እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላዉ ትግራይ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ መቐለ ንሳልሳይ ግዜ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካዪዱ
ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ መዓልታት ጥራይ 'ንሓሙሻይ' ግዜ ኣብታ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ ዝኾነት መቐለ ደብዳብ ከም ዝፈጸመ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣፈኛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ለገሰ ቱሉ ሎሚ ሓሙስ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር መጥቃዕቲ ምፍጻሙ ኣረጋጊጹ።
እቲ ናይ ሓሙስ መጥቃዕቲ፡ ነቲ መዓስከር ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ መሰልጠኒ ማእከል ሓይልታት ትግራይ ከም ዝኾነ ዝተገልጸ ቦታ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ እቲ ኣፈኛ ጠቒሱ ክብል ሮይተርስ ሓቢሩ።
ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝኾነ፡ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብሪሂወት ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ብሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ሓሙሻይ ዙርያ መጥቃዕቲ ኣየር . . . ኣብ መቐለ፡ ከባቢ ላቺ" ከምዝተኻየደ ሓቢሩ።
እቲ ከባቢ ሲቪላውያን ከም ዝነብርሉ ዝሓበረ ፕሮፌሰር ክንደያ፡ "ኣብ ዓውደ ኲናት ምስተሳዕረ ንህዝብና ንምርዓድ ዝተገብረ ተወሳኺ ፈተነ'ዩ" ክብል ገሊጹ።
እቲ ካልእ ክልተ ደብዳባት መዓስን ኣበይን ከም ዝተፈጸመ ግን ኣየነጸረን።
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወገኑ ብሓሙስ ምሸት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይሊ ኣየሩ ኣብ ከተማ መቐለ ደብዳብ ከምዘካየደ ኣፍሊጡ'ሎ።
"ናይ ኣጽዋር መኽዘን፡ ናይ ጽገና ቦታታት፡ መሰልጠኒ ማእከላት፡ መኣዘዚ መደበራትን ስንቂን ሃብቲን ዘህድሙን ተሽከርከርቲ፡ ከምኡ'ውን ከበድቲ ብረታቶምን" ከምዘዕነወ መግለጺ ናይቲ ሰራዊት ይጠቅስ።
ኣገልግሎት ዜና ኤ-ኤፍ-ፒ ብወገኑ ነቲ ናይ ሓሙስ መጥቃዕቲ ከም ዝተኻየደ ኣረጋጊጹ'ሎ።
ብረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት ቆሲሎም ምንባሮም ሰብ ሞያ ጥዕና ገሊጾም ነይሮም።
እቲ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ "ፋብሪካ መስፍን ኢንዳስትርያል ኢንጂነሪንግ ግዳይ እቲ ደብዳብ ኣየር ከም ዝኾነን" ምንጭታት ቢቢሲ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
ኣብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ዳይሬክተር ክፍሊ ህጹጽ ክትትል ሕክምና ዶክተር ነጋሲ ግርማይ ብወኑ፡ ብጽሕቲ ወርሒ ነብሰጾር ትርከቦም በቲ መጥቃዕቲ ኣየር ብከቢድ ዝተጎድኡ ሓሙሽተ ሰባት ይሕክሙ ከም ዘለዉ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ኣብቲ ብሰኑይ ዝተኻየደ ደብዳብ'ውን ሰለስተ ህጻናት ከም ዝተቐትሉን፡ ሓያሎ ካልኦት ከምዝቖሰሉን ሕቡራት ሃገራትን ነበርቲ እታ ከተማን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
እቲ ደብዳባት፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ትግራይን ቀጻሊ "ጽዕጹዕ" ውግኣት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን'ዩ ዝፍጸም ዘሎ።
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሚልዮናት ኣፈናቒሉን ንሓደጋ ጥምየት ኣቃሊዑን ከም ዘሎ ትካላት ረዲኤት ይገልጹ።
ነቲ ግጭት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርታት ዛጊት ፍረ ኣይተረኽቦን።