዘይፈጸመ ብምምጓት፡ ነቲ ክስታት ትነጽጎ።
እቲ ልዕሊ 14 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ሎሚ ሰላማዊ ፍታሕ ከምዘይተረኽበሉ ይፍለጥ።
ኣመሪካን ቻይናን፡ ከምኡ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ተጻብኦታት ንምቁራጽን ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብን፡ ፍሉያት ልኡኻት ብምምዛዝ ጻዕርታት የካይዳ ምህላወን ይግለጽ።