እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ተመዛበልቲ ብደብዳብ ኣየር 56 ሰባት ተቐቲሎም - ሰራሕኛታት ረድኤት
ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ መዓስክር ስደተኛታት ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፋሪት፡ 56 ሰባት ከምዝተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉን ሰራሕተኛታት ረድኤት ተዛሪቦም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርግሑ ስእልታት ከምዘርእይዎ፤ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ደደቢት ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ኣብ ልዕሊ ግዝያዊ ማእከል ተመዛበልቲ ዝተፈጸመ መቃዕቲ ዝተጎድኡ ሕክምናዊ ድጋፍ እናተገበረሎም ይርከቡ።
ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብዘይሻራዊ ኣካል ዝርዝር ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን፤ መንግስቲ'ውን ዛጊድ ዝበሎ የለን።
ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ካብ ዝጅመር ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑጸረ ኲናት፡ ኣሸሓት ሰላማውያን ተቐቲሎም ከምዝኾኑ ይእመን።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ኮሎኔል ጌትነት አዳነን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኣቶ ለገሰ ቱሉን ነቲ መጥቃእቲ ኣመልኪቶም ምላሽ ከምዘይሃብዎ ሮይተርስ ጸብጺቡ።
ሰራሕተኛታት ረድኤት ትማሊ ቀዳም ንሮይተርስ ከምዝበልዎ፡ በዝሒ ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ብሓለፍቲ እቲ ከባቢ ዝተረጋገጸ እዩ።
እቶም ስሞም ዘይተጸርሐ ሰራሕተኛታት ትካላት ረድኤት፡ ካብቲ ሆሰፒታል ንህጻናት ሓዊሱ ጉድአት ናይ ዝበጽሖም ሰባት ኣሳእል ናብ ሮይተርስ ልኢኾም እዮም።
እቲ ጉድኣት ዝበጽሖም ዝተወስድሉ ጠቕላላ ሆስፒታል ስሑል ሽረ፡ ከይዱ ዝተዓዘበ ካብቶም ሰራሕተኛታት ረድኤት ሓደ፡ እቲ ሆስፒታል ብዕድመ ድፍእ ዘበሉን ህጻናትን ዝተመልአ እዩ።
እቲ ጊዚያዊ መጽንሒ ተመዛበልቲ ዝርከበሉ ቤት ትምህርቲ ስለ ምንታይ መጥቃዕቲ ከምዝበጽሖ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድም ክብል፡ ብነፈርቲ ሰላማውያን ሰባት ከም የጥቅዕ እዩ ገሊጹ ነይሩ።
እቲ ኲናት ህድእ ኢሉ እንተሎ'ኳ፤ ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ትሕዝቶታት ሓይልታት ትግራይን ሰላማውያን ሰባትን ደብዳብ ነፈርቲ የካይዳ ከምዘለዋ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ብረቡዕ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ድሮን መጥቃዕቲ የካይድ ከምዘሎን ሲቪላውያን ዕላማ ይኾኑ ምህላዎምን ከሲሱ ነይሩ።
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለን ዝተፈላለዩ ካልኦት ከባብታት ትግራይን ተደጋጋሚ ደብዳባት ኣየርን ድሮንን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
መንግስቲ እታ ሃገር ንዝገብሮ ተደጋጋሚ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ንመሰልጠኒ ሓይልታት ትግራይ ዒላማ ከምዝገብር እዩ ዝገልፅ።
ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ናይ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኣባላትን መራሕትን ምፍተሖም ይዝከር። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ይቕርታን ምሕረትን ብዝምልከት "እቲ ጎንጺ ዝፈጠሮ ወጥሪ ክነህድእ ኢና" ብምባል ንሰላም ዘአንፍት መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ቀጻሊ መጥቃዕቲ ነፈርቲ
ኮሚሽን ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ውድብ ሕቡራት ሃገራት[ ኦቻ] ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ካብ ታሕሳስ 10 ክሳዕ 15 ኣብ ትግራይ ብመጥቃዕቲ ኣየር ብዙሓት ሰባት ከምዝሞቱ ገሊጹ ኣሎ።
መብዛሕትኦም እቶም መጥቃዕቲታት፡ ኣብ ኣላማጣ፣ ኮረም፣ ማይጨው፣ መኾኒን ምላዛትን ኣብ ዝኣመሰሉ ከተማታት ደቡብ ትግራይ ዝተፈጸሙ መዃኖም ጠቂሱ።
እንተኾነ በቲ ዘሎ ናይ ርክባት ዕጽዋን ናይ ድሕነት ሽግርን ምኽንያት በዝሒ በቲ ደብዳብ ዝተቐትሉ ሰባት ብትኽክል ምፍላጥ ከም ዘይተኽኣለ ሓቢሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ መዓስከር ስደተኛታት ማይዓይኒ ብዝተፈፀመ ደብዳብ ኣየር፡ ሰለስተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጡ እዩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ዝተቐተሉ ስደተኛታት እቶም ክልተ ህፃናት ከምዝኾኑ ዝገለጸ እቲ ትካል፡ ካልኦት ብዙሓት ከምዝቖሰሉ'ውን ሓቢሩ።
ሓይልታት ጸጥታ መሰል ሲቪላውያን ከኽብሩ ድማ ሕቡራት ሃገራት ፀዊዑ ኣሎ።
ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንዲ ብምኽንያት እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ስደተኛታት ዒላማ ክኾኑ ኣይግባእን ኢሉ።
እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕጽል ዘሎን ኲናት፡ ህይወት ኣሽሓት ሰባት ቀዚፉ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መንበሪ ቤቶም ኣመዛቢሉን ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።
ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።
ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ብዘይገደብ ክበፅሓ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክፈቅድ ብተደጋጋሚ ምሕታቶም ይፍለጥ።
ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ድብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንክረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ይገልፅ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከም ዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምኳኑ ገሊፆም ነይሮም።
እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ገለ ከባብታት ውግእ ከምዘሎን ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ ከምዘሎን ይግለፅ።